ወዲ 9 ዓመት ቆልዓ ምሩቕ ኤለክትሪካዊ ምህንድስና

ምንጪ ስእሊ, EVN
ላውረንት ቀዳማይ ክፍሊ ትምህርቱ ኣብ ሓደ ዓመት'ዩ ወዲኡ። ናብ ካልኣይ ክፍሊ ምስኣተወ ግን ለውጥታት ክረኣዩ ጀሚሮም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክሳብ ሻድሻይ ክፍሊ ክውድእ ክኢሉ። ወዲ ሽድሽተ ዓመት ህጻን ኮይኑ ድማ ናብ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣትዩ።
ሽድሽተ ዓመት ዝወስድ ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ 18 ኣዋርሕ [ዓመትን ፈረቓን] ዝወደአ ላውረንት፡ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ዕርፍቲ ብምግባር ናብ ዩኒቨርሲቱ ክኣትው በቒዑ።
ንሱ ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ'ዩ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ግን ብቐዳማይ ዲግሪ ኤለክትሪካዊ ምህንድስና ክምረቕ'ዩ።
ብኸመይ ዝበለ ተኣምር ናብዚ ክበቅዕ ከምዝኸኣለ ከምዘይፈልጥ ይዛረብ። ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ዕላል "ብኸመይ ናብዚ ክበቅዕ ከምዝኸኣልኩ ኣይፈልጦን" ኢሉ።
ላውረንት ብቴክኖሎጂ እናተሓገዘ ንደቂሰባት ኣብ ዝሕግዘሉ መገዲ ምርምር ምክያድ ከምዘሕጉሶ ይዛረብ። ንመመረቒኡ ዝሰርሖ ስራሕ ድማ ንምንቅስቓስ ኣእምሮ ሰባት ዝዕቅን መሳርሑ'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Laurent Simons
ስድርኡ ሓኻይም'ዮም። ካብዚ ዝነቅል ከይኮነ ኣይተርፍን ኣብ ሳልሳይ ዲግሪኡ ሕክምና ከጽንዕ ድልየት ኣለዎ።
"ሕልመይ ሰብሰራሕ ክፍሊ ኣካላት ደቂሰብ ምድላው'ዩ" ዝብል እዚ ህጻን፡ ሰባት ኩሊት ወይ ልቢ ከድልዮም ከሎ ብሕክምና ብምትካእ ዝሓሸ ህይወት ክህልዎም ምግባር ከምዝከኣል ይዛረብ።
"ናይ ኣቦሓጎታተይ/ኣደሓጎታተይ ካልኦት ሰባትን ዕድመ ዝነውሐ ክገብሮ ድልየት ኣለኒ" ኢሉ።
ስድርኡ ገና ቆልዓ እንከሎ ፍሉይ ተውህቦ ከምዘለዎ ክግንዘቡ ክኢሎም ምንባሮም ኣቡኡ ኣሌክሳንደር ሳይመን ይዛረብ

ምንጪ ስእሊ, Laurent Simons
ገና ቀዳማይ ክፍሊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝተፈለየ ተምሃራይ ምዃኑ ካብ መምህራን ዝተሓበሮም ወለዱ፡ ብኸመይ ንቑሕ ክኸውን ከምዝኸኣለ ክፈልጡ ይጽዕሩ ነይሮም።
ክእለቱን ብቕዓቱን ንወለዱ ጥራይ ዘይኮነስ ንካልኦት ሰብሞያ'ውን ዘደመመ ኮይኑ።
ዝለዓለ ክእለት ምዝካር [ፎቶግራፊክ ሜሞሪ] ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣይኪዉ (ብልሒ ኣእምሮ) ድማ 145 ከምዝኾነ ተፈሊጡ'ሎ። ንቑጽርን ሳይንስን ፍሉይ ፍቕሪ ኣለዎ። ንቋንቋ ግን ብዙሕ ዝግደስ ኣይኮነን።
"ሰኑይ ትምህርቱ ምስተኸታተለ ሰሉስ ናብ ቤተ-ሙከራ ይኣትው፤ ረቡዕ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ንሸሞንተ ሰዓታት የንብብ። ሓሙስ ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኣመልኪቱ ዓርቢ ፈተና ይወስድ" ይብል ኣቡኡ ብዛዕብኡ ክዛረብ ከሎ።
ካልኦት ተምሃሮ ግን ነዚ ንምግባር ካብ 9-12 ሰሙን ይወስደሎም።
ምስኡ ዝመሃሩ ኩሎም ተምሃሮ ብዕጽፊ ዕድመ ዝበልጽዎ ላውረንት፡ ካብ ካልኦት ብዝተፈለየ ትምህርቱ ኣብ ገዝኡ ይከታተል።

ምንጪ ስእሊ, Laurent Simons
ኣቡኡ ከምዝብሎ፡ ላውረንት ልክዕ ከም ካልኦት ህጻናት ዝጻወተሉ ግዜ ኣለዎ። ወለዱ ጸቕጢ ኣይገብሩሉን።
ኣብ ኢንስታግራም 35 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ። እናተዘናግዐ ዝሰኣሎም ስእልታቱ ከኣ ብማሕበራዊ መራኸቢ ይዝርግሕ።
ኣብ ተሌቪዠን ቀሪቡ ቃለ-መሕትት ክግበረሉ ከሎ ልክዕ ከም ዓብዪ ሰብ ኩርዕ ኢሉ ከምዝዛረብ ወላዲ ኣቡኡ ይገልጽ።
ሞዛርት ቆልዓ 5 ዓመት ኮይኑ ሙዚቃ የዋሃህድ ነይሩ፤ ፒካሶ'ውን ቆልዓ 9 ዓመት ኮይኑ ንዕኡ ፈላመይቲ ዝኾነት ቅብኣ ቀቢኡ [ስእሊ ስኢሉ]።
ካልኦት ኣብ ግዜ ቁልዕነቶም ተፈላጥነት ዝረኸቡ ሰባት እናዓበዩ ምስከዱ ተፈላጥነቶም እናሃሰሰ ይመጽእ። መጻኢ ላውረንትከ ካብዚ ዝተፈለየ'ዶ ክኸውን ይኽእል?
ኣቡኡ ከምዝበሎ፡ ላውረንት ክፍጽሞ ወይ ክገብሮ ዝሓሰቦ ነገር ከየዕወቶ ተሪፉ ኣይፈልጥን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







