ሆንዱራስን ኤል-ሳልቫዶርን፡ ኲናት ዝወለዐ ግጥም ኩዕሶ እግሪ

ምንጪ ስእሊ, PA
ኣብ 1969፡ ጋንታታት ኤል-ሳልቫዶርን ሆንዱራስን፡ ህይወት ኣሽሓት ዝበልዐን ኣሽሓት ዘመዛበለን፡ ናይ ኣርባዕተ መዓልቲታት ኲናት ገጢመን።
እዚ ኣብ ታሪክ ኩዕሶ እግሪ ዓለም፡ ደማዊ ግጭት ኮይኑ ተመዝጊቡ።
ድሕሪ ኣብ ሜክሲኮ ስታዲም ኣዝቴካ ዝተኻየደ ናይ 90 ደቓይቕ ጸወታ፡ ክልቲኤን ጋንታታት ኣብ ማዕረ ነጥቢ 2-2 እየን ነይረን።
እዚ ኣብ ሰሙናት ዝተኻየደ ሳልሳይ ጸወታ ኮይኑ፤ ኣብ 1970 ንዝካየድ ዋንጫ ዓለም ዝተገበረ መጻረዪ ጸወታ'ዩ። ዳርጋ ሓንቲ ሃገር ኣርእያቶ ዘይትፈልጥ ከቢድ ንሕንሕን ድማ ነይሩዎ።
ሆንዱራስ ኣብ ሜድኣ ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ ቀዳማይ እግሪ፡ ሓደ ንባዶ ረቲዓ። ኣብ ርእሰ ከተማ ኤል-ሳልቫዶር፡ ሳን ሳልቫዶር ኣብ ዝካየድ ናይ መልሲ ጸወታ ድማ፡ ሰለስተ ንባዶ ክትረትዓ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
እንተኾነ፡ ክልቲኡ ጸወታ ብናዕቢ ተበቲዑ።
ውጽኢት እቲ ጸወታ ዝውስን ግጥም ተወሰኽቲ 11 ደቓይቕ ክካየድ ምስጀመረ፡ ተጻዋቲ ኤል-ሳልቫዶር ማውሪኮ "ፒፖ" ሮድሪጌዝ፡ ዝረኸቡዋ ፍጹም ቅላዕ ናብ ሓላዊ ልዳት ጋንታ ሆንዱራስ ጄሚ ቫሬላ ብምውቃዕ ሸቶ ኣቑጺሩ።
"ሸቶ ምስ ኣቑጸርኩ፡ በቲ ዝተረፈ ውሱን ደቓይቕ ምሳና ማዕረ ዝገብሮም ሸቶ ከቑጽሩ ኣይኽእሉን ኢለ ገሚተ" ኢሉ ሮድሪጌዝ ድሕሪ 50 ዓመት። "በታ ሸቶ ክንዕወት ኢና ኢለ ርግጸኛ ኮይነ ነይረ"።
ኤል-ሳልቫዶር 3-2 ተዓዊታ። ተጻወትቲ እታ ጋንታ ተሓቛቚፎም፣ ኣእዳዎም ንሰላምታ ተጨባቢጠን ሓጎሶም ገሊጾም።
ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ሰሙን ግን፡ ሃገራት እዘን ጋንታታት ናብ ኲናት ኣትየን።

ክንዲ ዌልስ እንትኸውን ኤል-ሳልቫዶር፡ ኣብ 1969፡ 3 ሚሊዮን ዝጽጋዕ በዝሒ ህዝቢ ነይሩዋ። መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር፡ ዋንነት መሬት ብዘለዎም ሙሁራት ዝተትሓዘ ኮይኑ፡ ንድኻታት ሓረስቶት ዝተረፈ ንኡሽቶ መሬት ነይሩዋ።
ሆንዱራስ ብተመሳሳሊ ብውሑዳት ወነንቲ መሬት ዝተኸበበት ኮይና፡ 2.3 ሚሊዮን ህዝቢ ነይሩዋ። ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ መላእ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሳልቫዶራውያን ሆንዱራስ ዘለዋ ሰፊሕ ተሓራሳይ መሬት ብምውራር፡ ኣብታ ሃገር ንዝተዋፈሩ ኩባኒያታት ፍራምረ ንምቕራብ ክሰርሑ ይፍትኑ ነይሮም።
ኣብ መወዳእታ ዓመት እቲ ክፍለዘመን፤ 300 ሽሕ ዝኾኑ ኤል-ሳልቫዶራውያን ናብ ጉረቤት ሃገሮም ተሰዲዶም። ውሑዳት ወነንቲ መሬት ዝኾኑ ድማ፡ ነዚ ደጊፎምዎ።
እንተኾነ፡ ሓረስቶት ሆንዱራስ ኣብ ኢድ እቶም ሙሁራት ዝነበረ መሬት ንምምንዛዕ ይቃለሱ ስለ ዝነበሩ ምምጻእ እቶም ስደተኛታት ካልእ ግጭት ክፈጥር ጀሚሩ። መንግስቲ ሆንዱራስ እዚ ምትፍናን ንምህዳእ ክሕግዘኒ'ዩ ዝበሎ ሕጊ ምሕደራ መሬት ሓረስቶት ኣተኣታትዩ።
እቶም ሰበስልጣን ግን፡ ኣብቲ ብሙሁራትን ኩባኒያታት ፍራምረ ኣሜሪካን ዝተትሓዘ መሬት ዘይኮነ ትኹረት ገይሮም፡ ኣብቲ ስደተኛታት ዝዓረፍሉ'ዩ።
ፕሬዝደንት ሆንዱራስ ኦስዋለዶ ሎፔዝ ኣሬላኖ፡ ኣሽሓት ኤል-ሳልቫዶራውያን ክሰጉግ ጀሚሩ።
ኣብ ክሊ እዚ፡ ናይ መሬትን ባሕርን ዶባት ግጭታት ነይሮም'ዮም።
"እቲ ዝዓበየ ነገር፡ እቲ ኲናት ናይ መሬት'ዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ህዝቢ ዘለዋ ነታ ንኡሽቶ ህዝቢ ዘለዋ" ኢሉ፤ ጸሓፊ መጽሓፍ 'ኲናት 100 ሰዓታት' ዳንስ ሃጌዶርን።

ምንጪ ስእሊ, AFP
መንግስቲ ፕሬዝደንት ሳልቫዶራን ፊደል ሳንቼዝ ሄርናንዴዝ፡ ጉዳይ ልዑል ቑጽሪ ናይ ዘለዎም ተመለስቲ ስደተኛታት ንምፍታሕ ይቃለስ ነይሩ። ወነንቲ መሬት እታ ሃገርን ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ይደፍኡ።
ጋዜጣታት ድማ፡ ጸብጻባት ጾታዊ ዓመጽን ቅትለትን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ መጉሃሃርቲ ጸብጻባት ሒዘን ይወጻ።
ኣብተን ሃገራት እዚ ቁጥዐ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን እየን እምብኣር ክልቲኤን ጋንታታት ንግጥም ኩዕሶ እግሪ ተራኺበን።
ሜክሲኮኣዊ ጋዜጠኛ ስፖርት ሪቻርዶ ኦቴሮ፡ "ብዙሓት ንፖለቲካ ዝምልከቱ ጉዳያት ነይሮም'ዮም" ይብል። " ግን ድማ ንዋንጫ ዓለም ዝግበር ሰለስተ መጻረዪ ጸወታ ነይሩ። ኣብ ላቲን ኣሜሪካ ኩዕሶ እግሪ ጽቡቕን ሕማቕን ነገራት ኣብ ምግራሕ ጽቡቕ እጃም ነይሩዎ። ኣብቲ ግዘ እቲ ግን ኣይሓገዘን"።

ምንጪ ስእሊ, Bettmann/Getty Images
"ኤል-ሳልቫዶር ክትዕወት ናይ ምግባር ሃገራዊ ግዴታ ከም ዝነበረና ይስመዐና ነይሩ" ኢሉ ሮድሪጌዝ። "ኩላትና ከይንስዓር ዝብል ስግኣት ከም ዝነበረና ይግምት። ምኽንያቱ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ስዕረት ምትእንጋድ፡ ክብሪ ምስኣንን ንቐጻሊ ህይወትና ዕረፍቲ ምስኣንን'ዩ"።
"ንሕና ዘይንፈልጦ፡ ኣድላይነት እዚ ዓወትን፡ ታሪኻዊ ረብሓ እታ ሸቶን'ዩ ነይሩ። ስለምንታይ? እታ ሸቶ ምልክት ኲናት ክትቑጸር'ያ ዝብል ግምት ኣይነበረናን" ይብል ተጻዋቲ ኤል-ሳልቫዶር ዝነበረ ማውሪኮ "ፒፖ" ሮድሪጌዝ።
'እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ'?
ብ27 ሰነ፡ ኣጋምሸት ኣብ ሜክሲኮ ንዝካየድ ወሳኒ ጸወታ ምድላው ይገብሩ ነይሮም። ኤል-ሳልቫዶር ምስ ሆንዱራስ ዝነበራ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ግን ሓርፋፍ ነይሩ።
ኣብዚ ዕለት፤ ሚኒስትር ውሽጣዊ ጉዳያት ፍራንሲስኮ ጆሴ ጉሬሮ፡ ድሕሪ'ቲ ካልኣይ ጸወታ 12 ሽሕ ዝጽግዑ ዜጋታት ሳልቫዶር፡ ሆንዱራስ ለቒቖም ወጺኦም ኢሉ።
ድሕሪ እቲ ጸወታ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ፡ ማዕኸን ዜና ኣሜሪካ ዝኾነ ዩፒኣይ፡ "እቲ ናይ ኩእሶ እግሪ ኲናት ብዓወት ኤል-ሳልቫዶር 3ን 2 ተዛዚሙ' ዝብል ርእሰ ዜና ዝሓዘ ጸብጻብ ሒዙ ወጺኡ።

ምንጪ ስእሊ, UPI
ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ደገፍቲ ሳልቫዶር፤ "ቀተልቲ...ቀተልቲ..." እናበሉ ይጭርሑ ብምንባሮም 1,700 ፖሊስ ሜክሲኮ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ እተን ጋንታታት ከጋጥም ዝኽእል ግጭት ንምክልኻል ተዋፊሮም ነይሮም።
"ብርሑቕ ነዚ ጸወታ ዝተኸታተለ ሰብ፡ እታ ሸቶ ኲናት ከም ዘልዓለት ገይሩ ኣጸሊሙዋ" ኢሉ ሮድሪጌዝ። "እቲ ኲናት ሽቶ ተቖጸረ ኣይተቖጸረ ምልዓሉ ኣይተርፎን ነይሩ"።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
14 ሓምለ፡ ኤል-ሳልቫዶር ሓይልታታ ሆንዱራንስ ክወሩ ኣዚዛ፤ ደብዳብ ነፈርቲ'ውን ክትፍጽም ወፍሪ ጀሚራ።
ሃገዶርን፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ዞባ ካነል ፓናማ ወተሃደር ኣሜሪካ ነይሩ። "ቀቁሩብ እዝክር፤ ቀስ ኢሉ ጀሚሩ ድሓር እናተጉሃሃረ ከይዱ። ድሓር ኣነ፤ እንታይ'ዩ ዝፍጠር ዘሎ ኢለ? ኬድና እንተርኣና፡ ሳልቫዶራውያን ንሆንዱራስ ምውራሮም ተረዲእና" ኢሉ።
ፖላንዳዊ ጋዜጠኛ ሪዛርድ ካፑሲንኮ፡ ሓደ ካብቶም ውሑዳት ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኩነታት ንምዕዛብ ዝኽኣሉ ጋዜጠኛታት ወጸኢ'ዩ።
ኣብቲ ለይቲ ዝነበረ፡ ካብ ከተማ ሆንዱራስ ጀሚሩ ዝነበሩ ቀዳሞት ናይ ግጭት ክስተታት ብውልቅኡ ሰኒዱ'ዩ። ፕሬዝደንት እታ ሃገር ሎፔዝ ኣሬላኖ፤ ኣብ ኣሜሪካ ምስ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ብዛዕባ እቲ ወራር ይዘራረብ ምንባሩ'ውን ኣውጊዑ ምንባሩ ይገልጽ።
ካፑሲንኮ፡ ኣብ 1978 ኣብ ዝጽሓፎ 'ኲናት ኩዕሶ እግሪ' ዝሰመዮ መዘከርታ፡ "ሆንዱራስ ንስዓር ኣይኮንናን"..."ሰለስተ ንባዶ ክንብቀሎም ኣለና" ዝብሉ ጽሑፋት የንብብ ምንባሩ ይጠቅስ።
18 ሓምለ ተኹሲ ጠጠው ክብል ተገይሩ። ኣብቲ ኲናት ብዙሓት ተመዛቢሎም፣ 3000 ሰባት መይቶም፤ መብዛሕትኦም ሆንዱራናውያን ነይሮም። ብዓለማዊ ጸቕጢ፡ ኤል-ሳልቫዶር ሓይልታታ ካብ ሆንዱራስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣውጺኣ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty
እቲ ኲናት ዝወለዶ በሰላ ግን፡ በዚ ኣየእኸለን። ንዓሰርታት ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዶባተን ዓጽን ንግዳዊ ርክባተን ኣቋሪጸን።
መምህር ዩኒቨርሲቲ ግላስጎው ዶክተር ሞ ሁሜ፡ ኣብ ኤል-ሳልቫዶር ዝነበረ ውሽጣዊ ጸገማት እቲ ናይ ኲዕሶ እግሪ ኲናት ከም ዘበገሶ ትዛረብ። ውሑዳት መሬት ዝወነኑ ሙሁራትን ልዑል ቑጽሪ ዘለዎም ነዚ ዝቃወሙ ሓረስቶትን፡ ዝነበሮም ውጥጥ ዝወለዶ'ዩ ትብል።
"ብምኽንያት ኩዕሶ እግሪ ዝተልዓሉ ዓበይቲ ማሕበረ-ቑጠባዊ ሕቶታት፡ ቀንዲ ምክንያት ናይቲ ካብ 1979 ክሳብ 1992 ዝተኻየ ኲናት ሓድሕድ ኤል-ሳልቫዶር'ዩ" ኢላ።
ክሳብ ሕጂ፤ ኣብ ሞንጎ ክልቲኤን ምትፍናን ኣሎ'ዩ። ብዶብ ዝመኻነይ ግጭት ሕጂ'ውን ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







