ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንዝተፈፀመ ብልሸውና ዘቃለዐ ጋናዊ ጋዜጠኛ ኣሕመድ ሑሴን ተቐቲሉ

ገንዘብ ዝህብን ዝቕበልን ሰባት

ጋናዊ በዓል ሞያ መርመራዊ ጋዜጠኝነት ኣሕመድ ሑሴን፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ንዝተፈፀመ ብልሸውና ዘቃለዐ ኮይኑ፡ ብሽጉጥ ተወቒዑ'ዩ ተቐቲሉ።

ንሱ ብሕቡእ እናተኸታተለ ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም ምስተረኣየ፡ ሓደ ፖለቲከኛ፡ ኣሕመድ "ብዘጥፍኦ ጥፍኣት" ንክቕፃዕ ፃውዒት ኣቕሪቡ ነይሩ። ብመኪንኡ ትማሊ ሓሙስ ናብ ገዝኡ ይኸይድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝተተኮሶ ጥይት ድማ ተቐቲሉ።

ፀብፃብ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ከም ዘመልክቶ፡ መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ብሞተር ሳይክል ስዒቦም፡ ኣብ ልዕሊኡ ሰለስተ ግዜ ብምትኳስ ቀቲሎምዎ።

ታይገር ኣይ (ዓይኒ ነብሪ) ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ትካል ምርመራዊ ስርሓት፡ ብኣባልነት ይሰርሕ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኣሕመድ፡ ብልሸውና ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ዝርከበሉ ደረጃ ኣቃሊዑ ነይሩ።

ብሕቡእ ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም፡ ሓለፍቲ ኩዕሶ እግሪ ዘይግቡእ ገንዘብ እናተቐባበሉ ዘርእይ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት ፕረዚደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ጋና፡ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ናይ ዕድመ ልክዕ ማዕቀብ ክውሰኖ ክኢሉ።

ቢቢሲ ኣፍሪቃ ኣይ ዝተበሃለ ፕሮግራም ኣብቲ ዝተፈፀመ ብልሽውና ዘድሃበ መደብ ሰሪሑ ነይሩ። ቢቢሲ ነቲ ፍቓድ ዝረኸበ ድማ ታይገር ኣይ ንዝተበሃለ ትካል ካብ ዝመርሕ ጋዜጠኛ ኣናስ ኣረማየው ኣናስ እዩ።

እቲ ሰነዳዊ ፊልም ብቢቢሲ ምስ ተረኣየ፡ ኣባል ባይቶ ጋና ዝኾኑ ኬኔዲ ኣግያቦንግ፡ ብቪድዮ ኣብ ዝተፈነወ መልእኽቲ፡ ንስእሊ እቲ ጋዜጠኛ ሒዞም "ኣብ ዝረኸብኩምዎ ውቕዕዎ፤ ዝኾነ ይኹን ኣነ ክኸፍል እየ" ኢሎም ነይሮም።

እቲ ጋዜጠኛ ምስ ተቐተለ፡ ኣናስ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣባሎም ስለዝተቐተለ ስቕ ዝብልሉ ኩነት ከም ዘይህሉ ተዛሪቡ።

ኣሕመድ ኣብ ከተማ ኣክራ ዝርከብ ማዲና ኣብ ዝበሃል መንደር፡ ኣብ ኣፍ ልቡ ክልተ ጥይት፡ ኣብ ክሳዱ ድማ ሓደ ግዜ ከም ዝተሃረመ ተፈሊጡ'ሎ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ብምዃን ዝተፈላለዩ መደባት ዝሰርሐ ኮይኑ፡ ኣብ ማላዊ ብዝፍፀሙ ባህላዊ ስርዓታት፡ ናይ ደቂ ሰባት ኣካል ከመይ ከም ዝሽየጥ ዘርእይ ሰነዳዊ ፊልም ሓደ ካብቶም መደባቱ እዩ።

ኣብ ጋና ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ዝፍፀም መጥቃዕቲ ዘይተለመደ ክኸውን ከሎ፡ መረዳእታ ዓለማዊ ፌደሬሸን ጋዜጠኛታት ከም ዘመልክቶ ግን፡ ቅድሚ ዓመት ሓደ ጋዜጠኛ ተቐቲሉ'ዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝወፀ መረዳእታ ከም ዝሕበሮ ከኣ ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ሸሞንተ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም።