ኮሮናቫይረስ፡ ጋና ስለምንታይ ሓዚና?

ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዝተደረኸ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዝተደረኸ እዩ

ለበዳ ኮቪድ-19 ክንደየናይ ሓደገኛ ምኻኑ ዝጠራጠር ሰብ ክህሉ ይኽእል'ዩ፡ እንተ ንሕና ግን ርኢና ኣረጋጊጽናዮ ኢና፤ ናብ ከቢድ ቅልውላው ኣእቲዩና እዩ።

እዚ ቅልውላው፡ ክንደይ ሰባት ሓሚሞም፣ ናብ ሆስፒታል ከይዶም ወይ ድማ ሞይቶም ዝብል ዝዕቀን ኣይኮነን።

ኣብ ጋና፡ ኣብ ህይወትና ቅዱሳት ዝኾኑ ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ ኣብ ዝኾነ እዋን ዘይትንክፎም ገለ እንፈርሖም ነገራት ኣለው፤ ሃይማኖት፣ ሰላምታ ኢድን ስነ ስርዓት ቀብርን።

እዚኦም፡ ብዝኾነ መልክዕ ናብ ድርድር ዘይኣትውን ብዙሕ ሰብ መግለጺ ህላዌና ገይሩ ዝኣምነሎምን እዮም።

ብቕርጺ ደርሆ ዝተሰርሐ ሳንዱቕ ሬሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጋና ንዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ዝዳሎ ሳንዱቕ ሬሳ ኣዝዩ ምዕሩግን ብዝተፈለየ ቕርጺ ዝተዳለወን ክኸውን ዝተለመደ እዩ

ካብ ቀረባ ሰሙናት ጀሚሮም፡ መንግስትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን፡ ኩሉ ሰብ ውልቃዊ ጽርየቱ ክሕሉ፣ ከመሓይሽን ምትእኽኻባት ከወግድን ይምዕዱ ኣለው።

ብዙሓት ሰባት ግን፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ዘብጽሖ ሓደጋ የለን ዝብል ርድኢት ብምሓዞም፡ እዞም ማዕዳታት ዕሽሽ ይብሉዎም።

'ጸላኢኻ ጥራሕ'ዩ ኢድካ ንሰላምታ ዘይጭብጠካ'

ሓደ ጋናዊ፡ ናይ ኣፍሪቃውያን ሰላምታ ዘይብሉ ሰብ ሰላም ክህብ ኣይኽእልን ክብሉ ዝሰምዐ መን ይህሉ?

ንሰላምታ ኢዱ ንዝዘርግሐልካ ሰብ ኣይጭብጠካን ምባል ወይ ዕሽሽ ምስ እትብሎ፡ እቲ ሰብ ጸላኢኻ'ዩ ማለት እዩ።

ሕጂ ግን ምስ ዝኾነ ሰብ፣ መሓዛ ዋላ ጸላኢኻ ኢድ ክትጨባጥ ኣይትኽእልን።

ፕሬዝደንት ናና ኣኩፎ-ኣዶ፡ ብ6 መጋቢት 2020 ኣብ ዝተጸምበለ መበል 63 ዓመት መዓልቲ ናጽነት፡ ክልቲኤን ኣእዳው ንድሕሪት ገይሩ ኣብቲ በዓል ንዝተረኸቡ ሰባት ሰላምታ ንምሃብ ኣብ ክንዲ ኢዱ ድምጹ'ዩ ተጠቒሙ።

ጋናውያን በዚ ኣብ ልዕሊ ኢድ ንኢድ ምጭብባጥ ዝተመሓላለፈ ገደብ ክስንብዱ እኹል ኣይነበረን፤ እኳ ድኣ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተኣኪብኻ ምርካብ ተወሲኹዎ።

መግለጺ መንግስቲ፡ 'ብውልቂ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ክህሉ ይኽእል'ዩ፤ ሓዘንተኛታት ግን ክእከቡ ኣይፍቀድን' ይብል።

Presentational white space

እዚ ኣብ ልዕሊ ስነ ልቦና ጋናውያን ከሕድሮ ዝኽእል ጸቕጢ እዚ እዩ ኢለ ክገልጾ ኣይክእልን።

ብውልቂ ዝፍጸም ባህሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ የብልናን፤ ቀብሪ ተኣኪብካ ዝፍጸም፣ ድራማዊ ተርእዮ ዘለዎን ስሩዕ ፍጻሜን እዩ።

በቃ ህይወትና፡ ዑደቱ ምስ ቀብርታት ዝተኣሳሰረ'ዩ።

ኢንዳስትሪ መግቢ ህልውንኡ ኣብ ቀብሪ ዝተሞርኮዘ'ዩ፣ ኢንዳስትሪ ዓለባ ኣብ ንግዲ ዓለባ ቐጻልነቱ ንኸረጋግጽ ኣብዚ እዋን ዝቐርብሉ ትእዛዛት ክዳን ክህልው ኣለዎም፣ ሰፈይቲ ክዳን ስራሕ ዝበዝሖም ናይ ቀብሪ ክዳውንቲ ዝስፈ ምስ ዝረኽቡ'ዩ፣ ጉጅለታት ሙዚቃ፣ ኣዳለውቲ መድረኻት፣ መጓዓዝያ፣ መፍረይትን ሸየጥትን ኣልኮላውን ኣልኮል ዘይብሎም መስተታትን፡ ቀብሪ እንተዘይሃልዩ ዕዳግኦም ብርኪ ክሕዝ'ዩ።

ሕጂ ግን፡ ከምዚ ኢልካ ዝፍጸም ስነ ስርዓት ቀብሪ ኣይክህሉን።

ሕሰቡዎ እንዶ፤ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ከይትርከቡ ዝብል ትእዛዝ ብልክዕ ኢድኩም ከይትጨባበጡ ዝብል መምርሒ'ዩ ዝትግበር።

ዝፍጸሙ ስነ ስርዓት ቀብርታት ድማ ኢድ ንኢድ ከይተጨባበጥና ዝኾኑ ኣይኮኑን። ኩሎም ሰላምታ ኢድ፣ ምጭብባጭ ኢድን ምጭባጥ ኢድን ጥራሕ ዝመልኦም'ዮም።

ኣብ ጋና ክርስትና እቲ ዝዓበያ ሃይማኖት እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ጋና ክርስትና እቲ ዝዓበያ ሃይማኖት እዩ

ኣብዛ ሃገር ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ምትእኽኻባት ዝተመሓላለፈ እገዳ፡ ሰባት ተኣኪቦም ዝፍጽሙዎ ስነ ስርዓት ጸሎትን ስነ ንምግባር ሃይማኖታዊ በዓላትን ጸሊዩዎ'ዩ።

ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስቲያንን ጸጥታ ኣሎ።

ፕሬዝደንት ሃገርና እዚ መምርሒ ክእውጅ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃይማኖት ሰንቢዶም፣ ብፍላይ እተን ምዕሩጋት ኣብያተ ክርስቲያን እሞ ክሕደት ኢለንኦ።

ኮሮና
ኮሮና

ተኣምራዊ ጸሎት

ዝኾነ ሰብ ወይ ሓደ ነገር ኣገልግሎት ኣብያተ ክርስቲያናት ክዓጹ'ዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይነበረን።

እዞም ሙሉእ ለይቲ ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ተኣምራዊ ጸሎት ሙሉእ ህይወትና ተቖጻጺሮምዎ እዮም።

ገለ፡ እዚ ተኣምራዊ ጸሎትና ጋና ካብ መዓት እዚ ለበዳ ከድሕና እዩ ኢሎም ዝሓሰቡ ኣመንቲ፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገር ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ክኽፈታ ንከእምኑ ብዙሕ ጽዒሮም፤ ንሱ ግን ካብ ውሳንኡ ፍንትት ኣይበለን።

ክሳብ በዓል ትንሳኤ ተዓጽዮም ክቕጽል'ዩ፤ እዚ ዓብዪ በዓል ኣመንቲ ክርስትና'ዩ ነይሩ።

ኣገልግሎት ኣብ ኣክራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንገሊኦም፡ ህይወት ካብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ወጻእ ዘይሕሰብ እዩ

እዚ ምዕጻው ኣብያተ ክርስቲያን፡ ብዙሓት ንኽቕበልዎ ዝተጸገምሉ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

ድሮ፡ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ከንጸርጽራ ጀሚረን፤ ውሑዳት ዘይበሃላ ድማ ብኢንተርነት ኣገልግሎት ክህባ ተገዲደን።

ገሊአን ድማ፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ፍሉይ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ንገብር ስለ ዘለና እዚ ንዓና ዝቕይድ መምርሒ ኣይኮነን ዝብል ዝንባለ ኣለዎን።

ኣብ ሰሙን ብተደጋጋሚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ምኻድ፡ ንመብዛሕትኡ ኣማኒ ንቡር ነገር እዩ።

እቲ ፕሬዝደንት ኣብዚ ሰሙን መላእ ሃገር ክትጸውምን ክትጽልን ኣለዋ'ኳ እንተበለ፡ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይኸድካ ከመይ ኢልካ'ዩ ዝጽወምን ዝጽለይን ኢሎም ልቦም ክረግዓሎም ዘይከኣለ ጋናውያን ቤቶም ይቑጸሮም ክብለኩም።

ኣብዚ ኮይንና፡ ምስ ሃይማኖት ብዝተሓሓዝ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እንታይ ይገብራ ከም ዘለዋ ብዜና ንከታተሎ ኢና።

ፕሬዝደንት ታንዛኒያ ጆን ማጉፉሊ ዝወሰዶ ስጉምቲ ድማ፡ ጋናውያን ንዓና እንዶ ምኾነ ኢሎም ምምናዮም ኣይተርፍን ኢለ ይኣምን።

ፕሬዝደንት ማጉፉሊ ልክዕ ከማና ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋን ህዝባዊ ምትእክኻባት ደው ክብሉን እኳ እንተኣዘዘ፡ ኣብያተ ክርስቲያንን መሳጊድን ግን "ሓቀኛ ድሕነት" ዝርከበሎም ቦታታት'ዮም ብማለት ክፉታት ክኾና ፈቒዱ'ዩ።

"ኮሮናቫይረስ ሰይጣን'ዩ፤ ኣብ ውሽጢ ክርስቶስ ዝተቐበለት ስጋ ክሓድር ኣይክእልን፤ ኣብ ቀረባ ክነድድ እዩ። እዚ ግዘ እምነትና እነጽንዐሉ እዋን እዩ" ኢሉ እቲ ፕሬዝደንት።

ንሱ፡ ኣማኒ ካቶሊክ ኮይኑ ብኬሚስትሪ ሳልሳይ ዲግሪ ኣለዎ።

ፕሬዝደንት ኣኩፎ ኣዶ፡ ንድሕነት ጋና ናብ ፈጣሪና ክንጽሊ ኣዘኻኺሩና'ዩ፤ ግን ሳይንስ ተቐቢሉ ኢድና ክንሕጸብ፣ ማሕበራዊ ርሕቐትና ክንሕሉን ናይ ኣምልኾ ቦታታት ድማ ክዕጸዋ ኣለወን ኣብ ዝብል ነኺሱ ሒዙ እዩ።

ኣመንቲ ክርስትና ደቡብ ኣፍሪቃ ዓል ፋሲካ እናኽበሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመንቲ ክርስትና በዓል ፋሲካ ንምኽባር ኣብ ዘዳልውዎ ክብረ በዓል ብርክት ዝበለ ኣማኒ ይርከብ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ምናልባት እቲ ዝዓበየ ክኸውን ዝኽእል ቤተ ክርስቲያን ጽዮን፡ ኣብ ፋሲካ ዝህሉ ዝነበረ ስነ ስርዓት ሓዊሱ ኩሎም ዓበይቲ ምትእኽኻባት ናብ ካልእ እዋን ከሰጋገሩ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ንሕና ኣብየናይ ዶብ ኢና ዘለና ዝብል ስክፍታ ፈጢሩ'ዩ።

እዚ በዓል፡ ብሚሊዮን ዝቑጸሩ ኣመንቲ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ዝገብርሉ ፍሉይ ጽምብል እዩ ነይሩ።

እዚ ቤተክርስቲያን ኣብ 1910 ካብ ዝቖመሉ ጀሚሩ ኣብ ታሪኽ ሃይማኖታዊ መርሃ ግብሪ ሰሪዙ ወይአ ኣሰጋጊሩ ኣይፈልጥን።

ኢድና ክንጨባበጥ ኣይንክእልን፣ ስነ ስርኣት ቀብሪ ኣእክህልወናን፣ ናብ ቤተክርስቲያን ወይ መስጊድ ከይድና ክነምልኽ ኣይንክእልን፣ ቤተክርስቲያን ጽዮን ናይ ፋሲካ ቅዱስ ገዕዞ ሰሪዙ፤ ኣብ ሓደጋ ግዘ ደሓን ኢና ኣብ እንብለሉ ኢና ዘለና።

ጋዜጠኛን ሚኒስትር መንግስቲ ጋና ነበርን ኤልሳቤጥ ኦሄን ከም ዝጸሓፈቶ።

ጋዜጠኛን ሚኒስትር መንግስቲ ጋና ነበርን ኤልሳቤጥ ኦሄን
መግለጺ ስእሊ, ጋዜጠኛን ሚኒስትር መንግስቲ ጋና ነበርን ኤልሳቤጥ ኦሄን