ክእሰር ደልዩ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ ንሕልፈት ተፈሪዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስራሕ ኣልቦ ጀርመናዊ ሰብኣይ፡ ክእሰር ደልዩ ኣብ ልዕሊ ሓደ ዘዋሪ ብሽክለታ ኮነ ኢሉ መጥቓዕቲ ስለዘውረደ ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።
እቲ ዘዋሪ ብሽክለታ፡ በቲ ዘይፈልጦ ግለ ሰብ ብጽኑዕ ተጎዲኡ ኣብ ሆስፒል ተዓቑቡ ይርከብ።
እቲ ወዲ 62 ዓመት ቤት ኣልቦ ሰብኣይ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ ዘድሊ ሓልዮት ክረክብ ብዝብል ሓሳብ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሞ ተገሊጹ።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብስሰዐ ገይርዎ ብምባል ንሕልፈት ክኣስሮ ወሲኑ።
ብተወሳኺ፡ እዚ ቤት ኣልቦ ሰብኣይ ናይ ኮምፕዩተር ሊቕ ከም ዝነበረን፤ ገንዘቡ ኣብ ኤውሮጳ ብዝገብሮ ዝነበረ ዙረት ከም ዘባኸኖን ስርሑ ከምዝሰኣነን ተፈሊጡ።
ነቲ መጥቃዕቲ ክፍጽሞ እንከሎ፡ መንበሪ ገዛ ከም ዘይነበሮን፡ ናይ መኪንኡ ልቸንሳ ከኣ ወዲቑ ሓያል ግዜ ገይሩ ነይሩ።
እዚ ሰብኣይ፡ ነቲ ናብኡ ገጹ ዝመጽእ ዝነበረ ወዲ 48 ዓመት በዓል ብሽክለታ በቲ መገዲ ናይ ብሽክለታ እናተጉዓዘ እንከሎ እዩ ሃሪምዎ።
እቶም ፈራዶ፡ ነዚ "ናይ ስሰዐ ግብሪ" ከም ፈተነ ቕትለት እዮም ርእዮምዎ።
እቲ ዘዋሪ ብሽክለታ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ፡ ስነ- ኣእምሮኣውን ኣካላውን ማህሰይቲ ከምዝበጽሖ'ውን ተገሊጹ።
ኣፈኛ ናይቲ ቤት ፍርዲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ገዛ ኣልቦ ሰብኣይ፡ ገለ ናይ ጣዕሳ ምልክት ከምዘርኣየን፡ ናይ ጥሮታኡ ገንዘብ ከኣ ነቲ ግዳይ ክህቦ ከም ዝኾነን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







