መሰረት ማኒ፤ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ እተሰልጥን 'እንኮ' ኣፍሪካዊት

ኢንስትራክተር መሠረት ማኒ

ምንጪ ስእሊ, Meseret Mani

መሰረት ማኒ፡ ኣብ ድሬዳዋ 'አንደኛ መንገድ' ኣብ ዝበሃል ከባቢ ደቻቱ ተወሊዳ። እቲ ከባቢ ናብቲ ሑጻ ዝቐረበ እንትኾን፡ ኩዕሶ ንምጽዋት ዝጥዕም እዩ።

ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርታ ኣብ ለገሃሪ፤ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ድማ ኣብ ድሬዳዋ ላዕለዋይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ተማሂራ።

ፊፋ ብ1983 ዓ.ም ጽዋዕ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምጅማሩ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኩዕሶ ክጻወታ ኣይፍቀድን ወይ ኣይድለይን ነይሩ። ኮይኑ ግና እዚ ካብ ተጻዋትነት ይኹን ካብ ኣሰልጣንነት ዝዓገታ ኣይነበረን።

ፈላመይቲ ኣፍሪካዊት ኣሰልጣኒት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ካብ ምዃን ዝኸልከላ'ውን የለን። ንሳ'ውን እንተኾነት ዝኾነ ደው ከብላ ኣይትፈቅድን።

ህይወትኣሰልጣናይነት

ኣሰልጣናይነት፡ ገና ኣብ አዋን ቁልዕነታ ከም ዝጀመረት'ያ ትገልጽ መሰረት።

''መሓዙተይ ኣኪበ 'ድል በትግል' ዝበሃል ጋንታ መስሪተ። ቀጺለ 'ህንጻ ብዱን'፤ ካብኡ ድማ መድህን ድርጅት ውሱን ሓገዝ እናገበረለይ ከሰልጥን ጀሚረ። ድሕሪኡ ድማ ሴቭ ዘ ቺልድረን ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ጋንታታት መስሪተ ከሰልጥን ጀሚረ''።

መሰረት፡ ብተወሳኺ ቴንስን ኩዕሶ መረብን 'ውን ተሰልጥን ነይራ።

ኣብ 1970ታት ዝነበራ ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ምስ ፈረሳ፡ መሰረት ብ1986 ዓ.ም ፈላማይ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ብምምስራት ሽማ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ኣመዝጊባ።

ኣብ 2004 ዓ.ም ፕሪምየር-ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ምስተጀመረ ድማ፡ ናይ ከተማኣ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሒዛ ተሓዊሳ።

መሠረት ማኒ ዘሰልጠነቶ ጋንታ ከዕሶ መረብ ድሬዳዋ ከነማ [1977]

ምንጪ ስእሊ, MESERET MANI

ድሬዳዋ ከነማ

መሰረት ማኒ፡ 2007 ዓ.ም ኣብ ታሕተዋይ ሊግ ተሳታፊ ዝነበረ ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ድሬዳዋ ከነማ ተረኺባ፡ ናብ ፕሪምየርሊግ ክተሕልፍ ጻዕሪ ምግባር ጀሚራ።

ዋላ'ኳ ፈታኒ ዝበሃል እንተነበረ ብዙሕ ከምዘይከበዳ እትገልጽ መሰረት፡ ካብ ቁልዕነታ ጀሚራ ኣወዳት እናሰልጠነት ምዕባያ ከምዝሓገዛ ትዛረብ። ኮይኑ ግና ብጾታኣ ዝምዝንዋ 'ውን ከምዝነበሩ ትዝክር።

''ናይ ደቂ ተባዕትዮ ጋንታ ከመይ ኢሉ ንጓል ኣንስተይቲ ይወሃብ? ይቕይዑ ድዮም ዘለዉ?'' ዝብሉ ኣይተስኣኑን።

''ንፖለቲካዊ ረብሓ'' እዩ ተገይሩ ኢሎም ክሳብ ናብ ከንቲባ ዝኸዱ 'ውን ነይሮም። እንተኾነ ነዓይ ተወሳኺ ሓይሊ እዩ ኮይኑኒ።

ካብቶም ተጻዋቶ 'ውን ''ከምይ ኢላ እዚኣ ትመርሐና'' ዝብሉ ነይሮም። ብፍላይ ኣብ ቀዳማይ ዙር እቲ ውደድር ከቢድ ከምዝነበረ ትገልጽ።

ኣብ ካልኣይ ዙር ግን ነዞም ጸገማት ብምእላይ፡ "ካብቶም 12 ጸወታታት፡ 11 ስዒርና፤ ሓንቲ ድማ ማዕረ ተፈላሊና'' ብምባል ነገራት መስመር ምሓዞም ትዛረብ።

ጉዕዞ ናብ ፕሪምየርር ሊግ ኢትዮጵያ

ድሬዳዋ ከነማ ብኣሰልጣኒት መሰረት ማኒ እናተመርሐ ናብ ፕሪመርሊግ ኣትዩ። ብዙሕ ሰብ ድማ ብናእዳ ኣጣቐዐላ።

ፕሪመር ሊግ ካብቲ ብሄራዊ ሊግ ዝኸበደ እኳ እንተኾነ ንመሰረት ግን ብዙሕ ኣየጨነቓን። ዕላማ እቲ ክለብ መሊስካ ናብ በሄራዊ ሊግ ዘይምውራድ ዝነበረ እንትኾን፡ ሓሳብ መሰረት ግን ዓወት ምሕፋስ እዩ ነይሩ።

''መጀመርታ ዝነበሩ ኣርባዕተ ጸወታታት ክንስዕር ኣይከኣልናን። ካብ ሓምሻይ ጸወታ ንደሓር ግን እናመሓየሽና መጺና። ኣብ ቀዳማይ ዙር ሓምሻይ ደረጃ ሒዝና ወዲእና። እዚ ድማ ካብ ብሄራዊ ሊግ ንዝመጸን ብጓል ኣንስተይቲ ንዝምራሕን ጋንታ ዓብዪ ዓወት ነይሩ'' ትብል።

መሠረት ማኒ

ምንጪ ስእሊ, MESERET MANI

ይኹን'ምበር፡ ውጽኢት ካልኣይ ዙርያ ድሬዳዋ ከንቆልቁል ጀሚሩ። መጀመርታ ኣብ ዝተኻየዱ ሓሙሽተ ግጥማት ጽቡቕ ውጽኢት ኣመዝጊቡ ዝነበረ ጋንታ፡ ሰለስተ ነጥቢ ምርካብ ኣብዩዎ።

"ክሳብ ሕዚ ክሓስቦ ከለኹ ኣይበርሀለይን። ንደቀይ [ተጻወትቲ] እቲ ጸገም እንታይ'ዩ ኢለ ሓቲተ ዘዕግብ ምላሽ ግን ኣይረኸብኩን። ሕዚ'ውን ገለ ተጻወትቲ ክረክብ ከለኹ ይሓትት'የ፡ ዋላ ሓደ ነገር'ኳ እንተዘይበሉኒ ዝኾነ ነገር ከም ዘሎ ግን ይስምዐኒ'ዩ" ትብል።

በዚ መገዲ ክቕጽል ኣይደለኹን ዝበለት መሰረት፡ "ገንዘብ ደልየ ኣይኾንኩን ወጺአ፤ ጽዕንቶታት ግን በዚሖም። ኩዕሶ እግሪ ድማ ናጽነት ይደሊ'ዩ። ኣነ 'የቐንየለይ' ኢለ ተሰናቢተ ወጺአ" ኢላ።

እዚ ዝኾነ ብ2008'ዩ። መሰረት ኣብ 2002 ሉሲ ተረኪባ ናይ ባዕላ ታሪኽ ሰኒዳ።

እታ ጋንታ ንፈለማ ግዘ ብጓል ኣንስተይቲ ኣሰልጣኒት ክትምራሕ ክኢላ፤ ዝተውሃባ ኩንትራት ንሰለስተ ወርሒ ጥራሕ'ኳ እንተኾነ።

መሰረት ድሕሪ እዚ፡ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ዝርከብ ፌደሬሽን ስፖርት ኢትዮጵያውን ብዝቐረበላ ጻውዒት ናብ ኣሜሪካ ኸይዳ።

ናብ ኣሜሪካ ቕድሚ ምኻዳ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ሉሲ ዳግም ተረኪባ ክተሰልጥን ጀሚራ ነይራ [2009]፤ ካብ ኣሜሪካ ክትምለስ ከላ ግን እቲ ቦታ ንኻልእ ተዋሂቡ ጸኒሑዋ።

ጋንታ ሉሲ ንኻልኣይ ግዘ ብኣሰልጣንነት ኣብ ዝሓዘትሉ እዋን ግን፡ ኣብ ዋንጫ ሴካፋ ንምስታፍ ነታ ጋንታ ሒዛታ ኸይዳ'ያ። እቲ ውድድር ሳልሰይቲ ኾይና ብምዝዛም ድማ ሜዳሊያ ነሓስ ሒዛ ናብ ዓዳ ተመሊሳ።

መሰረት ሕዚ ሓድሽ መጽሓፍ ክተሐትም ትዳሎ ኣላ። 'የስኬት ተምሳሌት' ዝብል መጽሓፍ፡ ኣብ ህይወታ ዘጋጠማ ዓቐብ ቑልቑለት ዝተመልኦ ተጓንፎታት ዝሕብር'ዩ።

መሠረት ማኒ

ምንጪ ስእሊ, MESERET MANI

2012. . .

መሰረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ጋንታ ክዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኣዲስ አበባ እናሰልጠነት እያ ትርከብ።

ኣብ ቀዳማይ ዲቪዥን ዝርከብ ጋንታ እታ ርእሰ ከታማ፡ ሻድሻይ ደረጃ ሒዙ ፅዋታ እዚ ዓመት ዛዚሙ ኣሎ።

መሰረት መጻኢኣ የሰክፋን የሕስባን እዩ። ምኽንያቱ ብዙሓት ትልምታት ኣለውዋ።

120 ቆልዑ ዝርከብሉ ኣካዳሚ ህጻናት ኣለዋ። እዚ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብጻሕ ሕልማ እዩ። ይኹን'ምበር ብዙሓት ተስፋ ዘቑርጹ ኣጋጣሚታት ከምዝዘገወንፉዋ እያ ትዛረብ። እቲ ሞያ ክትገድፎ ውን ኣሚታ ነይራ።

"ብዙሓት ሰባት ግን እዚ ውሳነይ ኣይቅበሉዎን። ብፍላይ ኣነ ዘሰልጠንኩዎም እቲ ሞያ ከቋርጾ ኣይደልዩን። ስለዚ ብዙሕ ከፍ ኢለ ክሓስባሎም ዘድልዩኒ ነገራት ኣለዉ" ትብል።

ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ፤'ውን ኣፍሪቃ ብሕታዊት ኣሰልጣኒት ኩዕሶ ደቂ ተባዕትዮ ከይኮነት ኣይትተርፍን።

እዚ ብዝምልከት እንታይ ከምዝስማዓ ሓቲትናያ። ብሕታዊት ምዃና ዘይኮነስ፡ ዕውትቲ ምዃና እዩ ዝበለጸ ዘሕጉሳ።

"ይከኣል እዩ ዝብል መንፈስ ምሕዳረይ እዩ ደስ ዝብለኒ፤ ደቂ ኣንስትዮ ብጾታና ዘይኮነስ ብኽእለትናን ዓቕምናን ክንምዘን እዩ ደስ ዝብለኒ" ኢላ።

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፤ ነዳቒት፣ ሃናጺት፣ መሃንዲስ ከምኡ'ውን ኤሌክትሪሽያን ክትከውን እንተኾይና ነቲ ሞያ ዝኸውን ፍልጠት ክትሕንገጥ ከምዘለዋ'ያ ትዛረብ፤ መሰረት።

"እዚ ንምግባር ግን ብዙሕ ጻዕሪን ድኻምን የድሊ እዩ። ሕልሚ'ውን ክህልወና ኣለዎ" ብምባል ሓሳባ ትኽምብት።