መቐለ 70 እንደርታ፡ ቃለ መሕትት ምስ ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ

ምንጪ ስእሊ, ATAKLTI/MEKATECHA ENTERTAINMENT

መግለጺ ስእሊ, ዓሚ ኣብ ዝተኻየደ ግጥማት ፕሪምየርሊግ ንጂማ ኣባ ጂፋር ሒዙ ዋንጫ ዓቲሩ

ጋንታ ኩዕሶ እግሪ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀዋታታት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ብ35 ነጥቢ እናመርሐት ተዛዚሙ'ዩ። ካልኣይ ዙር ድማ ኣብዚ ሰሙን ይጅምር ኣሎ።

ነታ ጋንታ ብኣሰልጣኒነት ይመርሕ ዘሎ ገብረመድህን ሃይለ፡ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ስሞም ካብ ዝለዓሉ ብሉፃት ተጻወትትን ኣሰልጠንትን ሓደ እዩ። ክሳብ ንሃገራዊት ጋንታ ተሰሊፉ ዝተፃወተ ገብረመድህን፡ ብኣሰልጣንነት ናይ 20 ዓመት ተሞክሮ ኣለዎ።

ቢቢሲ፡ ቀዳማይ ዙር ፀዋታታት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ከመይ ነይሩ?

ገብረመድህን፡ ኣብቲ መጀመርታ ብዙሕ ዘመክሕ ውፅኢት ኣይነበረናን። ኣብተን ቀዳሞት ሽድሽተ ፀዋታታት ክልተ ግዜ ጥራሕ ኢና ክንዕወት ክኢልና።

ሸሞንተ ነጥብታት ጥራሕ ኢና ክነዋህልል ክኢልና ነይርና። ካብ ድሕሪ ሻብዓይ ፀዋታ ግን ናብ ቅድሚት ክንግስግስ ጀሚርና። ካብቶም ዝሓለፉ ፀዋታታት ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ብፅቡቕ ከይድና።

በዚ ድማ ተኸታተልቲ ፀዋታታት ብዘይገለ ስዕረት ቀፂልና። ስለዚ እቲ ቀዳማይ ዙር ክልተ መልክዕ ነይርዎ። ኣብ ምጅማር ፅቡቕ ኣይነበረን፤ ዳሓራይ ግን እቲ ክንረኽቦ ዝግባኣና ዝለዓለ ነጥብታት ረኺብና።

ኣብ ታሪኽ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ድማ ንፈለማ እዋን ንቀዳማይ ዙር ብ35 ነጥቢ እናመራሕና ክንዛዝም በቒዕና።

ቢቢሲ፡ ቀዳማይ ዙር በዚ ውፅኢት ንምዝዛም፡ ንስኻ ከም ኣሰልጣኒ ወይ ድማ ጋንታ ከም ጋንታ ዝሓዝኩምዎ ትልሚ ነይሩ'ዶ?

ገብረመድህን፡ ትልሚ ክነዳልው ከለና ዓመታዊ ኢና ሒዝና። ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ኣብ ዘሎ ደረጃ ሒዝና ንምዝዛም ኢና ትልሚ ሓንፂፅና። ኣብ ቀዳማይ ዙር በዚ ውፅኢት ንምዝዛም ግን መደብ ኣይነበረናን።

ግን ድማ ዋላ'ኳ ቀዳማይ ኮይንና እንተመራሕና፡ እቲ ውድድር ገና ኣይተዛዘመን ዘሎ። ኣብ ቀፃሊ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ዝፍለጥ ኣይኮነን። ካልኣይ ዙር ኣብ ዝግበሩ ፀዋታታት ኢና ፅቡቕ ምህላውናን ዘይምህላውናን ክንፈልጥ።

ነዚ ውፅኢትና ዓቂብና ክንኸይድ ግን እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ውፅኢት ፅቡቕ ስንቂ ከም ዝኾነና እምነት ኣለኒ።

ቢቢሲ፡ ምስጢር ዓወት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ እንታይ ክኸውን ይኽእል?

ተፃወትቲ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ እዋን ልምምድ

ምንጪ ስእሊ, ATAKLTI/MEKATECHA ENTERTAINMENT

ገብረመድህን፡ ስራሕን ስራሕን ጥራሕ'ዩ። ካልእ ምስጢር የብሉን። ከም ጋንታ ኣብ እንሰርሓሉ እዋን ኩሎም ተፃወትቲ፡ ንግዜ ሰልጠና ዝለዓለ ክብሪ ይህቡ እዮም። ዝለዓለ ድልየት ኣለዎም። ካብዚ ብተወሳኺ ጋንታና ፅቡቕ ደጋፊ ኣለዋ።

ምሉእ ደገፍ'ዩ ዝህበና። 70 ሽሕ ደጋፊ እናደገፈካን ሓሙሽተ ሽሕ እናደገፈካን ትፃወቶ ፀዋታ ውፅኢቱ ማዕረ ኣይኸውንን። ስለዚ ነቶም ተፃወትቲ ኣብ ምትብባዕ ይኹን ውፅኢት ኣብ ምምፃእ እጃም ኣለዎም።

ቢቢሲ፡ ደገፍቲ ብዝምልከት ካብ ኣልዓልካ፡ ሓደ ሕቶ ክውስኽ። ንዝተፈላላያ ጋንታታት እዛ ሃገር ኣሰልጢንካ ኢኻ። ንጂማ ኣባ ጂፋር'ውን ናብ ዋንጫ ኣብቂዕካ ኢኻ። ደገፍቲ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምስ ደገፍቲ ካልኦት ጋንታታት ከመይ ተነፃፅሮም?

ገብረመድህን፡ ደገፍቲ ልክዕ ከም ተፃወትቲ ልምዲ የድልዮም'ዩ። ስርዓት ኣደጋግፋ፣ ኩዕሶ እግሪ እንታይ ከም ዝመስል፣ ስዕረት እንታይ ከም ዝኾነ፣ ናብ ውፅኢት ከመይ ምምላስ ይከኣል ዝብሉን ካልኦትን ክፈልጥ ኣለዎ።

ኣብቲ ስፖርት ከጋጥሙ ዝኽእሉ ነገራት ኩሎም ክግንዘብ ክኽእል ኣለዎ። በዚ መዳይ ብዙሕ ከይዱ'ኳ እንተዘይበልና፡ ብናይ ኣደጋግፋ ስርዓቱ ግን ካብተን ኣብ ፕሪምየር ሊግ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጋንታታት ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ ደጋፊ እዩ።

ኣብ ዝድግፉሉ እዋን ዝኾነ ጎንፂ ኣይስማዕን። ንጋንትኡ ጥራሕ'ዩ ዝድግፍ። ካብዚ ብዝሰገረ ድማ ንኻልኦት ጋንታታት ክድግፉ ንዝመፅኡ የተባብዕ። ኣብ ውፅኢት ጋንታና ዘሕድሮ ፅልዋ'ውን ኣወንታዊ'ዩ። ትሸዓተ ፀዋታት ብዘይ ስዕረት ክንቕፅል ከለና ናይ ደጋፊ ሓይሊ ተወሲኽዎ እዩ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ብሉፃት ክበሃሉ ዝኽእሉ ተፃወትቲ ምሳና'ዮም ዘለዉ ኢልካ'ዶ ትኣምን?

ገብረመድህን፡ ከምኡ ዝብል መደምደምታ የብለይን? ምኽንኣቱ እቲ ስኳድ [ተፃወትቲ ጋንታ] ንፈልጦ ኢና። ዓሚቝ ዝበሃል ኣይኮነን። ዝተወሰኑ ብሉፅ ብቕዓት ዘለዎም ተፃወትቲ ኣለዉና። ግን ድማ ብዙሕ ዘመክሕ ዓይነት ኣይኮነን።

ካልእስ ይትረፍ ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ክስለፉ ዝኽእሉ ተፃወትቲ'ውን ኣይሓዝናን። ገና ሕዚ ክልተ ተፃወትቲ ንኦሎምፒክ ተመሪፆም ኣለዉ። ኣብ ማእኸላይ ደረጃ ክስርዑ ዝኽእሉ ተፃወትቲ ግን ኣለዉና። ሓደ ክልተ ድማ ቅድሚ ሕዚ ንሃገራዊት ጋንታ ዝተፃወቱ ሒዝና'ለና።

እቲ ወሳኒ ነገር ዝኸውን፡ ጋንታ ከም ጋንታ ክንቀሳቐስ ምኽኣሉ እዩ። ብሉፃት ዝበሃሉ ተፃወትቲ ስለዝሓዝካ ጥራሕ ኣይኮነን ውፅኢት ምምዝጋብ ዝከኣል። ሓበራዊ ስራሕ ኣብ ምስራሕ ፅቡቕ ኢና ንኸይድ።

ቢቢሲ፡ ኣሰልጣኒ ካልኦት ጋንታታት ኣብ ዝነበርካሉ እዋን 'ነዛ ጋንታስ ኣነ መሰልጠንክዋ' ኢልካ ተመኒኻ'ዶ ትፈልጥ? እንታይ ነገራት እንተዝመሓየሹ ኢልካኸ ትሓስብ ነይርካ?

ገብረመድህን፡ ካብዚ ከባቢ [ትግራይ] ዝመፃእኹ ብምዃነይ ነቲ ጋንታ ብማዕዶ ክርእዮ ከለኹ ዝፈጥረለይ ስምዒታት ነይሩ'ዩ። ኣብቲ ሽዑ እዋን ግን፡ ጋንታ መቐለ ብቕርፅን ቅድን ዝተፈለየ ነገር ነይርዎ'ኳ እንተዘይበልኩ፡ ብውፅኢት ግን ደሓን ነይሩ።

ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ (ፀጋም) ምስ ኣሰልጣኒ ዮሃንስ ሳህለ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, ATAKLTI/MEKATECHA ENTERTAINMENT

መግለጺ ስእሊ, ኣሰልጣኒ ገብረመድህን ሃይለ (ፀጋም) ምስ ኣሰልጣኒ ዮሃንስ ሳህለ (የማን)

ከመይ ዓወት የመዝግቡ ከም ዝነበሩ'ውን ይከታተሎም ነይረ። ዝበዝሕ እዋን ሸቶ ኣብ ምቑፃር ፀገም እንተነበሮም'ውን ኣብ ምክልኻል ግን ፅቡቕ ነይሮም። ካብ ሜድኦም ወፃኢ ኣብ ዝገብርዎም ፀዋታታት ግን ስዕረታት ከጋጥሞም ይዕዘብ።

ብሓፈሻ ግን ብደገ ኮይነ ክርእዮ ከለኹ፡ ደጋፋይ ዓቕሚ ፈጢሩሉ ከም ዝነበረ ክግንዘብ ክኢለ። ከምዚ ዝበለ ደጋፊ ኣብ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያ ክርእይ ከለኹ ንፈለማ እዋን'ዩ። ተፃዋትን ኣሰልጣንን ኮይነ ከምዚ ዝበለ ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን።

ስለዚ 70 ወይ 80 ሽሕ ደጋፊ ንዘለዋ ጋንታ 'ከሰልጥን ኣለኒ' ኢልካ ዘይትለዓዓለሉ ምኽንያት የለን።

ቢቢሲ፡ ንኻልኣይ ዙር ፀዋታት ፕሪምየርሊግ እንታይ ዝተፈለየ ምድላዋት ገይርኩም ኣለኹም?

ገብረመድህን፡ ጋንታና ናብ ሻምፒዮንነት ትግስግስ'ያ ዘላ። ስለዚ እቲ ምምራሕ ዓቂብና ክንቕፅል ኢና ንደልይ። ናይ ስነ-ልቦናን ብቕዓት ኣካልን ምድላው ገይርና ኢና። ናይ መጀመርታ ክልተ ፀዋታታት ኣብ ሜዳና ዝካየዳ ስለዝኾና ክንዕወተለን ተዳሊና ንርከብ።

ካብኡ ንደሓር ዘሎ ግን ሽዑ ዝረኣይ እዩ። ይኹን ደኣ'ምበር ነጥብታት ንምርካብን ዓወት ዓቂብካ ንምኻድን ሰለስተ ኣርባዕተ ፀዋታታት ክትስዕር ምኽኣል ወይ ድማ ነጥቢ ሒዝካ ምውፃእ ኣገዳሲ እዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ካልኣይ ዙር ብጥንካረ ንምቕራብ ምድላዋት አካይድና'ለና።

ቢቢሲ፡ ጋንታኻ ንናይዚ ዓመት ዋንጫ ክትዓትር'ያ ዝብል እምነትን ትፅቢት ይህልወካ'ዶ?

ገብረመድህን፡ ከም ተመልካቲ፣ ስፖርተኛ ወይ በዓል ሞያ ኮይንካ ክትርእዮ ከለኻ፡ ኣይኮነን'ዶ እናመራሕካ እናተመራሕኻ'ውን፡ እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ኣፅቢበ ናብ ቅድሚት ክመፅእ ኣለኒ ኢልካ ኢኻ ትብገስ።

ተፃወትቲ ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ

ምንጪ ስእሊ, ATAKLTI/MEKATECHA ENTERTAINMENT

ክትስዕር ኢኻ ምድላው ትገብር'ምበር ንኽትሰዓር ኣይኮነን። ስለዚ ናተይን ናይ ተፃወትትን ድልየት ከምኡ'ዩ። ይኹን ደኣ'ምበር እቲ ዝፍጠር ኣብ ቅድሚት ዝረኣይ'ዩ ክኸውን። ንኹሉ ነገር ገና ኢና ዘለና።

ኣብ ሕዚ ኮይናን 'ሻምፒዮን ክንኸውን ኢና' ምባል ቁሩብ ክኸብድ'ዩ። ዝተወሰኑ ፀዋታታት ምርኣይ ኣገዳስነት ኣለዎ። 15 ግጥማት ኣብ ቅድሜና ይፅበዩና ኣለዉ። ካልኦት'ውን ከምቲ ንሕና ንረኽቦ ዘለና ውፅኢት ዘይረኽባሉ ምኽንያት የለን።

ዝሓሸ ውፅኢት ክንረክብ እውን ግን ንኽእል ኢና። ድልየትና ውፅኢት ዓቂብካ ናብ ዋንጫ ምግስጋስ'ዩ።

line

ምንጪ ስእሊ፡ ኣታኽልቲ ደጀኔ/መካተቻ ኢንተርቴይመንት