ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ ቅዳሕ ኮሮናቫይረስ ኣማዕቢሎም

ምንጪ ስእሊ, PETER DOHERTY INSTITUTE FOR INFECTION AND IMMUNITY
ካብ ቻይና ወጻኢ ንፈለማ እዋን ቅዳሕ ኮሮናቫይረስ ዘማዕበሉ ኣውስትራልያውያን ተመራመርቲ፡ እቲ ምዕባለ ዓብዪ ዓወት ከም ዝኾነ ገሊጾም።
እቲ ርኽበት ነቲ ሕማም ዝፍውስ መድሃኒት ኣብ ምምዕባል ሓጋዚ ክኸውን ስለዝኽእል ናብ ትካል ጥዕና ዓለም ክወሃብ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ቻይናውያን ተመራመርቲ'ውን ተመሳሳሊ ቫይረስ ኣማዕቢሎም እዮም።
በቲ ለበዳ ዛጊት 132 ሰባት ክሞቱ እንከለው፤ ከባቢ 6,000 በቲ ቫይረስ ተጠቒዖም ኣለው።
ታይላንድ፡ ፈረንሳ፡ ኣሜሪካን ኣውስትራልያንዝ ኣብ ዝርከብወን 16 ሃገራት፡ 47 ሰባት በቲ ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ክረጋገጽ ከሎ፤ ካብ ቻይና ወጻኢ ዝሞተ ሰብ ግን የሎን።
ኣብ ሜልበርን ኣውስትራልያ ዝርከቡ ተመራመርቲ፡ ካብቲ ብዓርቢ ዝተሰደደሎም ቅምሶ፡ ቅዳሕ እቲ ቫይረስ፡ ከማዕብሉ ከም ዝኸኣሉ ገሊጾም።
ሓደ ካብቶም ተመራመርቲ ዝኾነ ዶክተር ማይክ ካቶን "ንኸምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ንዓመታት ኢና ክንዳለው ጸኒሕና፤ በዚ ምኽንያት ከኣ እዩ ብቕልጡፍ መልሲ ክንረኽብ ዝኸኣልና" ኢሉ።
እቲ ቅዳሕ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት ንምልላይ ኣብ ዝግበር መርመራ ኣዝዩ ኣገዳሲ ከም ዝኸውን ሓካይም ገሊጾም።
እዚ ወላ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ግና ምልክታት ዘይተራእየሎም ሰባት ንምልላይ ሓጋዚ ከም ክኸውን ከም ዝኽእል ተገሊጹ።
እቲ ቫይረስ ልክዕ ከም ሰዓል ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ሰብ መዚ ቻይና ተዛሪቦም።
እቲ ምልክታት ከይተረኣየ እንከሎ ክመሓላለፍ ከም ዝኽእል ግና ዛጊት ንጹር ከም ዘይኮነ ዉድብ ጥዕና ዓለም ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







