ንቆልዑ፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ብኸመይ ክንምዕዶም ንኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መዓልታዊ ኮሮናቫይረሰ ናብ ሓያሎ ሃገራት ይላባዕ ከምዘሎ ይቃላሕ ኣሎ። ብዙሕ ሰብ ድማ እቲ ሕማም ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋታት ተጨናኒቑ ይርከብ።
ቆልዑት ድማ ነዚ መዓልታዊ ዝቃላሕ ዘሎ ሕማም ክርድእዎ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፡ ንዝኾነ ምኽሪን ሓበሬታን ኣብ ስድርኦም እዮም ዝምርኮሱ። ስለዚ፡ ቆልዑት ብዛዕባ እቲ ሕማም ሻቅሎት እንተኣርእዮም ብኸመይ ኢና ክንዛረቦም ንኽእል?
ምትብባዕ
ዶ/ር ፑናም ከምዝሕብሮ፡ ነቲ ኣብ ቆልዑት ዘሎ ጭንቐት ንምቕላል፡ እቲ መጺኡ ዘሎ ቫይረሰ ከም ሰዓል ወይ ከም ውጽኣት ምዃኑ ክንገሮም ኣለዎ በሃለት እያ።
እታ ዶክተር፡ ስድራ-ቤታት ግልጺ ዝኾነ ዝርርብ ክገበሩ ከምዘለዎምን፡ ነዚ ድማ ምስ ወዳ ክትገብሮ እንከላ ውጽኢታዊ ኮይኑ ከምዝረኸበቶን ትዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ክሊ ዕደመ ሸውዓተ ንታሕቲ ዝኾኑ ቆልዑ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ወለዶም ክዛረቡ ብዝሰምዕዎ ነገራት ክረበሹ ከምዝኽሉ ናይ ስነ-ኣእምሮ ክኢላታት ይዛረቡ።
ስዘለዝኾነ ድማ፡ ቆልዑ ብቐጻሊ ክተባብዑ ከምዘለዎም ይመኽሩ።
ተግባራዊ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሳድ
ዶ/ር ውልፈሶን ግን፡ ዋላኳ ደቅና በቲ ሕማም ኣይተሓዙን ኢልና ክንድምድም ዘይብልና እንተኾነ፤ ነቶም ቆልዑ እናነገርና ክነጨንቖም ኣይግባእን ዝብል እምነት እዩ ዘለዎ።
ንቆልዑ፡ ነቲ ሕማም ንምክልኻል ዘኽእሎም ተግባራዊ ዝኾኑ ነገራት ክንምህሮም ግን የይመክር።
ገለ ካብዚም ድማ፡ ብቐጻሊ ኣእዳዎም ክሕጸቡ ክንገሮም ኣሎዎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምክልኻል
ቆልዑ፡ ብባህሪኦም ነገራት ክተናኽፉን ዝበልዕዎ መግብን መስተን'ውን ምስ ካልኦት ክካፈሉ ደስ ይብሎም ኢዩ።
እዚ ድማ፡ ተላባዕቲ ሕማማት ካብ ዝዝርግሕሉ ቀንዲ መገዲ ብምዃኑ፡ ዘድሊ ኣገደስቲ ሜላታት ከመሃሩ ክኽእሉ ኣለዎም። ኣገደስቲ ናይ ጥዕና ሜላታት እንተተማሂሮም ነቲ ስድራ-ቤት ካብ ሕማማት ክከላኸሉ ይኽእሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስኑዕ ዜና
ምንጪ ጭንቀት ንቆልዑት፡ ካብ ወለዶም እዩ ዝብገስ። ዶ/ር ውልፈሶን ከምዝሕብሮ፡ ቆልዑት ካብ ወለዶም ይኹኑ ካብ ኣዝማዶም ካብ ዝሰምዕዎ ዘረባ ብዙሕ ክጭነቑ ከምዝኽእሉ ይሕብር።
ወለዲ ድማ ኣብ ቅድሚ ደቆም ዝገብርዎመን ዝዛረበዎን ብጥንቃቐ ክገብሩ ከምዘለዎም ይመክር።
ወለዲ ግን ንኸምዚ ዓይነት ተርእዮ መብዛሕትኡ ግዜ ኰነ ኢሎም ኣይኮኑን ዘዘውትርዎ። እንታይ ደኣ፡ ብዙሕ ግዜ ካብ ምስካፍን ምሽቓልን ዝተላዕለ ስምዒት እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኰተቴታት
ኰተቴታት፡ መብዛሕቱ እዋን ካብ ወለዶምን ካብ ከባቢኦምን ንዝረኽብዎ ዜና ብዙሕ ኣይኣምንዎምን እዮም። ንሶም ካብ መሓዙቶም ኣብ ዝረኽብዎ ዜና ጥራይ እዮም ዝምርኮሱ።
ዶ/ር ውልፈሶን፡ "ንሶም ናቶም ናይ ዜና መራኸቢ ኣለዎም፤ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መዛኑኦም እዮም ዝያዳ ሓበሬታ ዝረኽቡ" ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለዚ፡ ወለዲ ዝበልዎ ንኽቕበሉ ብዙሕ የጸግምሞ እዩ። እቲ ካብ ወለዲ ዝጥለብ ግን ነቲ ዘድሊ ናይ ዝርርብ ሃዋህው ምፍጣርን ምሕብሓብን እዩ ይብል ዶ/ር ውልፈሶን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







