ፍሉጥ ተጻዋቲ ኩዕሶ ነበር ፕረዚደንት ጆርጅ ዊያ ኣብ 51 ዓመቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
51 ዓመት ዝዕድሚኡ፡ ፕረዚደንት ላይበርያ ጆርጅ ዊያ ሃገሩ ኣብ ዝገበረቶ ምሕዝነታዊ ግጥም ተጻዊቱ።
ካብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ብሉጽ ተጻዋቲ ዓለምና ክኸዉን ዝበቕዐ ዊያ፡ ኣብቲ ላይበርያ ምስ ናይጀርያ ዝገበረቶ ጸወታ ክሳብ 79 ደቒቕ ክጻወት ከሎ፡ ላይበርያ 2 ን 1 ተሳዒራ።
ዝሓለፈ ጥሪ ፕረዚደንት ኮይኑ ቃለ ማሕላ ዝፈጸመ፡ ኣጥቃዒ ኤሲ ሚላን ነበር ዌያ፡ ተቐይሩ ኣብ ዝወጸሉ ተዓዘብቲ ብጣቕዒት ኣሰንየምዎ።
ሃገራዊት ጋንታ ናይጀርያ ብኣጥቓዒ ለይስተር ዊልፍረድ ዲዲን ፒተር ኤተቦ ካብ ስቶክ ሲቲን ተደላዲላ ኢያ ቐሪባ።
ኤተቦ ንዝቐልዓ ናይ ኩርናዕ ቅላዕ ሲሞን ንዋንኮ ብርእሱ ሃሪሙ ሸቶ ኣቑጺርዋ፤ በዚ ድማ ናይጀርያ ኣቐዲሙ ሄንሪ ኦንየኩሩ ንዘመዝገባ ፈላሚት ሸቶ ብምዉሳኽ፡ 2 ብ 0 ምምራሕ ቀጸለት።
ላይበርያ፡ ካባ ሸርማን ብዘመዝገባ ናይ ፍጹም ቅላዕ፡ ሓንቲ ሸቶ ብምርካባ ጸወታ 2 ብ 1 ተዛዚሙ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







