ዳኒኤል ዮሃንስ፡ ኣጸዋውታ ቀይራ ብዝተለማመደቶ ከኣ ዕውት ስራሓት ሰሪሓ

ኣብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዳይረክተር ቴክኒክን ናይ ካፍ ኢንስትራከተርን ዝኾነ ኣቶ ዳኒኤል ዮሃንስ

ምንጪ ስእሊ, DANIEL YOHANNES

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዳይረክተር ቴክኒክን ናይ ካፍ ኢንስትራከተርን ዝኾነ ኣቶ ዳኒኤል ዮሃንስ

ኣብ ውድድር ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ትሕቲ 20 ዓመት ትሳተፍ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፡ ብቐዳም ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ኣንጻር ኡጋንዲ ኡጋንዳ ኣብ ዘካየደቶ ጸወታ ማዕረ 1 ብ 1 ምፍልላያ ይዝከር።

እዘን ክልተ ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ 2010 ኤርትራ ኣብ ዘአንገደቶ ተመሳሳሊ ውድድር፡ ንዋንጫ መን ወሰደ ገጢመን ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ብፍጹም ቅላዕ ንኤርትራ ስዒራ ተዓዋቲት እቲ ውድድር ኮይና ነይራ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ምስ ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳ ሱዳን ጅቡትን ኣብ ምድብ ተደላዲላ ዘላ ኮይና፡ ሎሚ ምስታ ንሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ 4 ንዜሮ ዝሰዓረት ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን ኣብ ዝገበረቶ ናይ ምድብ ጸወታ፡ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ብዝተመዝገበታ ፍጹም ቅላዕ 3 - 3 ብዝኾነ ወጽኢት ጸወታኣ ዛዚማ፡ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጅቡቲ ንዝህልዋ ናይ ምድብ ጸወታ ተቋምት ኣላ።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ዝቖመት ኮይና፡ ኣብ ናይ መስከረም ውድድራት ንምስታፍ ድማ ክትዳሎ ከም ዝጸንሐት ኣብ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዳይረክተር ቴክኒክን ናይ ካፍ ኢንስትራከተርን ዝኾነ ኣቶ ዳኒኤል ዮሃንስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

"እዛ ሃገራዊት ጋንታ እዚኣ ንነዊሕ ክትዳሎ ከላ፡ እቲ ፍልስፍና ናታ፡ ንሓደ ጸዋታ ተባሂሉ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ቀንዲ ሽግራት ናይ ኩዕሶ ሃገርና ሓደ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብምቕራብ፡ ነቲ ሽግር'ቲ መፍትሒ ዝኸውን ኣገባብ ኣጸዋውታ ሜላን ክትፍትኖ ተባሂሉ'ዩ ተዳልያ።"

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ 2012

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ 2012

ኣብዚ ትሳተፎ ዝተሳተፈቶ ውድድር ጽቡቕ ውጽኢት ምምዝጋባ ድማ፡ እቲ ክተኣታቶ ተደልዩ ዘሎ ሓድሽ ፍልስፍና ተስፋ ዝህብ ምዃኑ'ዩ ኣቶ ዳኒኤል ዝዛረብ።

"ከምዚ ንርእዮ ዘሎና ኸኣ እቲ ኣገባብ ኣጸዋውታ ወይካኣ ፍልስፍና ኣጸዋውታ ቀይራ ብዝተለማመደቶ ዝፈተነቶም ከኣ ዕውት ስራሓት ሰሪሓ፡ ነቲ ፍልስፍና ርዒማ ኣብዚ ውድድር ኣትያ። ድሮ ኸኣ ኣብዚ ውድድር ክሳብ ሕጂ ከይተሳዕረት፡ ዋላው'ን ኣብዚ ናይ መጨረስታ ጸወታ ምስ ሱዳን 3 ብ 2 እናመርሐት ኣብ ዝሞተ ግዜ፡ ኣከራኻሪ ዝኾነት ዘይትግባእ ፐናልቲ ብምሃብ ማዕረ ወጺኦም ኣለዉ" ይብል ኣቶ ዳንኤል።

ቀጻልነት ናይዛ ጋንታ እንታይ ምዃኑ ክምልስ እንከሎ ድማ፡ "እዛ ናይ ትሕቲ 20 ግን፡ እንታይ'ዩ እቲ ዝድለ መደብ ናታ እንተ ኢልካኒ፡ ጽቡቕ ትጻወት እንድሕር ኣላ፡ ብዙሓት ተጻወቲ ናብታ ዓባይ ጋንታ ብምስጋር፡ እቲ ቀጻልነት ናይቲ ስራሕ ኣብ ዓባይ ጋንታ ምርኣይ'ዩ እቲ ዘድሊ"

እታ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተመስረተት ሃገራዊት ጋንታ፡ ዋላኳ ኣብ ፈለማ እዋናት ናጽነት ድሓን ተስፋ ዝህብ ዝነበራ እንተኾነ፡ ድሓር ግን ምስ ምድኻም ናይ ክለባት ውድድራትን፡ ምጥፋእ ተጻወትን ካብ ውድድራት ክትቦኩር ተገዲዳ ጸኒሓ'ያ።

እዚ ናይ ሕጂ ምንቅስቓሳ፡ ግን ሓድሽ ተስፋ ዝበርበረን፡ ሓያል ሃገራዊት ጋንታ ንምህናጽ ዝሃቀነ ይመስል ኣሎ። እዛ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ጋንታ ድማ፡ ነቲ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ንምውቃዕ ዝዓለምት'ያ።

"ከምዚ ድሮ ጀሚርናዮ ዘለና ኣብ ናይ ዋንጫ ዓለም መጻረዪ፡ ከምኡ'ውን ኣብ መጻኢታት ዘሎ ናይ ኣፍሪቃን፡ ዓባይ ሃገራዊት ጋንታ ክትሳተፍ ስለዝኾነት፡ እቶም ብቑዓት ዝባሃሉ ብብዝሒ ናብታ ሃገራዊት ጋንታ ብምስጋር እቲ ኣጸዋውታን ተጻወትን ቀጻልነት ከም ዝሕዙ ምግባር'ዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ትሳተፎ ዘላ ውድድር'ውን ዋንጫ ናይ ምዕታር ሃቐነኣ ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ'ዩ እቲ በዓልመዚ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝገልጽ።

"እቲ መደብን ዕላማን፡ ንዋንጫ ምብጻሕን፡ ዋንጫ'ውን ሒዝካ ምምለሳ'ዩ፡ ግን ድሮ ከምዚ ዝርእዮ ዘለኹ፡ ቴክኒካዊ ኣቀራርባ ናይቶም ዳያኑን ኩነታት ጸወታን፡ ብዙሕ ብድሆታት ክህልዋ'ዩ እዛ ሃገራዊት ጋንታ። ነቲ ብድሆታት ዝሽፍን ሓያል ብቕዓት ኣርእያ ብጸቢብ ከይጸንሐት ክትወጾ ተስፋ ንገብር። ስለዚ ዕላማና ዋንጫ ንምውሳድ'ዩ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብቲ ዓንኬል ዋንጫ ክሳብ'ቲ መጨረስታ ምጽዋት'ዩ።፡

"ምናልባት ሕጂ ብዙሕ ሰብ ዋንጫ ንምውሳድ፡ ወይ ድማ ኣብቲ ላዕሊ ንምብጻሕ ይጽበ ይኸውን፡ ከምኡ'ውን ትምኒትና ይኸውን፡ ግን፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣጸዋውታን፡ ሓድሽ ኣገባብ ኣተሃናንጻ ጋንታን ንፈተነ ኢሉ ተቐሪቡ ጽቡቕ ተበጊሱ ዘሎ፡ ንሱ ብቐጻልነት ኣብ ምሓዝ ቀንዲ ዕላማ ጌርና፡ ነዚ ሓጺር ዓወት ዘይኮነ ንቐጻሊ ኣብ ዝዓበየ ደረጃታት ብኸምዚ ዓይነት መሳጢ ኣጸዋውታ ውጺኢት ከነምጽእ እዚ ናይ መጀመርያ ደረጃ'ዩ፡ ስለዚኣብ ቀጻሊ ኸኣ ምሕያል፡ ዝዓበየ ዕላማና'ዩ" ይብል ኣቶ ዳንኤል።

ሓላፊ ቴክኒክ ኵዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣቶ ዳንኤል ዮውሃንስ፡ "ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ተበጉሶ'ዚ ህንጡይነት ሓዲሩና፡ ዋንጫ ጥራይ ክንጽበ የብልናን፡ በዚ ተበግሶ'ዚ ኣቐዲምና ኻኣ ክንዛነ የብልናን፡ ኣብ ቀጻሊ ስራሕ ግን፡ ዝሓሸ ውጽኢትን ዝለዓለ ደረጃን ክንበጽሕ ተስፋ ኣለኒ።"