ሓድሽ ቫይረስ ቻይና ኣብ ኣመሪካ ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓድሽ ኣብ ቻይና ዝተረኸበ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ኣመሪካ ከምዝተርኣየ እታ ሃገር ኣፍሊጣ።
ማእኸል ምቁጽጻር ሕማማት እታ ሃገር ከምዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ቻይና ከተማ ዉሃን ዝጀመረ ቫይረስ፡ ኣብ ሓደ ካብ ቻይና ናብ ግዝኣት ሲያትል ዝመጸ ሰብ እዩ ተራእዩ።
በቲ ካብ ቻይና ግዝኣት ዉሃን ዝተዛመተ ቫይረስ ዛጊድ 300 ሰባት ከምዝተታሕዙን ሽዱሽተ ከምዝሞቱን ተፈሊጡ'ሎ።
ሰሜን ኮርያ ብወገና ነቲ ቫይረስ ብምስጋእ ንግዚኡ ዶብታ ንበጻሕቲ ዕጹው ከምዝገበረት ተገሊጹ።
ኣብ ታይላንድ ክልተ፣ ጃፓን ሓደ ከምኡ'ውን ኣብ ደቡብ ኮርያ ሓደ ረኽሲ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ዝተረጋገጸ ኮይኑ፤ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ከተማ ዉሃን ዝተጓዓዙ እዮም።
ብዛዕባ እቲ ቫይረስ
- ካብ ሕሙማት ዝተወሰደ ቅምሶ [sample] ኣብ ላቦራቶሪ ምርመራ ተኻይድሉ እዩ።
- ሰበስልጣን ቻይናን ትካል ጥዕና ዓለምን፡ እቲ ረኽሲ ናይ ኮሮናቫይረስ ከምዝኾነ ድማ ኣብ መደምደምታ በጺሖም።
- ኮሮናቫይረስስ ናይ እኩባት ቫይረስ ስድራ ኮይኑ፤ ቅድሚ ሕዚ ድምር ሽድሽተ ቫይረሳት ነይሩ። ኣብዚ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ከኣ ሸውዓተ ኮይኖም ኣለዉ። ናይዚኦም ድምር'ዩ ኣብ ደቂሰብ ረኽሲ ዝፈጥር።
- ተመራመርቲ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳት ዝመጽአ ክኸውን ከምዝኽእል እንተኣመኑ'ኳ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ከምዝመሓላለፍ ተርእዮታት ኣሎ
- ምልክታቱ ድማ ረስኒ፣ ሰዓል፣ ሕጽረት ኣየርን ጸገም ምስትንፋስን እዮም
- ሰባት ምስ እንስሳት ኣብ ዘለዎም ርክብ ጥንቃቐ ክገብሩ፤ ስጋን እንቋቑሖን ብጥንቃቐ ከብስሉ፣ ምልክታት ምስ ዝተረኣዮ ሰብ ዘለዎም ምትንኻፍ ክንክዩ
ምንጪ: ትካል ጥዕና ዓለም [World Health Organization]
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







