ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንምስታፍ ኡጋንዳ ኣትያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ግጥማት ሴካፋ ንምስታፍ ካምፓላ ኡጋንዳ ከም ዘምርሐት ካብ ፈደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ግጥማት ቀዳም 21 መስከረም፡ ኣብ ምድብ ሓደ ዝርከባ ጋንታታት ሱዳንን ጅቡትን ብዝካየድ ግጥማት ዝኽፈት ኮይኑ፡ ስዒበን ኤርትራ ምስ ኣኣጋዲት ሃገር ኡጋንዳ ክገጥማ እያን።
ብዘይካ'ዚ ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝርከባ ቡሩንዲን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ስታድዩም ንጀሪ ክጻወታ እየን።
ሰንበት ጸወታ ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ኢትዮጵያን ታንዛንያን፤ ኬንያ ድማ ምስ ዛንዚባር ክገጥማ ምዃነን ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ማእከላይን ምብራቕን ኣፍሪቃ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣፍሊጡ።
ብዘይካ እተን ዓርብን ቀዳም ክኣትዋ ምዃነን ተገሊጹ ዘሎ ዛንዚባር፡ ኢትዮጵያን ሶማልን፡ እተን ካልኦት ኣብዚ ግጥም ዝሳተፋ ኩለን ሃገራውያን ጋንታታት ናብ ኡጋንዳ ኣትየን ምህላወን'ውን ገሊጹ።
እተን 11 ጋንታታት ኣብ ሰለስተ ምድባት ዝተደላደላ ኮይነን፡ ካብ ምድብ ሓደን ክልተን ሰሰለስተ ጋንታታት፡ ካብ ምድብ ሰለስተ ድማ ክልተ ጋንታታት ናብቲ ብዕለት 29ን 30ን ዝካየድ ግጥማት ፍርቂ ፍጻመ ካሓልፋ እየን።
ምድብ ሓደ፤ ኡጋንዳ፡ ሱዳን፡ ኤርትራ፡ ጅቡቲ
ምድብ ክልተ፤ ኬንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ዛንዚባር፡ ታንዛንያ
ምድብ ሰለስተ፤ ቡሩንዲ፡ ደቡብ ሱዳንን ሶማልያን
ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ ነቲ ኣብ 2010 ዝተኻየደ ግጥማት ኤርትራ ኣአንጊዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







