ምኽባር ሓድሽ ዓመት ቻይናውያን ስግኣት ዝርግሐ ኮሮና ቫይረስ ኮይኑ'ሎ

ቻይናውያን ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ይጥቀሙ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቻይና ዜጋታታ ሓድሽ ዓመቶም ንምኽባር ኣብ ዝገብርዎ ምትእኽኻብ ቫይረስ ኮሮና ከይስፋሕፋሕ ስግኣት ኣጋጢምዋ'ሎ። እቲ ቫይረስ ካብ ግዝኣት ሁቤይ ናብ ካልኦት ከይዝርጋሕ'ውን ዝከኣላ ትጽዕር ኣላ።

ቤይጂንግን ሆንግኮንግን ሰባት ብብዝሒ ተኣኻኺብዎም ዘካይድዎም ምድላዋት በዓል ሰሪዘን ኣለዋ።

ዉሃን እትርከብን ከተማታት ግዝኣት ሁቤይ ድማ ካብ ምቁራጽ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ጀሚሩ ካልኦት ዓበይቲ ስጉምትታት እናወሰዳ እየን።

ዛጊት በቲ ቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 25 ከምዝበጽሑን እቲ ረኽሲ ዝተረኣዮም 830 ዜጋታት ከምዘለዉን ሰበስልጣን ቻይና ትማሊ ዓርቢ ኣረጋጊጾም።

ካብቶም ግዳያት ቫይረስ ኮሮና 177 ሰባት ኣብ ጽንኩር ኩነታት ከምዝነበሩ ዝሓበረ መግለጺ ሃገራዊ ኮሚሽን ጥዕና፡ 34 ሰባት "ሓውዮም [ካብ ሆስፒታላት] ከምዝወጽኡ" ኣፍሊጡ።

1,072 ከኣ በቲ ቫይረስ ዘተጠርጠሩ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ዳርጋ ኩሎም እቶም ግዳያት ሞት ካብ ግዝኣት ሁቤይ ክኾኑ ከለዉ፡ እቲ ቫይረስ'ውን ዋና ከተማ እዛ ግዝኣት ኣብ ዝኾነት ዉሃን'ዩ ኣቐዲሙ ዝተረኣየ።

ትካል ጥዕና ዓለም ነዚ ቫይረስ "ዓለማዊ ስግኣት (ሓደጋ)" ክብል ኣይኣወጀን፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም 13 ግዳያት ጥራይ ስለዝተረኸቡ'ዩ።

ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም "ካብቶም ስግኣታት ሓደ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።