ኬንያ፡ ንኤርትራውያን ገያሾ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቪዛ ክትህብ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያ ንኤርትራውያን ገያሾ፡ ብኢንተርነት ቪዛ ክሓቱ ከም ዘፍቀደት ዳይረክተር ኣገልግሎታት ኢሚግረሽን ኬንያ ሚስተር ኣሌክሳንደር ሙተሺ ገሊጹ።
እቲ ዳይረክተር ኢሚግረሽን ከም ዝሓበሮ፡ ብናይ ኤርትራ ፓስፖርት ዝንቀሳቐሱ ሰባት፡ ብኢንተርነት ቪዛ ክሓቱ ምስ ዘይክእሉ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ናብታ ሃገር ዝኣትውሉ ቪዛ ክወሃቦም ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኤርትራውያን ናብ ኬንያ ክኣትው ምስ ዝደልዩ፡ ኣብ ኤምባሲታት ኬንያ ክሓቱን፡ ሕቶኦም ናብ ቤት ጽሕፈት ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግረሽን ተላኢኹ ተቐባልነት ክሳብ ዝረክብ ክጽበዩን ዝቕስብ ኣሰራርሓ እዩ ጸኒሑ።
ክሳብ 2012፡ ኤርትራውያን ናብ ኬንያ ኣብ ዝኣትውሉ፡ ቪዛ ይወሃቦም ምንባሩ ዝጠቐሰ እቲ ዳይረክተር፡ ብድሕሪኡ እቲ ኣሰራርሓ ብውሳነ መንግስቲ ከም ዝተቋረጸ ብምሕባር ኣብ ዝርዝራት ክኣቱ ከም ዘይደሊ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብ 3 መጋቢት ኣስመራ በጺሑ ከም ዝነበረን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዛዕባ ዞባዊ ጉዳያትን ሃገራቶምን ከም ዝተዘራቡን ተገሊጹ ነይሩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







