ዓለም ኣብ ገዛ እንትትሕባእ፡ ስዊድናውያን ንምንታይ ንደገ ይወጽኡ'ለዉ?

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ መብዛሕትአን ሃገራት ኤውሮጳ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ እዩ። ሰባት ኣብ ገገዝኦም ተዓጽዮም እዮም ዘለዉ። ስዊድን ግን፡ ህይወት ዳርጋ ከም ንቡር ክቕጽል ኣፍቂዳ ኣላ።
ስዊድን፡ ንኣዋርሕ በረድ እናዘነበ ድብን ኣብ ዝበለ ወቕቲን ኩነታትን እያ ጸኒሓ።
ኣብታ ሃገር፡ ገና ሎምቅነ እዩ ውዕይዕይ ኢሉ፡ ጸሓይ'ውን ሕዚ እያ ክትረአ ጀሚራ ዘላ።
ጸሓይ ምስበረቐትሎም፡ ስዊድናውያን ሕዚ ናብ ደገ ክወሳወሱ ጀሚሮም ኣለዉ።
እንዳመስተታትን ለይታዊ ትልሂትን ኣብዚ ሰሙን ክፉታት እዮም ነይሮም።
ካብ ሎሚ ሰንበት ጀሚሩ ግን ልዕሊ 50 ሰባት ዝርከብዎም ምትእኽኻባት ክኽልከሉ እዮም።
እዚ ግን ምስ ጎረባብታ ክነጻጸር እንከሎ፡ ልሕልሕ ዝበለ ስጉምቲ እዩ።
ንኣብነት ዴንማርክ ልዕሊ 10 ሰብ ከይእከብ ከልኪላ እያ፤ ብሪጣንያ ድማ ምሳኻ ካብ ዝነብር ሰብ ወጻኢ ምስ ዝኾነ ሰብ ምርኻብ ከልኪላ እያ።
'ዓበይቲ ዝኾንና ሰባት ናይ ዓበይቲ ንስራሕ'
ብርግጽ፡ ጽርግያታት ስዊድን፡ ካብቲ ልሙድ ዝሕልሕል ኢሎም እዮም ዘለዉ።
ኣብ ስቶክሆልም ናይ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኣገልግሎታት ዝህብ ሓደ ትካል፡ ብዝሑ ብባቡር ዝጓዓዙ ሰባት ብፍርቂ ከምዝነከየ ይገልጽ።
ብዙሓት ስዊድናውያን ድማ ኣብ ገዝኦም ኮይኖም እዮም ዕዮታቶም ዝፍጽሙ ዘለዉ።
መንግስቲ ስዊድን ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ 'ነናቱ ሓላፍነት ክዋጻእ' ዝብል እዩ።
ፖለቲከኛታት ኮነ ሰብመዚ ጥዕና ናይታ ሃገር፡ ዝኾነ ጥቡቕ ስጉምትታት ከየንበሩ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ክከላኸልዎ ከምዝኽእሉ እዮም ዘተስፍዩ።
ኣብ ክንዲ ትእዛዝ፡ ብወለንተኝነት ዝፍጸሙ መምርሕታት እዮም ዝበዝሑ። ንኣብነት፡ ጸገም ጥዕና እንተልዩካ፡ ወይ'ውን ብዕድመ ዝደፋእኻ ሰብ እንተኾይንካ ካብ ገዛ ከይትወጽእ፡ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ፡ ዘየድሊ ጉዕዞታት ኣይትግበሩ፡ ኣብ ገገዛኹም ኮይንኩም ስርሑ ዝብሉ ማዕዳታት ይርከብዎም።
ኣብ ስዊድን፡ ዛጊድ 3,500 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ክግለጽ እንከሎ፡ 105 ድማ ሞይቶም እዮም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ናይታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብቴሌቭዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "ዓበይቲ ዝኾንና ሰባት ናይ ዓበይቲ ንስራሕ፡ ፍርሕን ቤላቤሎን ኣይንዘርግሕ" ኢሉ ነይሩ።
"ነብሲወከፍ ሰብ ከቢድ ሓላፍነት ተሸኪሙ'ሎ" ድማ ኢሉ።
ልዑል እምነት
ብደረጃ ሃገር ዝተገበረ ዳህሳስ ከምዘርእዮ፡ መብዛሕተኦም ስዊድናውያን ነዚ ዘረባ ቀዳማይ ሚኒስተሮም ርእዮምዎን ተቐቢሎምዎን እዮም።
ኣብ ስዊድን፡ ህዝቢ ንመንግስቲ ልዑል እምነት እዩ ዘለዎ። ነበርቲ ብወለንተኦም መምርሕታት ክኽተሉ ዝገብሮም ዘሎ ድማ እዚ ልዑል እምነት ምዃኑ፡ ብዙሓት ይሰማምዕሉ።
ስዊድን ነዚ ልሕልሕ ዝበለ ስልቲ ክትኽተል ዝገበራ ካልእ ምኽንያት ድማ፡ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ገዛውቲ ናይታ ሃገር ሓደሰብ ጥራይ እዩ ዝነብረሎም። እዚ ድማ ኣብ ስድራታት ንዝህሉ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ይንክዮ።
ካልእ ምኽንያት ድማ፡ ስዊድናውያን ደገ ምውጻእ ኣዝዮም እዮም ዝፈትዉ። ሰብመዚ ድማ፡ ሰባት ኣብ ገዛ ክዕጸዉ ዘገድዱ ስጉምትታት ዘይወሰድሉ ምኽንያት፡ ኣካላዊ ኮነ ስነኣእምሮኣዊ ጥዕና ናይ ሰባት ስለዘገድሶም ምዃኑ እዮም ዝገልጹ።
'ታሪኽ ክፈርድ እዩ'
ብኻልእ ወገን፡ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንዘወስደኦ ዘለዋ ስጉምትታት ዝተዓዘቡ ስዊድናውያን፡ እዚ መንግስቲ ሃገሮም ዝኽተሎ ዘሎ ስልቲ ኣይተውሓጠሎምን።
"ሰባት ነዞም ማዕዳታት ክሰምዑ ይኽእሉ እዮም፡ እንተኾነ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገዳሲ እዋን፡ እኹል ስጉምቲ ምዃኑ ዘጠራጥር እዩ" ኢላ በዓልቲ ሞያ መጽናዕቲ ሕማማት ዶክተር ኤማ ፍራንስ።
ሰባት ኣብ ዕዳጋን መዘውተሪ ስፖርትን ኣብ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ቦታታት እንታይ ክገብሩ ከምዘለዎም ዘብርህ "ንጹር መምርሕታት" ክወሃቦም ትጠልብ።

ዶክተር ኤማ፡ ኣየኖት ፖለቲከኛታትን ተመራመርትን ኤውሮጳ ትኽክለኛ ውሳነ ከምዝወሰኑ ታሪኽ እዩ ዝፈርዶ በሃሊት እያ።
"ኣየኖት ስጉምትታት ዝሓሹ ምዃኖም ዝፈልጥ ሰብ የለን" ዝበለት ዶክተር ኤማ፡
"ነዞም ውሳነታት ዝውስኖም ኣነ ዘይምዃነይ ሕጉስቲ እየ" ብምባል፡ እቲ ኩነታት ክንደየናይ ከቢድ ምዃኑ ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







