ኣብ ቻይና ዝተረኣየ ሓድሽ ቫይረስ ዝርግሕኡ ይውስኽ ኣሎ

ቫይረሳት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቻይና ብዝተረኣየ ሓድሽ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁጽሮም ካብቲ ብሰበስልጣን ዝተገለጸ ከምዝዛይድ ተመራመርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ዛጊት 60 ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም'ኳ እንተተሓበረ፡ እንግሊዛውያን ክኢላታት ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 1,700 ከምዝጽጋዕ ይዛረቡ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝሓለፈ ታሕሳስ ካብ ዝረኣይ ጃሚሩ ዛጊት ክልተ ሰባት ኣብ መተንፈሲ ብዘጋጠሞም ጸገም ጥዕና ሞይቶም'ዮም።

"ቅድሚ ሰሙን ካብ ዝነበረኒ ስምዒት ብዝበለጸ ሕዚ ክሻቐል ጀሚረ ኣለኹ" ኢሉ ሳይንቲስት ለበዳ ሕማማት ፕሮፌሰር ኒል ፈርጉሰን።

ሲንጋፖርን ሆንግኮንግን ካብ ከተማ ሁዋን ንዝመጽኡ ገያሾ ክምርምራ ጀሚረን ኣለዋ።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ'ውን ኣብ ዓበይቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሳን ፍራንሲስኮ፣ ሎስ ኣንጀለስን ኒው ዮርክን ካብ ዓርቢ ዝጀመረ ምርመራ ተጓዓዝቲ ክካየድ ውሳነ ኣሕሊፎም ኣለው።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሰበስልጣን ቻይና እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ዘረጋግጽ ውጽኢት ከምዘየለ ይዛረቡ።

ካብ ዝተለኸፉ መግብታት ባሕርን ካልኦት እንስሳትን ናብ ሰብ ከምዝተሰጋገረ ድማ ይገልጹ።

ፕሮፌሰር ፈርጉሰን ብወገኑ "ሰባት፡ እቲ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ብምግማት ሕዚ ካብ ዝርከበሉ ብዝያዳ ክሰፍሕ ከምዝኽእል ክሓስቡ ኣለዎም" ኢሉ።

እቲ ቫይረስ እንታይ እዩ?

ካብ ሕሙማት ዝተወሰደ ቅምሶ [sample] ኣብ ላቦራቶሪ ምርመራ ተኻይድሉ እዩ።

ሰበስልጣን ቻይናን ትካል ጥዕና ዓለምን፡ እቲ ረኽሲ ናይ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነ ድማ ኣብ መደምደምታ በጺሖም።

ኮሮናቫይረስስ ናይ እኩባት ቫይረስ ስድራ ኮይኑ፤ ቅድሚ ሕዚ ድምር ሽድሽተ ቫይረሳት ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ከኣ ሸውዓተ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዚኦም ድምር'ዩ ኣብ ደቂሰብ ረኽሲ ዝፈጥር።

ገለ ዝተኻየዱ ምርምራት ግን እዚ ቫይረስ ነቲ ቅድሚ ዓመታት ብዙሓት ሰባት ዝቐተለ ቫይረስ ሳርስ፡ ከም ዝመሳሰል የመልክቱ።