'ጸሊም ሽሑር' ተጠቂሙ 242 ሚልየን ዶላር ዝኣከበ 'ወዲኒ'

ሲሶኮ ምስናይ ፍሽኽታኡ
መግለጺ ስእሊ, ሲሶኮ ኣብ ሓደ እዋን 400 ሚልየን ዶላር ነይርዎ- ሕጂ ግን ድኻ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ

ሓደ መዓልቲ ኣብ 1995 ሓደ ፎታንጋ ባባኒ ሲሶኮ ዝተባህለ ሰብ ናብቲ ማእከላይ ቤትጽሕፈት ዱባይ ኢስላሚክ ባንክ ብምእታው፡ ንመኪና መግዝኢ ዝኸውን ልቓሕ ክዋሃቦ ይሓትት። እቲ ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ባንክ ድማ ክህቦ ተሰማሚዑ። ብድሕሪኡ ሲሶኮ ነቲ ኣካያዲ ስራሕ ናብ ገዝኡ ንድራር ዓዲምዎ። ወኪል ቢቢሲ ብሪጂት ሸፈር ከምትብሎ፡ እዚ መታኣታተዊ ናይቲ ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ኣዝዩ ደፋር ሽጣራ እዩ ነይሩ'ያ ትብል።

ኣብ ድራር ድማ ሲሶኮ ሓደ ዘደንጹ መግለጺ ይህብ። ነቲ ኣካያዲ ናይቲ ባንክ ዝኾነ መሓመድ ኣዩብ፡ 'ብላክ ማጂክ' ማለት ትእምርታዊ ሓይሊ ወይ ሽሑር ከም ዝውንን ነጊርዎ። በዚ ሓይሊ'ዚ ድማ ንዘለዎ ገንዘብ ብዕጽፊ ከም ዝወስኽ ክገብር ከምዝኽእል ይነግሮ። ክኣምን እንተደልዩ ድማ ኣብ ዝቕጽል ገለ ገንዘብ ሒዙ ክመጾ ዓዲምዎ።

ሽሑር ኣብ ምስልምና ርኹስ'ዩ ብዝብል ኩኑን'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ብዙሓት ነቲ ጉዳይ ከም ዝኣምንሉ'ዩ ዝንገር። ስለዝኾነ ድማ'ዩ ኣዩብ በዚ ካብ ሐንቲ ኣብ ሩሑቕ ቁሸት ናይ ማሊ ዝመጸ ለመጭን ሚስጢራዊ ዝኾነን ነጋዳይ ተሰሊቡ።

ንካልኣይ ጊዜ ገንዘቡ ሒዙ ኣብ ገዛ ሲሶኮ ምስ በጽሐ፡ ሓደ ሰብ ካብቲ ገዛ ....'ጀንንን...'ኢሉ እናጉረዐ ካብቲ ገዛ ነፊጹ ወጺኡ ኣጥቂዕዎ። ነቲ ኣጂን ዝበሎ መንፈስ ከየቖጥዖ ከኣ ኣጠንቂቕዎ፡ እንተዘይኮይኑ ገንዘቡ ብዕጽፊ ከም ዘይምለሰሉ ነጊርዎ። ስለዚ ኣዩብ ነቲ ገንዘብ ኣብታ ታኣምራታዊት ወይ ማጂክ ክፍሊ ደሕሪ ምቕማጥ ክጽበ ጀመረ።

ንሱ ከም ዝብሎ መብራህትን ትክን ሪኡ። ድምጺ ናይ መናፍስቲ'ውን ተሰሚዕዎ። ብደሕሪኡ ሕድኣት ሰፊኑ።

ፎታንጋ ባባኒ ሲሶኮ
መግለጺ ስእሊ, ስእሊ: ማያሚ ሄራልድ

እቲ ገንዘብ ድማ ከምቲ ዝበሎ ዕጽፊ ኮይኑ።

ኣዩብ ድማ ተሓጒሱ-ገንዘብ ምሕፋስ ክጅምር'ዩ።

"ብላክ ማጂክ'ዩ ኢሉ'ዩ ኣሚኑ- ሲሶኮ ንገንዘቡ ዕጽፊ ክገብሮ ከም ዝኽእል" ይብል እቲ ኣብ ማያሚ ዝምቕማጡ ኣብ መወዳእታ ነቲ ገበን ክምርምር በቲ ባንክ ዝተቖጸረ ጠበቓ ኣላን ፋይን።

"ስለዚ ናብ ሲሶኮ ገንዘብ ክልእኽ ጀሚሩ- ናይቲ ባንኪ ገንዘብ፡ ዕጽፊ ኾይኑ ከምለሶ ድማ'ዩ ትጽቢቱ"።

ካብ 1995 ክሳብ 1998 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣዩብ 183 ጊዜ ናብ ናይ ሲሶኮ ናይ ባንክ ሕሳብ (ኣካውንት) ገንዘብ ኣሰጋጊሩ። ሲሶኮ ብወገኑ ብዙሕ ናይ ባንክ ለቓሕ (ክረዲት ካርድ ቢልስ) ነይርዎ። ነዚ ድማ ኣዩብ'ዩ ኣብ ክንድኡ ኾይኑ ዝኸፍለሉ።

ዱባይ ኢስላሚክ ባንክ
መግለጺ ስእሊ, ዱባይ ኢስላሚክ ባንክ

ኣብ 1998 ሓደ ጋዜጣ እቲ ባንክ ኣብ ጸገም ከም ዝኣተወ ድሕሪ ምጽሓፉ፡ ብዙሓት ምስቲ ባንክ ዝነበሮም ገንዘብ ከውጽኡ ኣብ ኣፍደገ እቲ ባንክ ክእከቡ ጀሚሮም።

ሰበስልጣን ዱባይ ነቲ ጉዳይ ብዙሕ ግምት ኣይሃቡሉን። "ኣብ ናይቲ ባንክ ኢንቨስትመንትን ሰብ ገንዘብን ፋይናንስያዊ ክሳራ ዘየስዓበ ንእሽቶ ሽግር'ዩ" ብምባል ድማ ክሓልፍዎ ፈቲኖም።

እዚ ግን ሓቂ ኣይኮነን።

"ወነንቲ ናይቲ ባንክ ኣዝዩ ዓቢ ክሳራ'ዩ ኣጋጢምዎም። መድሕን [ኢንሹራንስ] ኣይነበሮምን" ይብል ፋይን። "እቲ ባንክ ብደገፍ መንግስቲ'ዩ ክድሕን ኪኢሉ። ንዕኡ ንምገባር ግን ኣብቲ ባንክ ዝነበሮም ብዙሕ ብርክታት'ዮ ኣረኪቦም"

ፎታንጋ ሲሶኮ'ኸ ኣበይ ነበረ? ሽዑ ኣብ ዝብጻሕ በጺሑ ነይሩ።

ናይቲ ሽጣርኡ ጽቡቕ ነገር ነቲ ገንዘብ ክቕበል ኣብ ዱባይ ክህሉ ኣየድልዮን'ዩ ነይሩ።

ኣብ ሕዳር 1995 ሰሙናት ድሕሪ ንመሓመድ ኣዩብ ምስ ኣጻወቶ፡ ሲሶኮ ናብ ሓደ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ባንክ ብምኻድ ናይ ባንክ ሕሳብ ካብ ምኽፋት ንላዕሊ'ዩ ጌሩ።

"ኣብ ሲቲባንክ ብዘይ ቆጸራ ብምእታው ንሓንቲ ስራሕተኛ ረኺቡ ተመርዕይዋ" ይብል ኣላን ፋይን። "ምስ ሲቲባንክ ዝነበሮ ርክብ ምቹእ ከምዝገበረትሉ ምርዳእ ይከኣል። ስለዚ ድማ ኣብኡ ናይ ባንክ ሕሳብ ድሕሪ ምኽፋት፡ ብግምት ልዕሊ 100 ሚልየን ዶላር ብመገዲ'ቲ ሕሳብ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣሰጋጊሩ።"

ንዝገበረትሉ ሓገዝ ሲሶኮ ንሰበይቱ ልዕሊ ፍርቂ ሚልየን ዶላር ከፊልዋ።

"በየናይ ሕጊ ከም ዝተመርዓዋ ኣይፈልጥን፡ ግና ሰበይተይ ኢሉ'ዩ ዝጽውዓ፡ ንሳው'ን ሰበይቱ ምዃና'ያ ትኣምን" ይብል ፋይን።

"ካልኦት ኣንስቲ ከምዝነበሮኦ ይርዳኣ ነይሩ'ዩ፡ ገለ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ገለ ኣብ ማያሚ፡ ገለ ድማ ኣብ ኒው ዮርክ።"

ፎታንጋ ባባኒ ሲሶኮ
መግለጺ ስእሊ, ብመልክዑን ምዕዳል ገንዘብን ተፈላጥነት ዝረኸበ ሲሶኮ

ሲሶኮ፡ በቲ ዝውሕዝ ዝነበረ ናይቲ ባንክ ገንዘብ ጌሩ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስ መገዲ ኣየር ናይ ምጥራይ ሕልሙ ምትግባር ተታሓሓዞ። ሓንቲ ሃውከር ሲደለይ 125ን ክልተ ዝኣረጋ ቦዊንግ 727 ዝዓይነተን ነፈርቲ ገዚኡ። እዚ ድማ ምውላድ ብስም ናይታ ኣብ ማሊ ዝተወልደላ ዓዲ እትጽዋዕ 'ኣየር ዳቢያ' እዩ ነይሩ።

እንተኾነ ግን ኣብ ሓምለ 1996፡ ሲሶኮ ሓደ ዓቢ ጌጋ ፈጺሙ። ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ ክልተ ናይ ኲናት ቬትናም ዝነበራ ሄለኮፕተራት ክገዝእ ይፍትን።

"ክገዝአን መድለይኡ ምኽንያት ክገልጽ እንከሎ፡ ናይ ሂወት ኣድሕን ናይ ኣየር ኣምቡላንስ ከጥቀመለን ከም ዝደለየ'ዩ ዝዛረብ። እንተኾነ ግን፡ ንሳተን ኣዝየን ዓበይቲ ሄሊኮፕተራት'የን፡ ከምተን ኣብ ኣሜሪካ ካብን ናብን ሆስፒታላት ዝመላለሳ ኣይኮነናን፡ ኣዝየን ካበአን ይዓብያ" ይብል ፋይን።

እተን ሄለኮፕተራት ብረት ክግጠመለን ዝኽእላ ስለዝኾና ድማ ፍሉይ ናይ ሰደድ ፍቓድ ዘድልየን'የን ነይረን።

ተሓጋገዝቲ ሲሶኮ ነቲ መስርሕ ንምቅልጣፍ 30, 000 dollar ብመልክዕ ጉቡ ንሰራሕተኛታት ጉምሩክ ክህቡ ፈቲኖም። እንተኾነ ግን ንርእሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ኢንተርፓል ብወገኑ ሲሶኮ'ውን ኣብ ቀይዲ ክኣቱ መምርሒ ሂቡ። ኣብቲ ካልእ ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍት ዝገሸሉ ከተማ ጀነቫ ኸኣ ተታሒዙ።

ቶም ስፐንሰር፡ ኣብ ማያሚ ዝምቕማጡ ጠበቓ ኾይኑ ንሲሶኮ ክጣበቐሉ ዝተቖጽረ'ዩ። እቲ ኣብ ቻምፕ-ዶሎን ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ጀነቫ ንመጀመርታ ንሲሶኮ ዝረኸበሉ ጊዜ ጽቡቕ ጌሩ'ዩ ዝዝከሮ።

"ምስቲ ሓደ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓላዊ ተዘራሪበ፡ ሲሶኮ ንሕቡራት መንግስታ ኣሜሪካ ክኸይድ'ዩ ኣይኮነን ሓቲቱኒ" ይብል ስፐንሰር።

"ኣነ ድማ 'እምቧእ፡ ክንሪኦ ኢና' እብሎ"። ንሱ ድማ፡ "'በጃኻ ከተዳናጉዮ ትኽእል እንተኾንካ' ይብለኒ"። "'ስለምንታይ?' ድማ እብሎ። ንሱ፡ 'ምኽንያቱ ምሸት ምሸት ኣዝዩ ጽቡቕ መግቢ ካብ ፓሪስ'ዩ ዘመጽኣልና' ይብለኒ። ሽዑ'ዩ ነይሩ ምስ ባባ ሲሶኮ ዝገበርክዎ ናይ መጀመርታን ዘደንጹን ርክበይ"።

ፎታንጋ ባባኒ ሲሶኮ
መግለጺ ስእሊ, ሲሶኮ ረቂቕ ዝኾነ ሽጣራ ዝውንን ሰብ

ሲሶኮ ብቕልጡፍ'ዩ ናብ ኣሜሪካ ከም ዝሰጋገር ኮይኑ። ኣብኡ ድማ ናይ ፍሉጣት ጸለውትን ሰባት ደገፍ ከጎሳጉስ ጀሚሩ።

ድልውነት ናይቶም ንዕኡ ብምድጋፍ ኣብ ናይ በይል መጋባእያ ቤት ፍርዲ ዝተረኽቡ ዲፕሎማሰኛታት ነቶም ዳኛታት ከይተረፈ'ዩ ኣስደሚምዎም። ቶም ሰፐንሰር፡ እቲ ሰነተር ነበር በርክ ባይህ ኣካል ጉጀለ ጠበቓታት ሲሶኮ ክኸውን ምውሳኑ ኣመና ገሪምዎ'ዩ።

"ንርእስኻ ኢኻ እትሓታ፡ ስለምንታይ ዝኾነ ሰብ ንሓደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ረብሓ ዘይብሉን ናይ ወጻኢ ሃገር ዜጋን ክላኸል ይደሊ?" ይብል ፋይን። "ናይዛ ሕቶ መልሲ የብለይን። እንተኾነ ግን፡ ክትሕተት ዘለዋ ኣገዳሲት ሕቶ'ያ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ሲሶሶኮ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ ክጸንሕ'ዩ ድልየቱ ነይሩ። እንተኾነ ግን 20 ሚልየን ዶላር ከፊሉ ብውሕስና ወጺኡ። ብክንዲዚ ገንዘብ ትሕጃ ክኸፍል ኣብ ፍሎሪዳ ተጌሩ ዘይፈልጥ'ዩ።

ድሕሪኡ ፈቐድኡ ገንዘቡ ከጥፍእ ጀሚሩ።

ንጠበቓታቱ፡ ማርሰድስን ጃጓርን ዝዓይነተን መካይን ገዚኡ ህያብ ሂብዎም። እዚ ግን ናይ መጀመርታ ጥራይ'ዩ ነይሩ።

ሲሶኮ፡ ኣብ ሓደ ናይ ስልማት ድኳን (ጀውለሪ) ጥራይ ፍርቂ ሚልየን ዶላር ኣጥፊኡ፡ ኣብ ካልኦት'ውን ከምኡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣጥፊኡ ይብል ፋይን። ኣብ ሓደ ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ክዳውንቲ ዝሸይጥ ድኳን 150, 000 ዶላር ኣጥፊኡ።

"ምጽእ ኢሉ ክልተ ሰለስተ ኣርባዕተ መካይን ይገዝእ፡ ዝቕጽል ሰሙን መጺኡ ድማ ከምኡ ክልተ ሰለስተ ኣርባዕተ መካይን ይገዝእ። በቃ እቲ ገንዘብ ከምዚ ንፋስ'ዩ" ይብል ሸያጢ መካይን ዝኾነ ሮኒል ዱፍሪን።

ንሱ ጥራይ ካብ 30 ክሳብ 35 ዝበጽሓ መካይን ከም ዝሸጠሉ ድማ ይዛረብ።

ብኸምዚ ድማ ሲሶኮ ኣብ ማያሚ ህቡብ ሰብ ክኸውን ኪኢሉ። ድሮ ሓያሎ ኣንስቲ ነይረንኦ፡ እዚ ግን ካልኦት ንክምርዖ ኣይዓገቶን። ኣብቶም ኣብታ ከተማ ዝተኻረዮም 23 ዝተፈላለዩ ኣፓርትመንትታት ድማ'ዩ ዘቐምጠን።

"'ፕለይቦይ [ወዲኒ] ክገልጾ ዝኽእል ቃል'ዩ። ምኽንያቱ ምዕሩግን ምልኩዕን'ዩ። ኣካዳድናኡ'ውን ይበል ዘብል'ዩ። ኣብ ማያሚ ብዙሕ ገንዘብ'ዩ ዘርዪ" ይብል ዘመዱ ንሲሶኮ ዝኾነ ማካን ሙሳ።

ሲሶኮ፡ ንግብረሰናይ እውን ብዙሕ ገንዘብ ይህብ ነይሩ'ዩ። መዓልቲ ፍርዱ እንናተቓረበ ምስመጸ፡ ብጽቡቕ ክፍለጥ የድልዮ ከም ዝነበረ ይረዳእ ነይሩ። ንሓደ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ባንድ ኣብ ናይ ታንክስ ጊቪንግ ኣውዳኣመት ናብ ከተማ ኒው ዮርክ ብምኻድ ምርኢት ከቕርቡ ንምድጋፍ 413, 000 ዶላር ክህብ እንከሎ ብዓይኑ ከም ዝረኣዮ ማካን ሙሳ ይዛረብ።

ሲሶኮ ምስ ኣባላት ናይታ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ዝሃባ ናይ ተምሃሮ ናይ ሙዚቃ ባንድ

ምንጪ ስእሊ, BBC Sport

መግለጺ ስእሊ, ንግብረሰናይ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ከም ህያብ ይዕድል ነይሩ

ፕሮፌሰር ስሚዝ'ውን ኣካል ናይቲ ዝከላኸለሉ ዝነበረ ጉጅለ ጠበቓታት'ዩ ነይሩ። ብዛዕብኡ ክዛረብ እንከሎ፡ ድማ ሲሶኮ ሓሙስ ሓሙስ እናዞረ ገንዘብ ይህብ ከምዝነበረ'ዩ ዝዝክሮ።

"እዚ'ስ ዘመናዊ ሮቢን ሁድ ድኣ ከይከውን ኢለ ይግረም ነይረ። ንምንታይ ዝሰረቕካዮ ገንዘብ ንኻልኦት ትዕድሎ፡ ክርድኣካ ኣይክእልን'ዩ" ድማ ይብል።

"ሓደ ሄራልድ ዝተባህለ መጽሄት ከም ዝጸብጸቦ 14 ሚልየን ዶላር ዓዲሉ። ዓሰርተ ወርሒ ጥራይ ካኣዩ ተቐሚጡ ኣብዚ። እዚ ማለት ካኣ ኣብ ወርሒ ልዕሊ ሓደ ሚልየን'ዩ"

ኣላን ፋይን ከም ዝብሎ ግን፡ "ኩሉ እቲ ዝገብሮ ዝነበረ፡ ሃብታምን ሓያልን ምዃኑ ንሰባት ንምእማን'ዩ። ገንዘብ ይህብ'ዩ እንተኾነ ግን ብዝፍለጠሉ መንገዲ ጥራይ'ዩ ዝገብሮ ነይሩ"።

ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ቀረበ ግን ንምኽሪ ጠበቓታቱ ዕሽሽ ብምባል፡ በደለኛ ምዃኑ ተኣሚኑ።

ምናልባት እቲ ስጉምቲ፡ ብዛዕባ ዝነበሮ ገንዘብ ክመጽኡ ዝኽእሉ ሕቶታት ንምዕባስ ዝሃቀነ ክኸውን ይኽእል'ዩ።

ዝተዋህቦ ፍርዲ ድማ፡ ናይ 43 መዓልታት ማእሰርትን ናይ 250, 000 መቕጻዕትን'ዩ። እዚ ድማ ብዱባይ ኢስላሚክ ባንክ'ዩ ተኸፊሉ፡ ብዘይኣፍለጦኦም ማለት'ዩ።

ፍርቂ ናይቲ ፍርዲ ምስ ኣሕለፈ፡ ሓደ ሚልየን ንግብረሰናይ ድሕሪ ምኽፋል፡ ቀልጢፉ ወጺኡ። እቲ ዝተረፈ ድማ ኣብ ሃገሩ ማሊ ናይ ገዛ እሱር ኮይኑ ከሕልፎ'ዩ ዝግበኦ ነይሩ።

ንዓዱ ምስተመልሰ ግን ናይ ጅግና ኣቀባብላ'ዩ ተጌሩሉ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ድማዮም ኦዲተራት ናይ ዱባይ ኢስላሚክ ባንክ ገለ ነገር ክጥርጥሩ ጀሚሮም። ኣዩብ ክርበሽ ጀሚሩ፡ ንሲሶኮ እንተደወለሉ ምቕባል ኣብይዎ።

ኣብ መወዳእታ ንሓደ ዓርኩ ይነግሮ፡ እቲ ዓርኩ ድማ ክንደይ ዝበጽሕ ገንዘብ ከምዝጠፍአ ይውከሶ። ብቓላት ኣፉ ምዝራብ ኣሕፊርዎ፡ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት 890 ሚለየን ዲርሃምስ ማለት 242 ሚልየን ዶላር (175 ሚልየን ፓውን ስተርሊን) ጺሒፉ የርእዮ።

ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ንሰለስተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዱ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብቲ ዝነበሮ 'ብላክ ማጂክ' ዝባሃል ማሪታዊ እምነት ንምንጋፉ ድማ ከምዝላፋለፍ ተጌሩ።

ሲሶኮ ዝግበኦ ፍርዲ ኣይተዋህበን። ንሱ ኣበዘይተረኽበሉ፡ ሓደ ናይ ዱባይ ቤት ፍርዲ ብምጥፍፋእን ሽሑርን ተጠቂምካ ብዝብል ንሰለስተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪድዎ። ኢንተርፓል ዝተባህለ ዓለምለኻዊ ናይ ፓሊስ ትካል ድማ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ፡ ብሰንኩ ድማ ሲሶኮ ይህደን ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዝተገብረሉ መጸዋዕታታት ዝምልከት ሰነዳት ሪአ ኣለኹ። ንኣብነት ኣብ ፓሪስ ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ዝግብኦ እኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ኣይቀረበን። በሰንኪ'ቲ ኣዩብ ዝገበሮ ይኽሰስ ከምዘሎን፡ እቲ ናይ ባንክ ገንዘብ ናበይ ከምዘበለ ኣይፍለጥን'ዩ፡ እንተኾነ ግን እቲ ቤት ፍርዲ ክዋሓጠሉ ኣይካኣለን፡ ስለዚ ንሲሶኮ ብምጥፍፋእ ገበነኛ ጌርዎ ይብል ጠበቓኡ።

ናይ 2013 ናይ ምርጫ ፓስተር
መግለጺ ስእሊ, ሲሶኮ ኣባል ፓርላማ ማሊ ብምዃን ን12 ዓመታት ኣገልጊሉ

ካብ 2002 2014፡ ን12 ዓመታት ሲሶኮ ኣባል ባይቶ ማሊ ስለዝነበረ፡ ክኽሰስ ኣይክልን'ዩ ነይሩ። ኣብዘን ካብ ባይቶ ወጻኢ ኮይኑ ዘሕለፈን ኣርባዕተ ዓመታት ድማ፡ ማሊ ምስ ዝኾነት ትኹን ሃገር ናይ እሱራት ምስግጋር ውዕል ብዘይምህላዋ ብናጽነት ክነብር ኣኽኢልዎ'ሎ።

እንተኾነ ግን ዱባይ ኢስላሚክ ባንክ ብኣብያተ ፍርዲ ጌራ ኣብ ምህዳኑ'ያ ትርከብ።

ብዛዕባኡ ዝፈልጡ ሰባት ንምዝርራብ ናብ ርእሰ-ከተማ ማሊ፡ ባማኮ ኣቕኒዐ ነይረ።

ንሓንቲ ብጽቡቕ እትዝክሮ ክዳን እትሰፍየሉ ዝነበረት ሰብ ደልየ ረኺበያ።

"ቅድሚ ክልተ ሰለስተ ዓመት'የ ንመወዳእታ እዋን ሪአዮ። ባልጃ ምሉእ ክዳውንቲ ሰፍየሉ። ህያብ እንተዘይሃበ ባህ ኣይብሎን ነይሩ። ከምኡ'ዩ ኣካይድኡ። ንሰባት ህያብ ምሃብ'ዩ ደስ ዝብሎ" ኢላትኒ።

መራሕ መኪናኡ ንዝነበረ ሉካሊ'ውን ረኺበዮ።

"እቲ ጽቡቕ ነገር ናቱ፡ ነገራት እንተቐኒዖሞ፡ ብዙሕ ህያብ ከም ዝህበካ ፍሉጥ'ዩ። ናይ ሰባት ጸገማት ከቃልል'ዩ ባህ ዘብሎ" ይብል። "ብዛዕባ ሕማቕ ነገር ድማ ገለ ክነግረኪ እኽእል'የ። ንሱ ኩሉ ጊዜ ካብ ሓቂ ምንጋር ንሰባት ተስፋ ምሃብ'ዩ ዝመርጽ"።

ኣብ ዕዳጋ ናይታ ከተማ ብምኻድ'ውን ንሓደ ሰራሕ-ወርቂ ኣዘራሪበዮ ነይረ። ሲሶኮ ኩሉ ጊዜ ንኣዕሩኽቱ ዝኸውን ወርቂ ክሰርሓሉ ይሓቶ ምንባሩ ይዝክር።

ኣብ ጥቓ'ታ ዝተወልደላ ዓዱ፡ ዳቢያ ይነብር ኣሎ ዝብል ዘረባታት'ውን ሰሚዐ። ብስም እዛ ኣብ ዶብ ጒኒን ሰነጋልን እትርከብ ዓዲ'ዩ ነታ ጀሚርዋ ዝነበረ መንገዲ ኣየር ሰምዩዋ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ ነዊሕ ሰዓታት ናይ መኪና ጉዕዞ ኸኣ፡ ነታ ዝሰማዕክዋ እትመስል ገዛ ሪአ።

ገዛ ሲሶኮ ኣብ ማሊ
መግለጺ ስእሊ, ገዛ ሲሶኮ ኣብ ማሊ

ሃንደበት ድማ ነቲ ብሓለውቲ ዝተኸበበ ወዲ 70 ዓመት ዝመስል ባባኒ ሲሶኮ እረኽቦ።

ቃለመጠይቕ ክገብር ተሰማሚዑ። እቲ ኩነታት ወጥሪ ነይርዎ፡ ሕልሚ ኮይኑ ድማ ይስማዓካ። ብኸመይ ናብዛ ዓለም ከም ዝተሓወሰ ክነግረኒ ድማ ይጅምር።

"ስመይ ሲሶኮ ፎታንጋ ዲት ባባኒ ይባሃል። ኣብታ ኣነ ዝተወለድኩላ መዓልቲ ኩለን እተን ኣብዚ ከባቢ ዝነበራ ዓድታት ነዲደን። ተቐማጦ እተን ዓድታት ድማ፡ 'ማሪቶ ወዲ ወሊዳ' እንናበሉ ክጭድሩ ጀሚሮም። እቲ ሓዊ ድማ እናበርተዐ ከይዱ። እዚ ከባቢ ዱር'ዩ ነይሩ"።

ድሕሪኡ ድማ ብኸመይ ነታ ዓዲ ዳግም ኣብ 1985 ክሃንጻ ከም ዝጀመረን፡ ብኸመይ ነቲ ገንዘብ ክውንን ከምዝኻኣለን ክዛረብ ጀሚሩ። ኣብ ሓደ እዋን 400 ሚልየን ዶላር ከም ዝነበሮ'ውን ነጊሩኒ።

ሲሶኮ ምስናይ ፍሽኽታኡ
መግለጺ ስእሊ, ሲሶኮ ኣብ ሓደ እዋን 400 ሚልየን ዶላር ነይርዎ- ሕጂ ግን ድኻ ምዃኑ'ዩ ዝዛረብ

ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ካብ ዱባይ ኢስላሚክ ባንክ ዝተቐበሎ 242 ሚልየን ዶላር ሓቲተዮ።

"እምበይተይ፡ እዚ 242 ሚልየን ዶላር፡ እዚ መትሓዚ ዘይብሉ ወረ'ዩ። እቶም ኣካየድቲ ናይቲ ባንክ ብኸመይ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘጥፍእዎ ክገልጹ ኣለዎም። ማለተይሲ 242 ሚልየን ዶላር። ስምዒ፡ ብኸመይ ክንድ'ቲ ዝኣክል ገንዘብ ካብቲ ባንክ ክንቀሳቐስ ይኽእል። እቲ ጸገም ንሱ'ዩ። ንሱ [ኣዩብ] በይኑ ጥራይ ኣይኮነን ነቲ ገንዘብ ክንቀሳቐስ ዘፍቅድ። እቲ ባንክ ገንዘብ ከሰጋግር እንከሎ ሓደ ሰብ ጥራይ ኣይኮነን ዝገብሮ። ሓያሎ ሰባት ክሳተፍሉ ኣለዎም"።

መሓመድ ኣዩብ ከም ዝሰረዮ ከም እዝተዛረበ ድማ እነግሮ።

"እዚ ትብልዮ ዘለኺ ሰብ ሓደ ጊዜ ሪኤዮን ረኺበዮን'የ" ኢሉኒ።

ነቲ ገንዘብ ግን ከም ዘይወሰደ ገሊጹ።

"ምስኡ ዝነበረኒ ርክብ መኪና ክገዝእ ናብቲ ባንክ ምስከድኩ ጥራይ'ዩ። እቲ ባንክ ነታ መኪና ገዚኡለይ፡ ነቲ ለቓሕ ድማ ከፊለዮ። ናይ ጃፓን መኪና'ያ ነይራ"።

ብ'ብላክ ማጂክ' ንሰባት ይቁጻጸሮም ነይሩ እንተኾይኑ ምስ ሓተትክዎ ድማ?

"እምበይተይ፡ ሓደ ሰብ ከምኡ ዓይነት ሓይሊ እንተዝህልዎ ስለምንታይ ይሰርሕ። ክሳዕ ክንድኡ ሓይሊ ንተሎካ፡ ኣብ ዘለኻዮ ኮፊ ኢልካ ኣብ ምሉእ ዓለም ንዘሎ ባንክታት ክትሰርቕ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣሜሪካ፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ኣብ ዝኾነ ቦታ። ወላ ኣብ ኣፍሪቃ። ንዝደለኻዮ ባንክ ክትሰርቕ ትኽእል ኢኻ"።

ብዛዕባ ሃብቱ'ውን ሓቲተዮ።

ብቐጥታ ድማ፡ "ሃብታም ኣይኮንኩን። ድኻ'የ" ብምባል መሊሱለይ። ንናይ ኢንተርፓል መፈንጠራ ሰጊሩ ን20 ዓመታት እናተሃድነ ዘገርም ሂወት ኣሕሊፉ። ወላኳ ንዝነበሮ ገንዘብ እንተዘረዎን ካብ ማሊ ክወጽእ ዘይክእል ይኹን።

ብሰንኪ እቲ በ'ብላክ ማጂክ' ዝሰረቖ ገንዘብ ንሓንቲ መዓልቲ'ውን ትኹን ኣብ ማእሰርቲ ኣይኣተወን።