ጆርጅ ዊሃ ፕረዚደንት ላይቤሪያ ኮይኑ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዊሃ ፕረዚደንት ላይቤሪያ ኾይኑ ተመሪጹ።
ካብ ዝሓለፈ ሰሉስ ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ብዝተገበረ ቖጸራ ድምጺ፡ ጆርጅ ዊሃ ተነሓናሒኡ ጆሴፍ ቦካይ ልእሊ 60 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ስዒሩ።
ዓወት ዊሃ እንትብሰር፡ ደገፍቱ ኣብ ርእሰ ከተማ ሞንሮቪያ ምኽባር ጀሚሮም።
ጆርጅ ዊሃ፡ ፈላመይቲ ኣፍሪቃዊት ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ጆንሰን ሰርሊፍ ክትክእ'ዩ።
ዉጽኢት እቲ መረጻ ዕላዊ ድሕሪ ምዃኑ፡ "ናይታ ሃገር ሙሉእ ስምዒት ኣብ ዉሽጠይ ወሪሩኒ" ክብል ኣብ ማሕበራዊ ድረ ገጹ ትዊተር ጽሒፉ።
"ሎም መዓልቲ ዝተዉሃበኒ ገዚፍ ሓላፍነት ስራሕን ረብሓን መዚነ'የ ዝቕበሎ። ለዉጢ ክመጽእ'ዩ" ኢሉ።
ጆርጅ ዊሃ መን'ዩ?
ዊሃ ንጋንታት ኩእሶ እግሪ ኣዉሮፓ ፓሪሴንት ጀርመንን ኤስሚላንን ይጻወት ዝነበረ እንትኾን፡ ቅድም ኢሉ'ዉን ኣብ ቼልሲን ማንችስተር ሲቲን ተሰሊፉ'ዩ።
ብሉጽ ተጻዋታይ እዚ ዓመት ብዝብል ሽልማት ፊፋን ባላንዶርን ዝተዓወተ ብሕታዊ ኣፍሪካዊ ተጻዋታይ'ዉን'ዩ።
ኣብ 2002 ካብ ኩዕሶ እግሪ ዓርሱ ድሕሪ ምግላል ኣብ ፖለቲካዊ ምንቅስቓሳት ላይቤሪያ ኣትዩ፡ ኣባል ፓርላማ እታ ሃገር ኾይኑ'ዩ።
ጋንትኡ ዝነበረት ፓሪሴንት ጀርመን (ፒኤስጂ) እንኳዕ ደስ በለካ ኢላቶ ኣላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተዓዘብቲ መረጻ ዉሽጢ ዓድን ወጻእን፡ ከይዲ እቲ መረጻ ዝነኣዱ እንትኾን ካብቲ ዝሃለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ተኻይዱ ዝነበረ ቐዳማይ ዙርያ መረጻ ምዕባለ ዝተርኣዮ ምንባሩ ገሊጾም።
ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዊሃ፡ 384 ሚኢታዊት ድምጺ እንትረክብ፡ ወዲ 73 ዓመት ጆሴፍ ቦካይ 288 ሚኢታዊት ረኺቡ'ዩ። እዚ ዉጽኢት ዘይተማልአ ብምንባሩ ኻልኣይ ዙርያ ክካየድ ምኽንኣት ኾይኑ።
ብሄራዊ ኮሚሽን መረጻ ላይቤሪያ ትማሊ ኣብ ዘዉጸኦ ሓበሬታ 918 ሚኢታዊት ዝተዉሃበ ድምጺ ዝተቖጸረ ኾይኑ፡ ዊሃ 615 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ ኣሎ። ቦካይ ድማ 385 ሚኢታዊት ረኺቡ።
ልዕሊ 2ሚሊዮን ህዝቢ ድምጹ ክህብ ተመዝጊቡ'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







