ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል ምድላዋት ይገብር ምህላው ሓቢሩ

ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን

ምንጪ ስእሊ, MOI Eritrea/Facebook

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዋና ዳይሬክተር ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ተስፋጽዮን እቲ ምኒስትሪ ንኮሮና ቫይረስ ንምክላኻል ዘድሊ ምድላዋት ይገብር ምህላው ንኣገልግሎት ተለቪዥን ኤርትራ (ኤረ -ቲቪ) ሓቢሩ።

እቲ ዳይረክተር ጥዕና፡ እቲ ምኒስትሪ፡ ብዛዕባ እቲ ተላባዒ ሕማም ኣፍልጦ ከምዘለዎን፡ ንምክልኻሉ፡ ድሮ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ መመርመሪ ነቝጣ ከምዝደኮነን ሓቢሩ። ከምኡ እውን ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ቪላጆ ድማ መወሸቢ (ንመርመራ ዝኸዉን ገዛ) ከምዘዳለወን፡ ህዝቢ ከኣ ብዛዕባ እቲ ሕማም እኹል ኣፍልጦን ግንዛበን ንክህልዎ ኣተሓሳሲቡ። ብተወሳኺ ብትምህርቲ ይኹን ብንግድን ስራሕን ኣብ ቻይና ዝርከቡ ዜጋታት ምስ ኤምባሲ ኤርትራ ክራኸቡን፡ ንውሕስነት ጥዕነኦም ንግዝዩኡ ኣብ ዘዘለውዎ ክጸንሑ ምኽሩ ለጊሱ።

እቶም ካብ ኤርትራ ናብ ቻይና ክገሹ መደብ ዝነበሮም ከኣ እቲ ኩነታት ክሳብ ዝረጋጋእን መገሽኦም ከናዉሕዎ ተላቢዩ።

ክሳብ ሕጂ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኬንያ፡ ኢትዮጲያ፡ ናይጀርያ፡ ከምኡ ዉን ኡጋንዳ ኣብ መዓርፎ ነፈርተን ኮነ ካልእ መፈተሺ ቦታታት፡ ነቑጣታት ስርዓተ ምክልኻልን ኣቚመን ከምዘለዋ ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ኣብ ኬንያን ኢትዮጲያን እውን ብጥርጠራ ዝተታሕዙ ሰባት መርመራ ከምዝተገብረሎም እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ብወግዒ ከምዘይተራእየ ይሕበር።

እዚ ንህዝቢ ዓለም ዘሰንበደ ኣዝዩ ቅልጡፍን ቀታልን ሕማም ኩለን ሃገራት እኹል ስርዓተ ምክልኻል ብምድላው ክከላኸልኦ ዳይረክተር ህዝባዊ ጥዕና ዶክተር ዓንደብርሃን ኣዘኻኺሩ።

ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ቻይና ከምዝተርኣየን ቁጽሪ መወትቲ 170 ከምዝበጸሐን ሰብ መዚ ቻይና ገሊጾም ኣለው።

ካብ ጥሪ 29 ክሳብ ሕጂ ኣስታት ሸሞንተ ሽሕ ረኽሲታት እቲ ቫይረስ ከምዝተመዝገቡን እቲ ሕማም ካብ ቻይና ወጻኢ ኣብ 16 ሃገራት ከምዝተራእየን ተፈሊጡ ኣሎ።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዓለም ለኻዊ ህጹጽ ኣዋጅ ክእወጅ ክግበር ኣድላይ ድዩ ኣይኮነን ንኽዝቲ ሎሚ ክእከብ እዩ።

ትማሊ ረቡዕ፡ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም " ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልቲታት ምስፋሕ እቲ ቫይረስ፡ ብፍላይ ኣብ ገለ ሃገራት፡ ብፍሉይ ድማ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዘለዎ ምትሕልላፍ፡ ኣጨኒቑና እዩ" ክብል ተዛሪቡ።

"ዋላ'ኳ እቲ ካብ ቻይና ወጽኢ ዘሎ ቁጽሪ በቲ ሕማም ዝተለኸፉ ሰባት ውሑድ እንተኾነ፡ አዐርዩ ናይ ምግፋሕ ተኽእሎ ኣለዎ" ኢሉ።

እቲ ሕማም ዛጊት ዝኾነ ዓይነት መድሃኒት ይኹን ክታበት ኣይተረኸቦን። በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ብዙሓት ሰባት ድማ ድሕሪ ቀሊል ምልክታት ጥዕነኦም ከምእተመልሰ ይሕበር እዩ።

ይኹን እምበር እቲ ሕማም ከቢድ ናይ ምትንፋስ ረኽሲ ብምፍጣር ናብ ሞት ስለዘብጽሕ እቲ ስግኣት ገና ኣሎ።

ብተወሳኺ እቲ ቫይረስ ከም ሳርስን 'ኢንፍለዊንዛ' ቫይረስን ብቐንዱ ብዕድመ ንዝደፍኡን ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ሰባት ከምዘጥቅዕ እዩ ዝግለጽ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ቻይና ጸወታታት ዝጅመረሉ ግዜ ከምዘናውሖ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብዙሓት ሃገራት ዜጋታተን ካብ ከተማ ዉሃን ምውጻእ ጀሚረን ኣለዋ።

ጃፓን ናብ ሃገራ ካብ ዘጓዓዓዘቶም ዜጋታታ ሰለስተ ሳባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ገሊጻ ኣላ። ኣመሪካ ድማ 200 ዜጋታታ ካብታ ከተማ ከምዘውጸአት ሓቢራ።

ሃገራት ዓባይ ብሪጣንያ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ፈረንሳ፣ ካናዳ፣ ፊሊፕኒስን ማሌዥያን ድማ ዜጋታተን ንምውሳድ ይሸባሸባ ኣለዋ።

ነፋሪት ጃፓን

ምንጪ ስእሊ, AFP