ኮሮናቫይረስ፡ ኣውስትራልያ ካብ ቻይና ንዝመለሱ ዜጋታታ መጽንሒ ደሴት ፈልያ

ቻይናውያን መከላኸሊ ይለብሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቁጽሪ ግዳያት ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ወጻእተኛታት ካብታ ማእከል ለበዳ እቲ ሕማም ዝኾነት ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ከምዝገዓዙ ተገሊጹ።

ኣውስትራልያ ንዝምለሱ ዘለው 600 ዜጋታታ ንኽልተ ሰሙን ኣብ ደሴት ክሪስመስ ክተውሽብ ምዃና ተፈሊጡ።

ደሴት ክሪስመስ ካብ ቀንዲ ገማግም ኣውስትራልያ ኣብ 2000 ኪሜ ርሕቐት እዩ ዝርከብ።

ጃፓን፡ ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን ዜጋታቶም የውጽኡ ኣለው።

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒን ነቲ "ድያብሎስ" ዝበሎ ቫይረስ ሃገሩ ክትስዕሮ ምዃና ተዛሪቡ።

እቲ ለበዳ ንዝቕጽል 10 መዓልትታት ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓደ ክኢላ ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ገሊጹ።

ቁጽሪ ናይቶም በቲ ሕማም ዝሞቱ ሰባት ኣብ ቻይና 132 ከም ዝበጽሐ ሃገራዊ ኮምሽን ጥዕና ቻይና ብረቡዕ ኣፍሊጡ።

እቲ ቫይረስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ዕዳጋ ዓሳ ከተማ ዉሃን ዝተሸጡ ዓሳታት ዝሰዓበ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እቲ ሕማም፡ ብርቱዕ ረኽሲ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ዘስዕብ ኮይኑ፤ ዛጊት ፈውሲ ኮነ መከላኸሊ ክታበት ኣይተረኽቦን።

ቁጠባ ሃስያ እቲ ሕማም እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ስታርባክስ ዝተብሃለ ፍሉጥ ቤት መግቢ ኣብ መላእ ቻይና ዝርከቡ ድኳናቱ ነቶም ፍርቂ ከም ዝዓጸወ ተገሊጹ።

ብዝሒ ኣብ ቻይና ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት