ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ ኣብ ኤውሮጳ ደሚቑ ዘሎ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ
መግለጺ ስእሊ, ኣሌክሳንደር ኢሳቕ

ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ፡ እታ ኣዝያ ዕውትቲ መበል 17 ዓመት ልደት ነይራ ክትከውን ኣለዋ።

እቲ ዝዓበየ ኣብ መንጎ ጁጋርደንን ኤ ኣይ ኬይ [AIK] ዝግበር ናይ ስቶኮልም ደርቢ [ክልተ ናይ ሓንቲ ከተማ ክለባት ዝጋጠማሉ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ] ኣብ 21 መስከረም 2016 ኣብ ዝተኻየደሉ መዓልቲ [ኤሪትራዊ ሽወደናዊ] ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ዘይትርሳዕ ምሸት ክገብራ ወሲኑ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ናይ ጸወታ፡ እቲ እጹብ ትሕቲ ዕድመ [ቲኔጅ] ተጻዋታይ ኣይክ (AIK) ሸቶ ኣመዝጊቡ፡ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ድማ ኣብ ቅድሚ'ቶም ነግራማት ደገፍት'ታ ጋንታ ከይዱ ሓጎሱ ገሊጹ።

ኣብ ካልኣይ እብረ ድማ ፍልይቲ ዝኾነት ሸቶ ብርእሱ ገጭዩ ብምምዝጋብ፡ ንደግፍቲ ጋንታኡ ብሓጎስ ኣሰራሲሩ።

ኣብታ ምሸት'ቲኣ ኣይክ (AIK) ጎብለል ናይ ምዃን ሕልማ ብዝድርዕ መንገዲ ነታ ቀንዲ መተሃላልኽታ ጋንታ ወሳኒ ዝኾነ ሰለስተ ብባዶ ረቲዓታ።

"ኣሌክሳንደር ዓቢ መጻኢ ዕድል ኣለዎ። ኩሉ ነገር ጽቡቕ እንተኸይድሉ፡ ሓድሽ ዛላታን ኢብራሂሞቪች ናይ ሽወደን ክኸውን'ዩ" ኢሉ'ቲ ነታ ሳልሰይቲ ሸቶ ዘመዝገበ ናይጀራዊ ተጻዋታይ ቺነዱ ኦባሲ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ጥሪ 2017፡ ኣሌክሳንደር ኣብ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር ምስተቓረበ ድማ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ከምኡ ገይረን'የን ገሊጸንኦ።

እቶም ጸብጻባት ግን ግጉያት ነይሮም። ምኽንያቱ ኣሌክሳንደር ናብ ሪያል ማድሪድ ዘይኮነ ናብ ጀርመናዊት ክለብ ቦሩሲያ ዶርትመንድ'ዩ ከይዱ።

ኣብ'ዚ ናይ ሕጂ ናይ ሎም ዘበን ናይ ጸወታ እዋን ግን ናብ ላ ሊጋ ከይዱ ምስ ክለብ ሪያል ሶሸይዳድ ይጻወት ኣሎ፡ እቲ ዝተለምደ ናይ ቀደም ሳጓ ድማ ተመሊሱ መጺኡ።

ኣሌክሳንደር ዓቢ ጽልዋ ይፈጥር ኣሎ። ሓደ ካብ'ቶም ሎም ዘመን ዓበይቲ መስተንክራውያን ክእለቱ ዘርኣየለን ህሞት ድማ ኣብ ፈለማ ናይ ለካቲት ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ'ዩ ተራእዩ።

ኣብዚ ግጥም'ዚ ክለብ ሪያል ሶሸይዳድ ኣብ ልዕሊ ሪያል ማድሪድ 4ብ3 ተዓዊታ፡ ኣሌክሳንደር ክልተ ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ ሓንቲ ድማ ኣቐቢሉ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ምስ ኣትለቲኮ ቢልባው ኣብ ዝተገብረ ናይ ደርቢ ግጥም ድማ ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ ተቐይሩ ድሕሪ ምእታው፡ ሓንቲ ከቐብል እንከሎ ነታ ካልእይትን መዕወቲትን ሸቶ ድማ ባዕሉ ኣመዝጊቡዋ።

ጋንታኡ 2ብ1 ተዓዊታ ወጺኣ፡ ንሱ ድማ ኣብ ሽዱሽተ ተኸታተልቲ ግጥማት ሸቶ ኣመዝጊቡ ማለት'ዩ።

እዚ ከምዚ ዝበለ ብቕዓት ኣሌክሳንደር ንዓመታት ዓቢ ኮኾብ ተጻዋታይ ኮይኑ ክቕጽል ምዃኑ የመልክት።

ኣሌክሳንደር ነዊሕ፣ ኣፍራዪን እጹብ ቴክኒካዊ ክእለት ዝተዓደለን'ዩ። ብገለ ሸነካቱ ብኽእለት ምስ ኢብራሂሞቪች ከተነጻጽሮ ትኽእል ኢኻ። ብባህሪን ቅዲ [ስታይል] ጸወታን ምንጽጻሮም ግን ኣዝዩ ጌጋ'ዩ። ብርግጽ፡ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎም።

Short presentational grey line

"ፍሉይ ምትእስሳር'ዩ ዘለና፡ ምኽንያቱ ክልቴና መበቆል ኤርትራ'ዩ ዘለና" ኢሉ እቲ ንኣሌክሳንደር ካብ ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ክሳብ 13 ዓመት ዝኸውን ኣብ ክለብ ኣይክ ዘሰልጠኖ ናሆም ግደይ።

"ወለዲ ኣሌክሳንደር ኣብ 1980ታት'ዮም ብሰንኪ'ቲ ዝነበረ ነዊሕ ኲናት ናብ ስቶኮልም መጺኦም፡ ንሱ ድማ ከም ሽወደናዊ ኮይኑ ዓብዩ፡ እንተኾነ ግን ወትሩ ምስ ባህሊ ኤርትራ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ።

"ኤርትራውያን ሕቡናት፣ ብርቱዓትን ፈተውቲ ሃገሮምን'ዮም፡ እዚ ድሕረ-ባይታ'ዚ ድማ ኣብ ኣሌክሳንደር ጽልዋ ነይርዎ። ኣቡኡ፡ ጠዓመ፡ መምህር'ዩ፡ ኣሌክሳንደር ድማ ካብ ስድርኡ ብዙሕ ፍቕርን ደገፍን ረኺቡ'ዩ።

"ርግጸኛ`የ፡ እዚ ፍሉይ ውህደት/ሕውስዋስ ባህልታት ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድማ ፍሉይ ዝኾነ ተጻዋታይ ፈጢሩ`ሎ"

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምስ ኣመዝገበ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ድሕረ-ባይታን መዕበያን ኣሌክሳንደር ኣብ ምህናጽ ባህርያቱ ኣዝዮም ኣገደስቲ'ዮም ነይሮም። እቲ ርጉእን ህዱእን ቁልዕነቱ'ውን ካብ ናይ'ቲ ኣብ'ቲ ኣሸጋሪ ከባቢ ሮዘንጋርድ ናይ ከተማ ማልሞ ዝዓበየን ወለዱ ገና ክልተ ዓመት ከይመልአ እንከሎ ዝተፋትሑ ኢብራሂሞቪች ኣዝዩ ዝተፈለ'ዩ።

ኢብራሂሞቪች፡ ማራኽን፣ ሕብእ ምብእ ዘይብሉን ክኸውን እንከሎ፡ ኣሌክሳንደር ግን ህዱእ፣ ትሑትን ልዙብን'ዩ።

ካብ ማዕከናት ዜና ርሒቑ ክነብር ዝደልይ ልስሉስ ኣዘራርባ ዝዛረብን'ዩ። ኩዕሶ ብኣዝዩ ዝያዳ ብቕዓት ንክጻወት ጥራይ ድማ'ዩ ዝግደስ።

"ብዛዕባ ኣሌክሳንደር ደሚቑ ዝወጽእ ብስለቱ'ዩ" ኢሉ እቲ ኣሌክሳንደር ኣብ 2016 ጸወታ ክጅምር እንከሎ ውሩይ ሓለቓ ጋንታ ኣይክ ዝነበረ ኒልስ-ኤሪክ ጆሃንሰን።

"ብዙሓት ተውህቦ ዘለዎም ንኣሽቱ ተጻወትቲ ኣለዉ፡ እንተኾነ ግን ከመይ ጌርካ ምስ ካልኦት ተወሃሂድካ ከም ጋንታ ኮይንካ ትጻወት ንክግንዘቡ ጊዜ የድልዮም።

ኣሌክሳንደር ወዲ 16 ዓመት ጥራይ'ዩ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ልክዕ ከም ወዲ 26 ዓመት መሲሉ'ዩ ተጻዊቱ፡ እዚ ከኣ ፍጹም ዘደንቕ'ዩ ነይሩ።

ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ብምምዝጋብን ነታ ክለብ ትሕት ዝበለት ክለብ ኣብ ዋንጫ ፍጻመ ክተብጽሕ ብምሕጋዝን ድማ ብኡ ንብኡ ተፈላጥነት ኣጥርዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

"ዛላታን ክረአ በሃላይ'ዩ፡ ኣሌክሳንደር ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ ሜዳ ኩዕሶ ይኹን ካብኡ ወጻኢ ሓደ ዓይነት ሰብ'ዩ። ምናልባት ቁሩብ ትንክሕቲ ምጠቐሞ ነይሩ ይኸውን" ይብል ጋዜጠኛ ክሪስቶፈር በርግስትሮም።

"ባህሪይን ቅዲን ናይ ኣሌክሳንደር ጎሊሑ ይወጽእ። ፍሉይ ፍጥነት ኣይነበሮን፡ ቅላዓቱ ድማ ፍሉይ ሓይሊ ኣይነበሮምን፡ እንተኾነ ግን ነቲ ጸወታ ካብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ንላዕሊ ኣንቢብዎ። ንጃህራ ኢሉ ኣየሽክዕን'ዩ። ኩሉ ዝገብሮ ነገር ብምኽንያት'ዩ። ኣጸዋውትኡ ብቑዕ'ዩ" ድማ ኢሉ።

ተውህቦ ኣሌክሳንደር ሸለል ክትብሎ ዝከኣል ኣይነበረን፡ 11 ኣዋርሕ ድሕሪ ፈላሚት ጸወታኡ ምስ ጋንታ ዓበይቲ ናይ ኣይክ ምስ ሓለፈ ድማ'ዩ ናብ ካልኦት ክለባት ናይ ወጻኢ ክጻወት ኣብ ግምት ኣትዩ።

ምናልባት ምኽንያት ንሪያል ማድሪድ ገዲፉ ምስ ቦሩሲያ ዶርትመንድ ውዕል ምኽታሙ ድማ ንኽትርድኦ ቀሊል እዩ።

ኣሌክሳንደር ነቲ ውሳነ ክወስድ እንከሎ፡ ምናልባት ጉዳይ ድፍረት ናይ'ቲ ወዲ 16 ዓመት እንከሎ ኣብ 2015 ናብ ሪያል ማድሪድ ዝተጸምበረ፡ ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ውዱቕ [ፈይለር] ተባሂሉ ዝተሰምየ ኖርወጃዊ ኣከፋፋሊ ማርቲን ኦደጋርድ፡ ትዝ ኢልዎ ይኸውን'ዩ።

ሕጂ ክልቲኦም ኣብ ሪያል ሶሸይዳድ ደቂ ጋንታ'ዮም፡ ኦደጋርድ ግን ካብ ሪያል ማድሪድ ብለቓሕ ተወሲዱ'ዩ ዝጻወት ዘሎ።

"ገለ ዕድመታት ቀሪቡለይ ነይሩ፡ እንተኾነ ግን ዶርትመንድ እታ ከም ንእሽቶ ተጻዋታይ ክዓብየላ ዝኽእል ቦታ ኮይና ተራእያትኒ" ኢሉ ኣሌክሳንደር ኣብ ፈላሚት ናይ ጀርመን ቃለ-መሕትቱ።

"ገለ ናይ ጸወታ እዋን ክረክብን ነታ ክለብ ክሕግዛን ደልየ ነይረ" ድማ ኢሉ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ፈለማ ኣዝዩ ጽቡቕ ዝመሰለ ውሳነ ነዊሕ ከይጸንሐ በንጻሩ ኮይኑ። ኣብ ዶርትመንድ ኣብ ዝጸንሓለን ክልተ ዓመታት፡ እታ ክለብ ኣርባዕተ ግዜ ኣሰልጠንቲ ቀይራ፡ ዋላ ሓደ ካብ'እቶም ኣሰልጠንቲ ኣብ'ዚ ንእሽቶ ሽወደናዊ እምነት ኣየንበሮምን።

ቶማስ ቱሸል፣ ፒተር ቦሽ፣ ፒተር ስቶገርን ሉሺን ፋብረን ካልኦት ኣማራጺታት ተጠቒሞም፡ እቲ መንእሰይ ኣሌክሳንደር ድማ ኣብ ሓሙሽተ ጸወታታት ቡንደስ-ሊጋ ጥራይ፡ ከም ተቐያሪ ኮይኑ ጥራይ ተጻዊቱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ናይ 2018 ናይ ጸወታ እዋን [ሲሰን] ኣሌክሳንደር ደረጅኡ ወሪዱ ናብ'ታ ኣብ ራብዓይ ደረጃ እትርከብ ቅያር ጋንታ ወሪዱ ክጻወት ተገይሩ።

"ክሳብ ሕጂ ዘይተገልጸ ምስጢር'ዩ" ኢሉ ጋዜጠኛ ስፖክስ ጆሸን ቲትማር። "ኣሌክሳንደር ኣብ'ታ ንነእሽቱ ተጻወትቲ ዕድል ብምሃብ ኣዝያ ዝተፈልጠት ክለብ ዕድል ዘይረኸበሉ ምኽንያት ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የለን።

"ኣሌክሳንደር ውዕል ክኽትም እንከሎ ኣሰልጣኒ ዝነበረ ቱሸል ኣብ ምስግጋር ኢድ ስለዘይነበሮ ነቲ ተጻዋይ ኣጸቢቑ ከምዘይፈለጦ ተኣሚኑ።

ስለ'ዚ ካብ ፈለምኡ ስግንጢር'ዩ ነይሩ። ኣብ ዶርትመንድ ካልኦት ብኸምኡ መንገዲ ዝተጓሕፉ ተጻወትቲ ክትረክብ ከቢድ'ዩ። ብድሕሪ'ዚ ግን ኣብ ካልእ ዓዲ ከይዱ ዓምቢቡ"።

ንኢብራሂሞቪች ኣብ ከምኡ ዓይነት ኩነታት ወዲቑ ክትርእዮ'ሞ ሕሰቡ። መዓልታዊ ዓበይቲ ናይ ዜና ኣርእስትታትን ሓራቕ ጥቕስታትን ምሃለዉ ነይሮም።

ኣሌክሳንደር ግን ብስቕታ'ዩ ሓሊፍዎ። ዋላ ሕጂ'ውን ብዛዕባ ዶርትመንድ ዘውጽኦ ሕማቕ ቃል የለን። "ብዙሕ ናይ ጸወታ ግዜ ኣይተዋህበንን፡ እንተኾነ ግን ዝሓሸ ተጻዋታይ ኮይነ" ኢሉ ንሱ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ምስ ሙንዶ ዲፖርቲቮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት።

ፒፐር ብዛዕባ'ቲ ምስጢር ናይ ዶርትመንድን ኣሌክሳንደር ነቲ ነገር ብኸመይ ከምዝሓዞን ገለ ኣፍልጦ ኣለዎ።

እቲ መንእሰይ ናይ መእከል ተኸላኻላይ ኣብ ጎኒ'ዚ ሽወደናዊ ኮይኑ ነታ ተቐያሪት ጋንታ ናይ ዶርትመንድ ተሰሊፉ'ዩ።

ሕጂ ግን ማዕቢሉ ናብ ክለብ ካልኣይ ዲቪዥን ጀርመን ዝኾነት ኣርሚኒያ ቤትፊልድ ክሰጋገር የቋምት ኣሎ።

"ኣሌክሳንደር ዘደንቕ ተጻዋታይ ምንባሩ ኩሉ ሰብ ይፈልጥ ነይሩ፣ ብኽልተ እግሩ ጽቡቕ'ዩ ዝጻወት፣ ዘገርም ቴክኒክ ይውንን፣ ሓያልን ቅልጡፍን ድማ'ዩ። ኣብ'ታ ዓባይ ጋንታ ንምጽዋት ዕድል ክረክብ ንጽበዮ ኔርና" ኢሉ ንሱ።

"ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ኣብ'ታ ምስ ቀዳሞት 11 ተጻወትቲ ዓባይ ጋንታ ተሰሊፉ ክጻወት ዝተዋህበቶ እንኮ ዕድል ናይ ቡንደስሊጋ ጸወታ ሸቶ ከመዝግብ ኣይከኣለን።

እቲ ናይ 2017-18 እዋን ጸወታ ነታ ክለብ ቀሊል ኣይነበረን። ነገራት ጽቡቕ ኣብዘይድሉ እዋን ድማ ንመንእሰያት ተጻወቲ ዝያዳ ከቢድ'ዩ።

በቲ ኩነታት ሕጉስ ኣይነበረን፡ ብዛዕብኡ ግን ፈጺሙ ኣይተዛረበን። ስቕ ኢሉ ጥራይ ኣበርቲዑ ምስራሕ ቀጺሉ፡ ኣብ እዋን ልምምድ ድማ መብዛሕትኡ እዋን ድማ ድሕሪ ሰብ ተሪፉ ዝያዳ ልምምድ ይገብር ነይሩ። ኣዝዩ ትኩርን ዕቱብን'ዩ ነይሩ"።

እቲ ዓቕሊ'ቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ፍረ-ጻማ ተረኺብዎ፡ ኣብ ፈለማ 2019 ኣሌክሳንደር ብለቓሕ ናብ ክለብ ዊለም ተሰጋጊሩ።

ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ብምምዝጋብን ነታ ክለብ ትሕት ዝበለት ክለብ ኣብ ዋንጫ ፍጻመ ክተብጽሕ ብምሕጋዝን ድማ ብኡ ንብኡ ተፈላጥነት ኣጥርዩ። ዓወት ግን ንባህሪኡ ኣይቀየሮን።

"ንዊለም ታሪኻዊት ዓመት'ያ ነይራ፡ ኣሌክሳንደር ድማ መርኣያ'ኣ ነይሩ" ይብል ንኣሌክሳንደር ብመንገዲ ቮትቦል ኢንተርናሽናል ቃለ-መሕትት ዘግበሮ ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ዶልፍ ቫን ኣርት።

"ፈጺሙ ትዕቢተኛን ክርአ በሃልን ኣይነበረን። ሰባት ምስ ዘላታን ከነጻጽርዎ ከምዘየገድሶ ነጊሩኒ"።

ናይ ነዊሕ እዋን ሓለቓ ጋንታ ዊለም ጆርደንስ ፒተርስ ንኣሌክሳንደር "ብእወታዊ መንገዲ ልበ-ምሉእ" እዩ ክብል ይገልጾ። "እታ ክለብ ንኮኾብ ኣጥቃዓይ ፍራን ሶል ናብ ዳይናሞ ኪየቭ ሸይጣ ነይራ፡ እቲ ብለቓሕ ዘምጻእናዮ ተጻዋታይ [ኣሌክሳንደር] ድማ ነቲ ፍራን ዝገደፎ ሃጓፍ ክሽፍን ነይርዎ።

ብዙሕ ከምዝሕግዘና ድማ ብኣግኡ ፍሉጥ'ዩ ነይሩ። ምስ ኩሉ ቅዲ ጸወታ'ዩ ዝሳነ። ከም ጋንታ ኩዕሶ ዓቂብካ [possession football] ክትጻወት እንተኮይንካ ንፉዕ'ዩ፡ ስልቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ተጠቒምካ እንተተጻዊትካ ድማ ጽቡቕ ይጻወት።

ብኽልተ እግሩ ይቐልዕ፡ መብዛሕትኦም ቅላዓቱ ድማ ዕላማ ዝወቕዑ [shot on target] እዮም።

ተዛንዩ'ዩ ዝጻወት፡ ዝኾነ ጸቕጢ ከምዘይብሉ ድማ ይረኣየካ። ህዱእ/ስቕተኛ ወዲ'ዩ፡ ድሕሪ ቁሩብ እዋን ግን ኣብ'ቲ ክፍሊ መቐየሪ ክዳን ኣካል ናይ'ታ ጉጅለ ኮይኑ። ልክዕ ከም ዝኾነ ካልእ ተጻዋታይ ድማ ቀልዲ ይፈቱ"።

ዋላ ድሕሪ'ቲ ዓሚ ኣብ ሆላንድ ዝነበሮ ድሙቕ/ጽቡቕ ናይ ጸወታ እዋን፡ ንኣረኣእያ ዶርትመንድ ኣብ ልዕሊኡ ኣይቀየሮን።

እታ ጀርመናዊት ክለብ ንኣሌክሳንደር ኣብ ጥቕሚ ኣብ ምውዓል ስለዘይወጠነት ኣብ'ቲ ዝቐጸለ ክረምቲ ብ7.5 ሚልዮን ዩሮ ናብ ሪያል ሶሸይዳድ ሸይጣቶ።

እዚ ዋጋ'ዚ ድማ ካብ'ቲ ኣብ 2017 ካብ ኣይክ ክትዕድጎ እንከላ ዝኸፈለቶ 8.6 ሚልዮን ዩሮ ይውሕድ።

እታ ክለብ እቲ ሓዲሽ ዝገዝኣቶ ብርቂ ዝኾነ ኖርወጃዊ ቆሎዓ ኤርሊን ብራውት ሃላንድ መሳጢ ተጻዋታይ ስለዝኾነላ'ኳ ንኣሌክሳንደር ብምሻጣ ጣዕሳ ዘይክህልዋ'ኳ እንተኸኣለት፡ ሓደ ዓቢ ኮኾብ ክኾነላ ዝኽእል ዝነበረ ብሉጽ ተጻዋታይ ግን ኣምሊጥዋ'ዩ፡ ሸይጣ'ውን ክትከስበሉ ምኸኣለት ነይራ፡ ግን ከሲራቶ።

ኣሌክሳንደር ምስ ሪያል ሶሸይዳድ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ውዕል'ዩ ከቲሙ። ነታ ክለብ ብድሌቱ ክገድፋ እንተኾይኑ ድማ እታ እትገዝኦ ክለብ 70 ሚልዮን ዩሮ ከፊላ ክትወስዶ ከምዘለዋ ዘገድድ ናይ መልቀቒ ዓንቀጽ [release clause] ኣብ'ቲ ውዕል ሰፊሩ'ሎ።

እዚ ድማ እቲ ሕጂ ሒዝዎ ዘሎ ብቕዓት እንተዓቂብዎ እዚ 70 ሚልዮን ዋግኡ ምዃኑ የርእየካ። ዶርትመንድ ግን ካብ ሰነ 2021 ጀሚርካ ብ30 ሚልዮን ዩሮ መሊሳ ክትገዝኦ ዘኽእላ ዓንቀጽ ኣብ'ቲ ናይ መሸጣ ውዕል ሰፊሩ'ሎ።

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ስጳኛ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንኣሌክሳንደር ግን እቲ ከምኡ ዓይነት ተርእዮ [scenario] ኣገዳስነት የብሉን።

"ዶርትመንት ናይ ሕሉፍ እዋነይ ክለብ ድኣ'ምበር ናይ መጻኢየይ ኣይኮነትን። እዚ ናይ ስጳኛ ሊግ ምሳይን ምስ ቅዲ ጸወታይን ይሳነ`ዩ" ኢሉ ኣሌክሳንደር ምስ ሙንዶ ዲፖርቲቮ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት።

ዋላ ኣብ'ዚ ጉዳይ'ዚ'ውን ካብ ናይ'ቲ ኣብ ባርሴሎና ንሓንቲ ናይ ጸወታ ዓመት [season] ጥራይ ዝጸንሐ ኢብራሂሞቪች ዝተፈለየ ባህሪ ከምዘለዎ የርእየካ።

ኣሌክሳንደር ኣብ ላ ሊጋ ንኣዝዩ ነዊሕ እዋን ከምዝጸንሕ የርእየካ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ደገፍቲ ሃገራዊት ጋንት ሽወደን፡ ኣሌክሳንደር ኣብ'ዚ ሎምዘበን ክረምቲ ዝካየድ ግጥማት ሻምፒዮና ኤውሮጳ ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዓቢ ኣበርክቶ ክገብረላ ይትስፈዉ።

ኢብራሂሞቪች ካብ ጸወታ ሃገራዊት ጋንታ ጥሮታ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እታ ብጄን ኣንደርሰን እትእለ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ከምዝተመሓየሸትን ዝያዳ ጥቅውቲ ኮይና'ያ ዝብል ክትዕ'ውን ኣሎ።

ሽወደን ኣብ ውድድራት ዋንጫ ዓለም 2018 ኣብ ርብዒ ፍጻመ ምብጸሓ'ውን ተሓቢኖም'ዮም። እንተኾነ ግን፡ እታ ጻዕረኛ ጋንታ ብዓለም ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ ኣጥቃዓይ ኣይነበራን።

ሕጂ ግን እቲ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ውድድራት መጻረዪ ዩሮ 2020 ከም ተቐያሪ ጥራይ ኮይኑ ዝጻወት ዝነበረ፡ ግን ከኣ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበ ኣሌክሳንደር ነዚ ሃጓፍ'ዚ ክዓብሶ ይኽእል'ዩ።

ሕጂ ህይወት ንዕኡ ብርሃን ትርኢት'ዩ ኮይንሉ ዘሎ። ቅድሚ ሓደ ወርሒ ጋንትኡ ንሪያል ማድሪድ ኣብ ሜዳ ሳንቲያጎ ቤርናቡ ከም እትስዕራ ገይሩ።

ባርሰሎና'ውን ካብዚ ኣጥቃዓይ ክትጥንቀቕ ይግበኣ። ኣሌክሳንደር ኣብ ዓበይቲ ጸወታታት ዝደምቕ ተጻዋታይ'ዩ፡ ነዚ ድማ ገና ኣብ መበል 17 ዓመት ልደቱ ኣመስኪሩ'ዩ።

ሓደ ተወሳኺ ነገር ድማ ርጉጽ ይመስል። ንሱ ኸኣ፡ ኣብ ሓደ እዋን ንመሲ ክበልጾ እንተዝኽእል'ውን፡ ወትሩ ኣዝዩ ትሑትን ተፈታውን ሰብ ኮይኑ ባህሪኡ ከይቐየረ ዝነብር ሰብ ምኾነ።