ኣሌክሳንደር ኢሳቕ 'ንሽልማት ብሉጽ መንእሰይ 2018' ተሓጽዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ቀረባ ግዜ ናብ ሪያል ሶሲዳድ ዝተጸንበረ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብጣልያናዊት ብቱቶ ስፓርት ንትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝወሃብ ሽልማት ወርቃዊ መንእሰይ 2018 ምስ ካልኦት 100 መንእሰያት ተጻወትቲ ተሓጽዩ።
ምስ አሌክሳንደር ኢሳቕ ተጻዋታይ ቸልሲ ኢታህ ኣምፖዱ፡ ተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንገል ጎመዝ፡ ተጻዋታይ ርያል ማድሪድ ብራሂም ድያዝ፡ ናይ ሊቨርፑል ሪሃም ብረውስተር፡ ተጻዋታይ ማንቸስተር ሲቲ ፊል ፎድነንን ካልኦትን ይርከብዎም።
ቱቶ ሰፖርት፡ ከም ብዓል ሊዮነል ሙሲ፡ ዋይን ሩኒ፡ ኣንቶኒ ማርሻል፡ ፖል ፖግባን ካልኦት ትሕቲ 21 ዓመት ኣብ ዝነበሩሉ ዝተሸለምሉ ጸላዊ ዓመታዊ ሽልማት'ዩ።
ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን መተካእታ ዝላታን ኢብራሂሞቪች ክኾና እምንቶ ዝተነበረሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ፡ 21 መስከረም 1999 ዝተወለደ ኮይኑ 1.9 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ግልቡት ኣጥቐዓይ'ዩ።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ኣብ ናይ ትሕቲ 17 ትሕቲ 19 ከምኡ'ውን ትሕቲ 21፡ ኣብ ዝገበሮ 38 ጸወታ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን 10 ሸቶታት ኣበርኪትሉ ኣሎ።
ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ኣብ 12 ጥሪ 2017 ዘመዝገባ ሽቶ ኣብ መበል 17 ዓመቱን 113 መዓለትን ዕድሚኡ ዘመዝገባ ኮይና፡ ኣብታ ሃገር ን105 ዓመት ተታሒዙ ዝነበረ ክብረ ወሰን ብምስባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ስዊድን ዝነኣሰ ሾቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ ዝብል ክብሪ ክላበስ ክኢሉ እዩ።
ካብ ቦርስያ ዶርትሙንድ፡ ናብ ዊለም ቱ ብልቃሕ ተሰጋጊሩ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝገበሮ ጸወታ ናይ ሸቶ ምምዝጋብ ክእለቱ ክብ ብምባል ኣብ 16 ጸወታታት 13 ሸቶታት ከመዝግብ ዝኸኣለ ኣሌክሳደረርእ ኢሳቕ፡ ብቕዓቱ ንዓበይቲ ጋንታታት ክስሕብ ብምኽኣሉ፡ ኣብ ላሊጋ ኣብዚ ሎሚ ዓመት 50 ነጥቢ ብምውህላል 9 ደረጃ ሒዛ ዝዛዘመት ጋንታ ረያል ሶዲዳድ ኣብ ሑቕፋኣ ከትትዎ ክኢኣ'ላ፡ ምስታ ጋንታ ከኣ ካብ 1 ሓመለ ጅሚሩ ስሩዕ ጸወታ ክጅምር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቱቶ ስፖርት ካብ 2003 ጅሚራ ዓመት ዓመት ንዝበለጸ መንእሰይ ሽልማት ክትዕድል ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ
ኣብ 2003 ንተጻዋታይ ኣያክስ ኣምስተርዳም ዝነበረ ራፋየል ቫን ደር ቫርት
ኣብ 2004 ንተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ ዋይን ሩኒ
ኣብ 2005 ንተጻዋታይ ባርሲሎና ልዮነል ሜሲ
ኣብ 2006 ንተጻዋታይ ኣርሴናል ዝነበረ ሰስ ፋብሪጋስ
ኣብ 2007 ንተጻዋታይ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ዝነበረ ሰርጅዮ ኣጌሮ
ኣብ 2008 ንተጻዋታይ ማንቸስተር ዩናይትድ ዝነበረ ኣንደርሰን
ኣብ 2009 ንተጻዋታይ ሚላን ዝነበረ ኣሌክሳንደር ፓቶ
ኣብ 2010 ንተጻዋታይ ኢንተር ሚላንን ማንአስተር ሲትን ዝነበረ ማርዮ ባላቶሊ
ኣብ 2011 ንተጻዋታይ ቦርስያ ዶርትሙንድ ዝነበረ ማርዮ ጎመዝ
ኣብ 2012 ተጻዋታይ ዝነበረ ማላጋ ዝነበረ ኢስኮ
ኣብ 2013 ንተጻዋታይ ጁቬንቱስ ዝነበረ ፖል ፖግባ
ኣብ 2014 ንተጻዋታይ ሊቨርፑል ሪሃም ስተርሊንግ
ኣብ 2015 ንተጻዋታይ ሞናኮን ማንቸስተር ዩናይትድን ዝነበረ ኣንቶንዮ ማርሻል
ኣብ 2016 ንተጻዋታይ በነፊካን ባየር ሙኒኽን ዝነበረ ረናቶ ሳንቸስ
ኣብ 2017 ንተጻዋታይ ሞናኮን ፓሪስ ሰይንት ጀርማይን ዝነበረ ክይልያን ማፐ ነዚ ሽልማት ዝዓተሩ ፈለውቲ ተጻወትቲ'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







