ሴካፋ፡ 'ርግኣት ኤርትራ፡ ካልኦት ውድድራት ሒዝና ክንመጽእ ዕድል ፈጢሩልና'ዩ'

ሴካፋ ትሕቶ 15 ዓመት 2019

"1911" ኣብ ሓቃዊ ዛንታ ዝተሞርኮዘ ድርሰት ፊልሚ'ዩ። ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ተሳኢሉ ናብ ተዓዘብቲ ከም ዝዝርጋሕ ዳይሬክተር እቲ ፊልም ኒክሂል ኣድቫኒ ተዛሪቡ።

ብ1911 ኣቆጻጽራ ኤውሮጳውያን፡ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ህንዲ ሞሁን ባጋንን ጋንታ ምብራቕ ዮርኪሽር ኢንግሊዝን ግጥም ኩዕሶ እግሪ ዘካየዳሉ እዋን'ዩ።

ክልተ ንሓደ ብዝኾነ ውጽኢት ብዓወት ጋንታ ህንዲ ዝተዛዘመ ጸወታ እተን ጋንታታት፡ ኣብ ህንዲ ካብቶም ንምንቅስቓስ 'ናጽነት' ህንዲ ዝደረኹ ወሰንቲ ፍጻሜታት እዩ ተባሂሉ ይጥቀስ።

ኣብቲ እዋን፡ ብሓንቲ ኩዕሶ ንኣንጻራዊት ጋንታ ዝገጥሙ ዝነበሩ 11 ሰባት፡ ህዝቢ መላእ ሃገር ንሓርነት ከነቓቕሑዎን ልቢ ከዕብዩሉን'ዮም ኢሉ ዝገመተ'ኳ እንተዘይነበረ፡ ህንዲ፡ ብ1947 ካብ መግዛእቲ ኢንግሊዝ ክትናገፍ ንቓልሲ ክትብገስ ዝገበራ ኣጋጣሚ ክኸውን ከም ዝኽኣለ ግን ይእመን።

ብተወሳኺ፡ እዚ ጸወታ ንኩዕሶ እግሪ ህንድን መላእ ሃገራዊ ፍቕርን መሰረት ኣንጺፉ ሓሊፉ ኢሎም ህንዳውያን ይኣምኑ።

በዚ መሰረት፡ ተጻወትቲ እታ ጋንታ ዝነበሩ፡ 'ዘይመውት 11' ዝብል ዘንተኣለማዊ ስያመ ዝኽሪ ተዋሂቡዎም ይርከብ።

ዳይሬክተር ኣድቫኒ፡ "ብዛዕባ እዚ መጽናዕቲ ከካይድ ከለኹ ሓደ ታሪኽ ረኺበ። ሓደ መንእሰይ ንሓለቓ ጋንታ ሞሁን ባጋን ዝነበረ፡ መዓስ ኢና ንኢንግሊዝ እንስዕራ ኢሉ ሓቲቱዎ። ንሱ ድማ፡ ሓቀኛ ስዕረት፡ ባንዴራ ብሪጣኒያ ክትወርድ እንከላ'ዩ ዝኸውን ኢሉ መሊሱሉ" ክብል ይጠቅስ።

እዚ፡ ነቲ ኩዕሶ እግሪ ወይ ስፖርት ልዕሊ እቲ ን90 ደቓይቕ ኣብ መጻወቲ ሜዳ ዝርአይ ብቕዓት፣ ረሃጽን ሃድን ኩዕሶን'ዩ ንዝብል ኣበሃህላ ብዙሓት ዝሓቁፍ ታሪኻዊ ፍጻሜ ኩዕሶ እግሪ'ዩ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ዝነውሐ ታሪኽ 'ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት' ዝነበረን ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ግደ ሰላም ካብ ዝእውጃ ንነጀው፡ ብዝተፈላለየ ስፖርታዊ ንጥፈታት ምሕዝነታዊ ጸወታታት ከካይዳ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ፡ ፈላማይ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ኣብ ስታድየም ኣስመራ ክእንገድ ምውሳኑ፡ መርኣያ እቲ ሓዲሽ ተስፋታት ሒዙ ዝመጽአ'ዩ ተባሂሉ ዝሙገስ እማመ ሰላም እዘን ሃገራት'ዩ።

ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ኣብ ዝተኻየደሉ፡ ሓላፊት እቲ ውድድር ወይዘሮ ፔትራ ዶሪስ፡ "ኩዕሶ እግሪ ሓንቲ ከባብ ኩዕሶ ምህራም ዘይኮነ፡ ምሕዝነት፣ ሰላም፣ ምትሕብባርን ውህደትን'ዩ" ኢላ ነይራ።

"ርግኣትን ምቕባል ኣጋይሽን ኤርትራ፡ ብቐጻሊ ካልኦት ውድድራት ሒዝና ንክንመጽእ ዓብዪ ዕድል ፈጢሩልና'ዩ" እውን ኢላ።

ኣመራርሓ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራን ካልኦት ሃገራትን

ምንጪ ስእሊ, CCSEritrea

Presentational white space

እቲ ውድድር እንታይ ነይሩ?

  • ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት፡ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ዘሰናድኦ መድረኽ ውድድር ኮይኑ፡ ኤርትራ ኣአንጋዲት ሃገር ነይራ
  • ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዓለምለኻዊ ውድድር ክተካይድ ንፈለማ እዋን'ዩ
  • ቡሩንዲ፣ ኤርትራ፣ ሱዳን፣ ኬኒያን ሶማሊያን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ታንዛኒያ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ተሳቲፈን
  • ኡጋንዳ እታ ዝበዝሐ ሸቶ ዘቑጸረት ጋንታ ኮይና ሱዳን እታ ዝኾነ ሸቶ ዘየቑጸረት ሃገራዊት ጋንታ ኮይነን ውድድራተን ዛዚመን

'ሃገረይ ካባይ ብዙሕ ትጸበ'

ኩል ግዘ፡ ብኣጋ ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ንምስዓር፡ ዝዓበየ ወይ ዝሓሸ ዕድል ዘለዋ ጋንታ ምግማት ዘይምኽኣል ጽባቐ ወይ መልክዕ ኩዕሶ እግሪ'ዩ።

ክልተ ኣንጻራውያን ጋንታታት ኣብ ሓደ ሜዳ ምስ ኣተዋ ግን፡ ሕጂ እንታይ ክፍጠር ይኽእል? ዝብል ሓደ ክብድ ዝበለ ስምዒት፡ ኣብ ኣለይትን ደገፍትን እተን ጋንታታት ክሰርጽ፣ ክሳብ ምዝዛም እቲ ጸወታ ድማ ሓቢሩ ክቕጽል ይጅምር።

ሽሕ'ኳ ሃገራዊት ጋንታ ኣአንጋዲት ሃገር ኤርትራ ካብቲ ውድድር ብምግላፋ፡ ህንጥውነት ጸወታ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ህስስ ዝበለ ድባብ ሒዙ እንተተዛዘመ፡ ተንተንቲ ስፖርትን ተዓዘብትን ዝንኣዱዎ ቴክኒካዊ ክእለት ዝተላበሰ ጸወታ፡ ብምርኣይ ግን ዝኽሪ ኣንቢራ ሓሊፋ'ያ።

ካብ ጸወታ ሓሊፉ ግን፡ እቲ ኣጋጣሚ ጎረባብታ ዝኾና ሃገራት፡ ኤርትራ ሰላማዊትን ህድእትን ምኻና ንምርኣይ ዝፈጠሮ ዕድል ብቐሊሉ ዝርኣይ ዘይምኻኑ፡ ፕሬሲደንት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣብርሃም ሓቢሩ።

ማሊያ ቑጽሪ 11 ወዲዩ ዝተጻወተ ኤርትራዊ ተመስገን ተስፋይ፡ ሃገራዊት ጋንትኡ ምስ ኬኒያ ኣብ ዝነበራ ወሳኒ ጸወታ፡ ብሉጽ ብቕዓት ብምርኣይ ክሳብ መወዳእታ እቲ ጸወታ ደገፍቲ ምቁጽጻር ዝኸኣለ ተጻዋቲ'ዩ።

ተመስገን ተስፋይ፡ ብሉጽ ተጻዋቲ ሴካፋ ትሕቲ 15 2019

ሴካፋ 'ብሉጽ ተጻዋቲ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት 2019' ኢሉ ዝሰመዮ ተመስገን ድማ፡ ሃገራዊት ጋንትኡ ክሳብ መወዳእታ ክትቕጽል እንተዘይክኣለት'ውን፡ ብሕጂ ግን 'ሃገረይ ካባይ ብዙሕ ትጸበ' ብምባል፡ ኣብቲ መድረኽ ዝርኣዮ ደገፍን ሞራልን ተዓዘብቲ መግቢ ሕሊና ኮይኑዎ ከም ዝተባባዕ ይዛረብ።

"ኣብ ሃገርና ክካየድ ዝቐነየ ናይ ሴካፋ ጸወታ፡ ንዓይ ብጣዕሚ ጽቡቕ ነይሩ፤ ንፍላይ ሞራል ደገፍትና ዘሕጉስ ነይሩ። በዚ ኽኣ ዕጉባት ኢና። እቲ ምትራፍና ድኣ'ዩ 'ምበር ጸወታና ዘዕግብ እዩ ነይሩ። ኣብ ቐጻሊ ንሃገረይ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እየ ከብጽሓ ዝደሊ፤ ከምዚኣ ጠርኒፎም እንተሒዞምና ኣብ ትሕቲ 17 ዓመት ዘይንዕወተሉ መገዲ የለን" ኢሉ።

ኣብ ጸወታ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት 2019፡ ኩዕሶ ረጊጽካ ብምጽዋት ናብ መጥቃዕቲ ምኻድ ዝብል ቴክኒካዊ ጸወታ ዘርኣየት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ 'ዘመናዊ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ' ኣብ ሜዳ ምርኣይ ክኢላ'ያ ኢሎም፡ ኣሰልጠንትን ሰብ ሞያ ኩዕሶ እግርን ንኢዶምዋ።

ኤርትራ ኣዝያ ሰላማዊት ሃገር ምኻና ምንጽብራቕን ዝሓሸ ጸወታ ኣብ ሜዳ ምርኣይን ዝብሉ ዕላማታት ሒዙ ናብ ሜዳ ከም ዝኣተወ ዝዛረብ ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ መኮንን ዘውዴ፡ መጋጥምቶም ሒዞምዎ ዝመጽኡ ጸወታ ምስቲ ዝገበሩዎ ምድላው ከም ዘይተመጣጠነ የልዕል።

"ኣዳላዊት ሃገር ብኣጋ ካብዚ ውድድር ምእላያ፡ ንጸወታ ሴካፋ ኣቑሪሩዎ'ዩ። ክኸውን ኣይነበሮን፤ ግን ኩዕሶ ናይ ባዕላ ስራሕ ኣለዋ፤ ዝከኣለና ጌርና ስርሓ ኽኣ ጎዲኡና። ንመጻኢ ግን እዞም ቆልዑ ተስፋ ዘለዎም ምኻኖም ርእየ ኣለኹ" ብምባል በቲ ዝተኻየደ ጸወታ ሕጉስ ምኻኑ ይዛረብ።

ኩዕሶ ንሓርበኝነት

ኣብዚ ፈላማይ ጸወታ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት፡ ጉዳይ ዕድመ፣ ኣካላዊ ቅርጽን ስነ ልቦናን ተጻወትቲ ተሳተፍቲ ሃገራት፡ ኣሰልጠንቲ ገለ ሃገራውያን ጋንታታትን ተዓዘብትን ዘካትዐ ዛዕባ'ዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ናብ ኤርትራ ዝተጉዓዘት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን፡ ሃገራዊት ጋንታ አአንጋዲት ሃገር ኤርትራን ዝነበሩወን ተጻወትቲ፡ ብምኽንያት ኣካላዊ ዕብየቶም ኩዕሶ'ውን ብሓይሊ ክሃርሙ ኣይኽእሉን።

ሓላዊ ልዳት ሃገራዊት ኬኒያ፣ ገለ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳን፡ ካብቶም ብዝተፈላለዩ ሸነኻት፡ ዝሕመዩ ዝነበሩ ተጻወትቲ'ዮም።

Presentational white space

ዕውታት ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት 2019

  • ዝለዓለ ሸቶ ብኤጋንዳዊ ተጻዋታይ ኬዬዩኔ ኣባሲ ተመዝጊቡ
  • ኤርትራዊ ተጻዋታይ ተመስገን ተስፋይ ኮኸብ ተጻዋታይ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት ኮይኑ
  • ብሉጽ ሓላዊ ልዳት ኬኒያዊ ሉዋንጉ ኣልቪን ነይሩ
  • ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ነቲ ውድድር ሳልሰይቲ ኮይና እንትትዕወተሉ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኬኒያ ሓፈሻዊ 11 ሸቶታት ብምምዝጋብ ካልአይቲ ኮይና

እንተኾነ፡ እዞም ብኣካለዊ ብቕዓት፣ ሳይንሳዊ ስፖርታዊ ታዕሊም፣ ተሞኩሮን ካልኦት ረቛሒታትን፡ ጸቒጥካ ክስርሐሎም ዝግባእ ቆልዑት ግን፡ ኩዕሶ እግሪ ረዚን ቋንቋ ሃገራዊ ስምዒትን ሓርበኝነትን ምኻኑ ዘርኢ መድረኽ ፈጢሮም'ዮም።

ደገፍቲ ብጸወታ ተሓጒሶም ብውጽኢት እንትሓዝኑ፣ ስዕረት ዝበጽሖም ተጻወትቲ ርእሶም ኣድኒኖም ዝገበሩዎ ንሕንሕ፣ ኣሰልጠንቲ ዓወት እንትቐንዖም ኮነ እንትተርፎም ዘረባ እንትጠፍኦም፡ ርኢኻ 'ንሃገራዊ ስምዒት ወይ ክብሪ' ምኻኑ ምግንዛብ ኣይኸብድን።

ምድብ ክልተ ብምምራሕ 23 ነጥቢ ሒዛ ውድድራ ዝዛዘመት ሻምፒዮና እዚ ቶርናመንት ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ፡ ብዕድመ ተጻወትታ ተሓሚያ፡ ብኽእለት ተጻወትታ ድማ ተናኢዳ እያ።

ኣሰልጣኒ እዛ ጋንታ ማግርዋ ጃክሰን፡ ጋንትኡ ንኣንጻራዊት ጋንታ ኬኒያ 4 ንባዶ ስዒራ ሻምፒዮና ምኻና እንትተረጋግጽ፡ መሬት ስዒሙ ሓጎሱ ብኣውያት እንትገልጽ፡ ምሽጢር ዓወቱ ምዝራብ ግን ኣይክኣለን ነይሩ።

ኩዕሶ እግሪ ብዝፈጥሮም ስምዒታት ኣቢልካ፡ ኩነታት ሓደ ማሕበረሰብ ክትፈልጥ ወይ ብዛዕብኡ ክትመሃር ትኽእል ኢኻ።

ካብ ሓሳቡ ክሳብ ውጽኢቱ፡ ኩዕሶ እግሪ ምኽንያት ገይሮም ዝግለጹ ማሕበራዊ ጉዳያት ነይሮም። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ኣብ ገጸካ ብምልካይ፣ ማሊያታት ብምኽዳንን ባንዴራ ብምንብልባልን እቲ ውሽጥኻ ዝዓቖሮ ርሱን ወነ ምንጽብራቕ፡ ብዙሕ ግዘ ኣብ ሜዳታት ኩዕሶ እግሪ ይርአይ'ዩ። እዚ፡ ኣብ ገለ ሃገራት ባህሊ ኮይኖም'ዮም።

ሩሲያውያን ቅድሚ ኣብ እዋን ሻምፒዮን ሺፕ ዩሮ-2008፡ ዝተርኣየ ስምዒት፡ ኣብ ስፖርት ዝኾነ ዓይነት ባህጊ ዘይነበሮም ህዝብታት እዮም።

ወርሒ ሰነ 2008 ግን፡ ሰብነቶም ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝለኸዩ፣ ባንዴራ ዘንበልብሉ ብዙሓት ሰባት፡ ኣብ ጎደናታት ዝተርኣይሉ፣ ዘረብኦምን ክትዓቶምን ኩዕሶ እግሪ ዝኾነሉ እዋን ነይሩ።

ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ሸቶ ኣብ ዘቑጸርሉ እዋን ሓጎሶም እንትገልጹ

ምንጪ ስእሊ, CCSfERITREA

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊት ጋንታ ሩዋንዳ ትሕቲ 15 ዓመት ካብተን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ዝተሳተፋ እያ

ኣብ ሞስኮ 63 ሚኢታዊት ተዓዘብቲ ቴሌቪዠን ኣብ ሞንጎ ኔዘርላንድን ሪሱያን ዝተኻየደ ግጥም ኩዕሶ እግሪ ተኸታቲለሞ። ስፔንን ሩሲያን ንፍርቂ ፍጻመ ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን ድማ እዚ ቑጽሪ 70 ሚኢታዊት በጺሑ ነይሩ ይብሃል።

ኣብ ታሪኽ ሶቭየት ሕብረት ስፖርት ከም ሓደ ናይ ሓርበኛታት ጸወታን ኣፍቃሪ ሃገርን ተገይሩ ቅድሚ ምውሳዱ፡ ብዙሓት ሰባት ዘይርድኡዎ ይውሰድ ነይሩ። ቁውም ነገር ናይ ዘይብሎም ሰባት ተገይሩ ይቑጸር ነይሩ።

ድሮ ግን ዓለማዊ ቋንቋ ኾይኑ ብዕድመ ዝነኣሱ ተጻወትቲ ከይተረፈ የራኽብ፣ ሃገራት የተሓዋውስ፣ የላልን ቐጻሊ ተስፋ ይህብን ኣሎ።

ኤርትራ ዘአንገደቶ ፈላማይ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 15 ዓመት ሃገራት ማእኸላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ድማ፡ ሃገር ዘስምዩ ብቑዓት ተጻወትቲ ክፈርዩን፡ ሃገራት እቲ ዞባ ዝምድናታተን ምሕያል ናብ ዘኽእሉ ረብሓታት ከሽርፍኦን ተተስፍይሉ'ሎ።