ስግኣት ኮሮናቫይረስ ዘይፈላለዮም ፍቑራት ጓል 85 ዴንማርካዊትን ወዲ 89 ጀርመናዊን

ምንጪ ስእሊ, dpa
ሃገራት ጀርመንን ዴንማርክን፡ ብምኽንያት ኮረናቫይረስ ዘዋስነን ዶብ ካብ ዝዓጽዋ፡ ክልተ ሰሙናት ሓሊፋ፡፡
ጀርመን ኣስታት 63 ሽሕ ዝተረጋገጹ ረኽሲታት እንትህልዋ፡ ዴንማርክ ድማ ልዕሊ 2500 ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞምዋ እዮም።
ንፍርቂ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ናይ ምንቅስቓስ ገደብ ዘይነበሮም ክፋላት ኣውሮጳ፡ ብምኽንያት ኮቪድ-19፡ ድሕሪ 25 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ መንጎኦም እገዳ ተገይሩሎም እዩ።
ስግኣት እቲ ቫይረስ ግን ነዞም ዶብ ኣቋሪጾም መዓልታዊ ዝራኸቡ ክልተ ፍቑራት ጠጠው ኣየበሎምን፡፡
ብኸመይ ይራኸቡ?
ጓል 85 ዓመት ዴንማርካዊት ኢንጋ ራስሙሰንን፡ ወዲ 89 ዓመት ጀርመናዊ ካርስተን ቱሸን ሃንሰንን፡ ፍቕራዊ ርክብ ካብ ዝጅምሩ ክልተ ዓመታት ኣቑጺሮም።
ካብታ ዝተላለዩላ ዕለት ጀሚሮም፡ ኣብ ጥቓ ዶብ እተን ሃገራት እትርከብ ከተማ ኣቨንቶፍት እናተራኸቡ የዕልሉን ይሰትዩን።
ሕዚ ድማ፡ ዶብ እተን ሃገራት እንተተዓጸወ'ኳ፡ ኣብ መንጎኦም ክህሉ ዝግበኦ ውሑስ ርሕቐት ሓልዮም ኣብታ ኣብ ዶብ እትርከብ ከተማ ምርኻቦም ቀጺሎም።
እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ነዞም ፍቑራት ግን ካብ ምርኻብ ኣይዓገቶምን።
"እቲ ኩነታት ዘሕዘን እዩ፡፡ ግን ድማ ክንቅይሮ ኣይንኽእልን" ክትብል ወ/ሮ ራስሙሰን ንድምጺ ራዲዮ ጀርመን ዶቸወሌ ትገልጽ፡፡
እዞም ኣብቲ ከባቢ ፍሉጣት ዝኾኑ ፍቑራት፡ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዳርጋ መዓልታዊ እዮም ዝራኸቡ፡፡
ወ/ሮ ራስሙሰን ካብ እትነብረላ ከተማ ጋለሁስ መኪናኣ እናዘወረት እንትትመጽእ፡ ኣይተቭሃንሰን ድማ ብብሽክለታ እዩ ካብ ከተማ ሰርዱርሉገም ዝመጽእ፡፡
ንሱ ብዙሕ ጊዘ ገለ መስተ ይወስድ እዩ፡ ንሳ ድማ መኪና ስለ እትሕዝ ቡን ጥራሕ እያ ትሰቲ።
Content is not available
View content on Facebookቢቢሲ፡ ንትሕዝቶ ካልኦት መርበባት ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።End of Facebook post

ቅድም ክብል፡ ክልቲኦም ፍቑራት ነዊሕ ናይ እግሪ ጉዕዞ ይገብሩ ነይሮም። ሎሚ ግን ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ኣቋሪጾምዎ።
እቲ ቫይረስ ጠጠው ምስበለ ድማ፡ ብድጋሚ እቲ ዘወትር ዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ እግሪ ጉዕዞ ክቅጽልዎ ተስፋ የገብሩ።
ንግዚኡ ግን፡ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ መዓልታዊ ካብ ምርኻብ ኣይኣገቶምን።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







