ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር 'ዳርጋ ኩለን ሃገራት' ጥርዓን ኣቕሪበን

መሪሕነት ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ ትሕቲ 15 ዓመት፡ ኣብ ድሮ ምዝዛም እቲ ኣብ ኣስመራ ክካየድ ዝቐነየ ፀወታ፡ ሎምዓልቲ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።
እቲ ፀወታ በቲ ዝተደለየሉ ኣገባብ ይኸይድ ምህላዉን ጽባሕ ብዕሊ ከምዝዛዘምን ድማ ገሊፁ።
ኣብቲ ሎሚ ዓመት ዝተኻየደ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ 10 ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ፡ ዕድመ ተፃወትቲ ዓብዪ ኣዘራራቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።
ዳርጋ ኩሉን ሃገራት ጥርዓን ዘቕረባ እንተኾና ዛጊት ብፅሑፍ ዕላዊ ጥርዓን ግን ካብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ከምዝተቐበሉ ላዕለዋይ ሓላፊ ሴካፋ ኒኮላስ ሙሰኜ ተዛሪቦም።
"ኢትዮጵያ ተፃወትቲ ኡጋንዳ ልዕሊ 15 ዓመት ዕድመ ዘለዎም መናእሰይ ሒዛ ኢያ ቀሪባ ብምባል ከሲሳ ኣላ" ኢሎም።
ብመሰረት እቲ ክሲ፡ ግቡእ ምርመራን ምፅራይን ከም ዝግበር ድማ መሪሕነት ሴካፋ ንጋዜጠኛታት ገሊፁ ኣሎ።
ኣብቲ ክካየድ ዝቐነየ ፀወታ ኩዕሶ እግሪ ሴካፋ፡ MRI ዝተበሃለ መመርመሪ ዕድመ እንተይኮነስ ፓስፖርት ተፃወትቲ ከምዝተጠቐሙ ኣባል መሪሕነት እቲ ውድብ ዶሪስ ፔትራ ተዛሪበን።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ ፀወታ ትሕቲ 17 ዕድመ፡ ብ MRI (ኤም ኣር ኣይ) ዝተሓገዘ እሞ ድማ ብሓካይም ሴካፋ ቅድመ ምርመራ ከምዝግበር ተገሊፁ ኣሎ።
ኣሰልጣኒ ኡጋንዳ ብወገኑ፡ ሃገራት ክሲ ከቕርባ መሰለን እዩ ኮይኑ ግን ንሕና ወላ ሓደ ተፃዋቲ ልዕሊ 15 ዕድመ የብልናን እንትብል ነቲ ክሲ ነፂግዎ።
"እቲ ፀገም፡ ሰባት ነቲ ፀወታ ካብ ዘለዎም ግጉይ ርድኢት እዩ ዝምንጭው" ኢሉ።
ንፉዕ ተፃዋታይ እንተኾይኑ ብልሙድ እዚ ብዕድመ ዓብዪ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ጥርዓን ከምዝቐርብ እቲ ኣሰልጣኒ ይዛረብ።
"ንሕና ገና ካብ ደቂ 12 እንተለዉ ኣትሒዝና ኢና ብዝግባእ ኣሰልጢንናዮም፡ ካልኦት ሃገራት እውን ድኽመተን ክእርማ ንገርወን" ኢሉ።
ብፍላይ ላዕለዋይ መራሒ ሴካፋ ኒኮላስ ሙሰኜ ኣብ ዘስመዕዎ ዘረባ፡ ኤርትራ ስለ እቲ ዘርአየቶ ሰናይ ኣቀባብላን ኣገልግሎትን ብስም ውድቦም ልዑል ምስግና ኣቕሪቦም።
"ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ዘለዎ ርድኢት ክንነግር ንደሊ ኢና" እውን ኢሎም።
"መራኸብቲ ሓፋሽ ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ክሳብ መፈፀምታ ኣብ ጎኒና ስለዝነበርኩም ድማ ንንእድ" ኢሎም ኒኮላስ።
ፀወታ ሴካፋ ፅባሕ ኬንያን ኡጋንዳን ንዋንጫ ብዘካይደኦ ንሕንሕ ክዛዘም እዩ።
ኩዕሶ ብዘይካ ተመልካቲ ስለዘይደምቕ፡ ህዝቢ ኣብ ስታድዮም ኣስመራ ተረኺቡ ነቲ መዛዘሚ ፀወታ ክርእይ ተዓዲሙ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







