ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጸሙ ነገራት ዝሕብሩ ሓሙሽተ ነጥቢታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እዚ ሰሙን፡ ፍሉያት ዓበይቲ ምዕባለታት ኮሮናቫይረስ ዝተርኣየሉ ሰሙን ነይሩ፤ መላእ ዓለም በዚ ቫይረስ ተጠቒዓ እያ።
ኣብዚ ጉዳይ ዝስርሑ ዘለው ዜናታት ማእለያ የብሎምን። ብውሑድ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ መዓልታት ካብ ዝነበሩ ዓበይቲ ምዕባለታት ነቶም ሓሙሽተ ሓሪና ኣለና።

1. ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ሃገራት ነቲ ሕማም ንምቁጽጻር ስጉምቲ ወሲደን
ኣብ ሞንጎ እዚ ሰሙን፡ ትካል ጥዕና ዓለም ኮሮናቫይረስ ዓለማዊ ለበዳ ምዃኑ ብወግዒ ኣዊጁ።
ብመሰረት ሕጂ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ፡ ዛጊት ብደረጃ ዓለም፡ ልዕሊ 125,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለው፡ ልዕሊ 4,600 ሞይቶም እዮም።
ብሰሉስ፡ ጥልያን መላእ ህዝቢ ሃገራ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ ኣዚዛ። ፖሊስ ድማ ሰባት ገዝኦም ዓጽዮም ከም ዝተጠቀመጡ ንከረጋግጽ ኣብ ጎደናታት ሓለዋ ይገብሩ ኣለው።
እዚ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንፈለማ እዋን ዝተኸሰተ ፍጻመ'ዩ።
ካብ ፋርማሲታትን ምኽዝናት መግብን ወጻኢ፡ ሬስቶራንት፣ ካፌታት፣ ቤተ-መዘክርን ክዕጸው ተገይሩ። በጻሕቲ ዓዲ'ውን ብቕልጡፍ ክወጽኡ ተነጊሩዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኤውሮጳ ዳርጋ ስሩዕ ምንቅስቓስ ሚልዮናት ሰባት ንግዝኡ ተገዲቡ ኣሎ፤ ኣውስትርያ፣ ፈረንሳ፣ ዴንማርክን ኖርወይን ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲታትን ዓጽየን ኣለዋ።
ኣብ ገሊአን፡ ማእከላት ስፖርት፣ ሬስቶራንት፣ ለይታዊ ተልሂት፣ ቤተንባብን ቤተመዘክርን'ውን ተዓጽዮም።
ስጳና፡ ካብ ጥልያን ቀጺላ ብኮሮናቫይረስ ኣዝያ ዝተጠቕዐት ኤውሮጳዊት ሃገር እያ። በዚ ምኽንያት ምንቅስቓሰን ኣብ ዝተገደባ ከተማታት፡ እታ ሃገር ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ።
ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ሪያል ማድሪድ እውን፡ እቲ ሕማም ስለዝተራእዮም ንብሕቶም ተፈልዮም ክጸንሑ ተሓቢርዎም።
ትማሊ ዓርቢ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ካብን ናብን ዝግበር ጉዕዞ ኸልኪለን።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ብሪጣንያ ወጻኢ ዘለዋ 26 ሃገራት ኤውሮጰ ንዝቕጽሉ 30 መዓልታት ናብ ኣሜሪካ ከይበራ ኸልኪሉ ኣሎ።
ኣብ ገለ ከባቢታት ድማ፡ እቲ ለበዳ ክሳዕ ሕጂ ክፍለጥ ካብ ዝኸኣለ ንላዕሊ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ኢራን ካብ ቻይና ቀጺላ ብለበዳ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐት እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉዕዞ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ባህላውን ማሕበራውን ፍጻሜታት ዓለም'ውን ተሰሪዞም'ዮም።
ካብ ምርኢት ሙዚቃ ጀሚሩ ኩሎም ግጥማት ኩዕሶ እግሪ ዓዲ ኢንግሊዝ ደው ክብሉ ተገይሩ ኣሎ።
እዚ ቫይረስ ዕዳጋታት ዓለም'ውን ዝጸለወ ኮይኑ፡ ኣሜሪካን ብሪጣንያንን ከበድቲ 33 መዓልታት እየን ዘሕልፋ ዘለዋ።
2. ሓዲሽ ኣገባብ ስላምታን ንጥፈታትን
ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን፡ ናይ ሰባት ናይ ምዕዳግ፣ ስራሕን ምስ መሓዙቶምን ስድርኦምን ዘለዎም ሰላምናትን ተቀይሩ ኣሎ።
መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሕልፊ ምግዛእ ጠለባት ኣየድልን'ኳ እንተበለ ዘቕለበሉ ሰብ ግን የለን። ብኣንጻሩ ሰባት መናጽሂ ኢድ፣ ዳሙና፣ ፓስታ፣ ዝተዓሸጉ መግቢታትን ቲሹን ድኳናት ጥርሐን ክሳዕ ዝተርፋ ብብዝሒ ክዕድግ ቐንዩ።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ኒውዮርክ ዘለው እሱራት፡ ብምኽንያት ሕጽረት መጽረዪ ኢድ [ሃንድ ሳኒታይዘር] ከፍርዩ ዕዮ ተዋሂቡዎም ኣሎ።
እዚ ብናጻ ናብ ጄንሲታት መንግስቲ፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ቤት ማእሰርትን መጓዓዝያ ህዝብን ክቀርብ'ዩ።
ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ እንትርከብ፡ ገለ ትካላት እቶም ሰራሕተኛታት ናብ ገዝኦም ክኸዱ እንትገብሩ፡ ሰባት ዝለዋወጡዎ ሰላምታ'ውን ተቀይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንብሕቶም ኣብ ዝጸንሕሉ ቦታ ተፈልዮም ክጸንሑ ዝተገደዱ ብዙሓት ሰባት፡ ፍርሖምን ብሕታውነቶምን የካፍሉ ይጽሕፉ ኣለው።
ኣብ ጥልያን ተዓጽዮም ዘለው ነበርቲ ሓንቲ ከተማ፡ ብሕታውነቶም ንምቅላል ብመስኮት ተቀልቂሎም ደርፊ ይደርፉ።
3. ኣእዳውምኩም ተሓጸቡ፣ ኣእዳውምኩም ተሓጸቡ፣ ኣእዳውምኩም ተሓጸቡ
ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት በዚ ቫይረስ ከም ዝተጠቕዑ ሰብ መዚ ይዛረቡ።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ሰብ ሞያ ጥዕና ተመሳሳሊ ማዕዳ እዮም ዝልግሱ፤ ብተደጋጋሚ ኢድካ ብማይን ሳሙናን ምሕጻብ፣ ኢድካ ከይተሓጸብካ ገጽካ፣ ኣፍንጫኻን ዓይንኻን ዘይምንካእ፣ ምልክታት እዚ ሕማም ካብ ዘለዎ ሰብ ድማ ምርሓቕ።
ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኩሉ ካብ ዝስዕልን ዘሀንጥስን ሰብ እንተውሓደ ሓደ ሜትሮ ክርሕቕ ኣለዎ ኢሉ።
እዚ ኩሉ ማዕዳ ምትግባር ንህጻናት ከጸግም ይኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
4. ሓደ ምስሊኸ ርኢኹም'ዶ?
ካብ ርእሱ ክሳዕ ጽፍሪ እግሩ ጻዕዳ መከላኸሊ ክዳን ዝተኸድነ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ እግሪ ዓራት ኮይና ንእትበኪ ዝነበረት ሰበይቱ ምሕጋዝ፡ ኣብ ጥቓ እቲ ዓራት ደው ኢሉ ዘርኢ ምስሊ ተዓዚብኩም ትኾኑ።
"ኣይትጨነቐኒ፤ ኣብዚ ክጸንሕ'የ" ይብላ። ንሳ ግን "ኣብ ውሽጢ እዚ ኽፍሊ ክትጸንሕ የብልካን" ትብሎ።
እዚ ምስሊ፡ ከተማ ውሃን ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተርኣየሎም ፈላሞት መዓልታት ጀሚሩ ክሳብ እታ ከተማ እትዕጾ ክርአ ቀጺሉ ነይሩ።
ሕጂ ኣብ ቻይና ለውጢ ይመጽእ ኣለዎ፤ ኣብዚ ሰሙን ቀጽሪ ሓደሽቲ ግዳያት ብዝለዓለ መጠን ነክዩ'ዩ።
5. ግጉይ ሓበሬታ
ብሓሙስ፡ ኣብ ጉዳይ እዚ ቫይረስ ብርክት ዝበሉ ሕቶታትን ርኢይቶታትን ክዝርግሑ ርአና።
እዚኦም ንብዙሓት ዘደናግሩ ግጉይ ርኢይቶታት ዝሓወሱ'ዮም።
ብቀሊሉ ስኑዕን ግጉይ ሓበሬታ ኣብ ዝዝርግሐሉ ዘመን ኮይንና፡ እዚ ዝስዕብ ሓደ ካብቶም ስኑዓት ሓበሬታታት እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







