ኤርትራ፡"ዝበለጸ ወጽኢት ንምምጻእ ኢና ናብዚ ውድድር ንኣቱ ዘለና" ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሶሎሞን

ምንጪ ስእሊ, SAMSOM SOLOMON
ካብ ዕለት 22 ጀሚሩ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከተማ ዮርክሻየር ዝካየድ ዘሎ መበል 92 ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ዓለም፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብናይ ትሕቲ 23 ደቂ ተባዕትዮ ከምኡ እውን ብሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ተወኪላ ውድድራታ ከተካይድ እያ።
እዚ ዓዲ እንግሊዝ ንራብዓይ ግዚኣ ተአንግዶ ዘላ ዝዓበየ ዓለማዊ ውድድር ቅድድም ብሽክለታ ኮይኑ፡ ኣብ መኽፈቲ መዓልቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዘይተሳተፈትሉ ናይ ሕውስዋስ ደቂ ኣንስተዮን ደቂ ተባዕትዮን ናይ 27.6 ኪሎ ሜተር ውድድር (ሚክሲድ ሪለይ) ብምክያድ እዩ መጋረጅኡ ቀንጢጡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ኤርትራ ብናይ ትሕቲ 23 ዓመት ናይ ግዜ ውድድር ዳንኤል ሃብተሚካኤልን ቢንያም ግርማይን ተወኪላ ኣብ ዝገበረቶ ውድድር ነቲ ውድድር ዴንማርካዊ ሚኪኤል ብጀርግ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ መበል 31 ከምኡ እውን ዳኒኤል ሃብተሚካኤል መበል 50 ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
እታ እንኮ ኤርትራዊት ጓል ኣንሰተይቲ ደሲት ኪዳነ እውን ናይ ውልቒ ናይ ግዜ ውድድር ሎሚ ከተካይድ እያ።
ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ሳምሶም ሰሎሞን፡ እዛ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ እቶም ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ተቐዳደምቲ ንኣስታት ሓደ ወርሒ ተጠርኒፎም ውድድራቶም ከካይድ ከም ዝጸንሑ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳምሶም ብምስዓብ "ነዞም ካብ ኣስመራ ዝመጽኡ፡ 4 ተቀዳደምቲ ኣብ ኣውሮጳ ውድድራት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ ነዛ ጉጀለ ክጽንበርዋ ንጽበዮም ኣለና" ኢሉ።
ብምስዓብ "ፕረዚደንት ቅድድም ብሽከለታ ኤርትራ ኣቶ ተወልደ ዮውሃንስ፡ ሰክሬታሪ ቤት ጽሕፈት ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ምስግና ሃይለ፡ መካኒክ ፈረጅ መሓመድ ኑርን ክኢላ ማሳጅ ሳልማን ሓመደን ምስታ ጋንታ ናብ ሎንዶን ገይሾም ዘለዉ እዮም" ኢሉ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 5 ውድድራት ቅድድም ብሽክለታ ሻምፕዮን ዓለም ከም ዝተሳተፈት ዝሓበረ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን "ሻምፕዮና ዓለም ኣብ ዓለም ኣለዉ ዝብሃሉ ፍሉጣት ተቐዳደምቲ ዝወዳደርሉ ከም ምኳኑ መጠን፡ ዓብይን ከቢድን ውድድር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለዚ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ነጢርካ ኣብ ላዕሊ ዝብጻሕ የለን ብሓፈሻ ግን ንናይ ዝሓለፈ ውጽኢትና ኣመሓይሽና፡ ክብ ዝበለ ውጽኢት ንምምዝጋብ ኢና መጺእና ዘለና" ኢሉ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሻምፕዮን ዓለም 2019፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ዓበይቲ፡ ዳኒኤል ተ/ሃይማኖት፡ መክሰብ ደበሳይ፡ መርሃዊ ቁዱስ፡ ናትናኤል ብርሃነ ከምኡ እውን ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር ተወኪላ ውድድራ ከም እተሰላስል እያ ተሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ ተቐዳዳማይ ኣማኑኤል ገብረዝጋብሄር ኣብ ቮልታ ስጳኛ ብዘጋጠሞ ናይ ምውዳቕ ሓደጋ ጥዕንኡ ናብ ንቡር ስለ ዘይተመለሰ ኣብዚ ውድድር ከም ዘይሳተፍ ኣሰልጣኒ ሳምሶም ሰሎሞን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኤርትራ ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ዓመት እውን ብሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ቢኒያም ግርማይ፡ ናትናኤል ተስፋጽዮን፡ ዳኒኤል ሃብተሚካኤልን ያቆብ ደበሳይን ተወኪላ እያ ውድድራ ከተካይድ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳምሶም ሰሎሞን እዛ ብዳኒኤል ተ/ሃይማኖት፡ መክሰብ ደበሳይ፡ መርሃዊ ቁዱስ፡ ናትናኤል ብርሃነ እትውከል ናይ ዓበይቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ተሞክሮ ናይዞም ተቐዳደምቲ ኣብ ግምት ኣትዩ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ እታ ዝበለጸት ጋንታ ክትብሃል ትኽእል እንተኾይና ኣብ ዝተሓተተሉ "እወ ዝሓየለት ሃገራዊት ጋንታ እያ ኣብ 2016 ኣብ ቐጠር ኣብ ዝተኻየደ ውድድር እውን ሓያል ጋንታ ሒዝና ኬድና ብሽዱሽተ ተቐዳደምቲ ተወዳዲርና ነይርና ኢና፡ ምስዛ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ከኣ ዝመሳሰላ እየን" ክብል መሊሱ።

- 24 መስከረም ናይ ትሕቲ 23 ናይ ደቂ ተባዕትዮ 30.3 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር።
- 24 መስከረም ናይ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ 30.3 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር።
- 25 መስከረም ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ 54.1 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር።
- 26 መስከረም ናይ ጁንየር ደቂ ተባዕትዮ 148.1 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር።
- 27 መስከረም ናይ ጁንየር ደቂ ኣንስተዮ 86 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር
- 27 መስከረም ናይ ደቂ ተባዕትዮ ትሕቲ 23፡ 186.9 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር።
- 28 መስከረም ናይ ዓበይቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ 149.4 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር።
- 29 መስከረም ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ 280 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ናይ ጽርግያ ውድድር።

ሳምሳም ሰሎሞን ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ዓቢ ዓለማዊ ውድድር ንምንታይ ብደሲት ኪዳነ ጥራይ ተወኪላ ዝብል ሕቶ ምስ ቐረበሉ፡ እቲ ውሳነ ብፈጻሚት ኣካል ናይ ፌዴሬሽን ዝተወሰነ ምኳኑ ድሕሪ ምሕባር "ነታ ሓንቲ ሒዝና ከኣ ዝበለጸ ወጽኢት ንምምዝጋብ ክንጽዕር ኢና" ይብል።
ኣሰልጣኒ ሳምሶም ኣብ መወዳእታ "ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድር ኣብ እነከይደሉ ተዓዛቢና የተባባዓና እዩ፡ ሕጂ ከኣ ንተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ናይ ውድድር ቦታ መጺኦም ከተባብዑና ይምሕጸን" ኢሉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







