ንሕሙማት ኮሮናቫይረስ ክሕክም ዝቐነየ ዶክተር በቲ ቫይረስ ሞይቱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሰራሕተኛተታት ጥዕና ቻይና ፤ ብዚ ሓድሽ ሕማም፡ ኮሮናቫይረስ፡ ካልኦት 15 ሰባት ሁበይ ኣብ ዝተብሃለት ክልል ከምዝሞቱ ኣፍሊጦም።
በቲ ቫይረስ ንዝተጠቕዑ ሕሙማን ኣብ ቅድሚት ኮይኑ ክሕክም ዝቐነየ ቻይናዊ ዶክተር ሊያንግ ዉዶንግ በቲ ሕማም ተለኺፉ ህይወቱ ሓሊፉ።
ኣብ ከተማ ውሃን ሁበይ ሺንሁዋ ሆስፒታል ከገልግል ዝጸንሐ እዚ ዶክተር ሎሚ ቀዳም እዩ ሞይቱ።
ክሳብ ሕዚ 1,287 ቻይናውያን በቲ ሕማም ዝተለኸፉ እንትኸውን፤ ዛጊድ ብሓፈሻ 41 በቲ ቫይረስ ህይወቶም ሓሊፉ።
እዚ ቫይረስ ዝተኸሰተ፡ ቻይና ዓብዪ ቦታ እትህቦ፤ በዓል ሓድሽ ዓመት-ሉናር ክተኽብር ኣብ እትሸባሸበሉ እዋን እዩ።
እንተኾነ እዚ ክስተት ስዒቡ፤ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሃገራዊ መደባት እንትስረዙ፤ መንግስቲ ቻይና ኣብ ከተማ ውሃን ሓድሽ ሆስፒታል እናሰርሐ ይርከብ።
እቲ ቫይረስ ካብ ቻይና ሰጊሩ ኣብ ካልኦት ክፍላተ ዓለማት ተራእዩ ኣሎ።
ቀዲሙ ኣብ ኣመሪካ ዝተርአየ ኾይኒ፡ ኣብ ኣውሮጳ ንመጀመርታ ኣብ ፈረንሳይ ሰለስተ ሕሙማት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተረጋጊጹ።
እቲ ናይ መጀመርታ ዝተለኸፈ ቦርዴኽስ ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ዝነብር ኾይኑ እቶም ዝተረፉ ኣብ ርእሰ ከተማ ፈረንሳይ ፓሪስ ዝነብሩ እዮም።
ኣብ ኣውስትራልያ ድማ ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተረጋጊጹ።
ምስ ቻይና ልዑል ሰብኣዊን ንግዳውን ርክብ ዘለዎ ኢትዮጵያ ድማ ካብ'ቲ ከባቢ ዝመጽኡ ገያሾ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ይምርመሩ ከመዘለውን ምድላዋት ከምዘቀላጠፈን፡ ትማሊ ኢንስትትዩት ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ንፈለማ እዋን ክስተት እቲ ቫይረስ ዝተርእየላ ከተማ ዉሃን፡ ዛጊድ ፈርማሲታት መድሃኒታት ዝወደአ እንትኾና፤ ሆስፒታላት ድማ ብሕሙማትን ዘመደ ኣዝማድን ተጨናኒቐን ተባሂሉ።
እቲ ቫይረረስ ብሓያል ረስኒ ዝጅምር ኮይኑ፤ ብደረቕ ሰዓል ተዓጂቡ ናይ ምትንፋስ ሕጽረት ዘስዕብ እዩ።
ካብ ኣርባዕተ ሕሙማት ኣብ ሓደ ሰብ ዝኸፍአ ሓደጋ የስዕብ ድማ ተባሂሉ።

እንታይ ስጉምቲ ተወሲዱ?
መንግስታዊ መራኸቢ ሓፋሽ ቻይና ከም ዝጸብጸበኦ፤ በዚ ቫይረስ ንዝተለኸፉ ሰባት ጥራሕ ግልጋሎት ዝህብ ሆስፒታል እናተሰርሐ ይርከብ።
1,000 መደቀሲ ዓራት ዘለዎ ኾይኑ፤ ኣብ ውሽጢ ሽድሽተ መዓልታት ከምዝውዳእ ድማ ተተሊሙ።
ኣብ ግዝኣት ሁበይ እዚ ሓድሽ ክስተት ስዒቡ ዝተፈላለዩ ስጉምትታትን ዝተወስዱ ኾይኖም ብፍላይ ድማ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ዝውውር ተኣጊዱ እዩ ዝርከብ።
እቲ እግዳ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ይፈላለ ምበር፤ ናይ መጓዓዝያ ኣውቶብስ፤ ባቡርን ካልኦት ቀሊል መገዓዝያታትን ጠጠው ኢሉ እዩ።
ኩሉ ዓይነት በረራታት ናብ-ካብን ድማ ተሰሪዞም።
ነበርቲ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ከይንቀሳቐሱ ትእዛዝ ተዋሂቡ።
ኣብ መላእ ቻይና ድማ ብፍላይ ካብተን እቲ ቫይረስ ዝተርአየለና ግዝኣታትን ከተማታትን ዝኣትው ቻይናውያን፡ ምስዝኮነ ሰብ ከይተራኸቡ ንልዕሊ 14 መዓልታት ኣብ ገዘኦም ተዓጽዮም ክቕመጡ ሓለፍቲ መንግስቲ ሓቲቶም።
እዚ ናይቲ ቫይረስ ምልባዕ ንምክልኻል ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ከምኡ ድማ መንግስቲ ቻይና ዓበይቲ ዝበሃሉ መደባት ዝሰረዘ ኾይኑ፤ ከም 'ግሬትዎል' ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ዓለም ለኸ ማእኸላት መስሕብ ዓጽዩ።
እቲ ዓብዪ በዓል ዝበሃል ሓድሽ ዓመት ሉናር ከይበዓል ተኸልኪሉ።
ኣብ ከተማታት ሻንጋይን ቤጂንግን ዝነበሩ ሪዞርትታት ንግዚኡ ዝተሰረዙ ኾይኖም፤ ቤት ብልዒ ማክዶናልድስ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ከተማታት ክዕጸው ተገይሩ።
እቲ ቫይረስ ንመን እዩ ቀዲሙ ዘጥቕዕ ?
ኣብ ቻይና ዛጊድ ኣስታት 800 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
በቲ ሕማም ዝሞት ሰባት እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ 48 እንትኸውን እቲ ዝዓበየ ድማ ወዲ 89 እዩ።
ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዐና ከምዝፍለጦ፤ ዛጊድ በቲ ቫይረስ ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ 15 ካብ 17፡ ዕድሚኦም ካብ 60 ንላዕሊ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ገሊኦም ድማ ብኸም ሽኮርያ ዝኣመሰሉ ኻልኦት ጎድናዊ ሕማማት ተጠቒዖም ዝጸንሑ ከምዝኾኑ ተገሊጹ።
ዓለማዊ ምልባዕ'ቲ ቫይረስ
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ንፈለማ እዋን ካብ ግዝኣት ሁበይ ወጻኡ ሂበይ ኣብ ዝተብሃለ ካሊእ ግዝኣት ሓደ ሰብ በቲ ቫይረስ እንትመውት፤ ካብ ዉሃን ከተማ 2,000 ኪሎሜትሮ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ካሊእ ግዝኣት ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ከምዝሞተ ተፈሊጡ።
ኣመሪካ ንኻልኣይ ጊዘ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሕሙም ዝተረኸበ እንትኸውን፤ ሲንጋፖር ሰለስተ ሕሙማት፣ ኔፓል ድማ ሓደ ሕሙም እቲ ቫይረስ ተረኺቡ።
ከምኡ ድማ ታይላንድ፣ ጃፓን፣ ቬትናምን ደቡብ ኮርያን ነፍሲ ወከፈን ገለ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሕሙማት ከምዝተረኸቡ ኣረጋጊጸን።
ከም በዓል እንግሊዝን ካናዳን ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ እንተሎ ሓያሎ ምርመራ እናካየዳ ይርከባ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ዛጊድ እቲ ሕማም፤ 'ዓለምለኻዊ ስግኣት' ገይሩ እንተዘየኣወጀ'ኳ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ምዃኑ ከምዘይተርፎ ዳይሬክተር ጀነራል እቲ ውድብ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







