ኣስመራ፡ ጻዕቒ መኪና ዘይብላ ኣፍሪቃዊት ርእሰ ከተማ

ኮርሳተረ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ማለት ካብ ጎነጽ ክሳብ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ፡ ንርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ብዘይ ልባ ናብ 'ገነት ብሽክለታ' ቐይርዋ።

እታ ካብ 500,000 ዘይበዝሕ ነባሪ ዘለዋ ኣስመራ፡ ውሑድ ዶሞዝን፡ ልዑል ቀረጽ መእተዊ ንብረትን ሕጽረት ነዳዲን ተደማሚሩ ነታ ኸተማ ኣዝየን ውሑዳት መኻይን ከም ዝህልወኣ ይገብራ።

እተን ዘለዋ ውሑዳት ከኣ ግዚኤን ዘሕለፋ ኢየን።

ብሽክለታ ዝዝውሩ ሰባት ኣብ ኣሰመራ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ዓረብያ ኣድጊ ኣብ ኣስመራ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ብተዛማዲ ጽርግያታት ካብ መኻይን ነጻ ኢዩ። መኻይን ጥራይ ዘይኮነ እዛ ኸተማ ሰባ'ውን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብሰሪ ኲናትን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሃጽ ኢሉ ተሰዲዱ እዩ።

ጎደና ሓርነት ኣስመራ

ብሰንኪ ውሁብ ኩነታታ፡ ኣስመራ ዘይከምተን ብጻዕቂ መኻይን ዝዘቕበባ ከተማታት ንዜጋታታ ካልእ ኣማራጺ ቀሪባ ኢያ።

እዚ ምስቲ ዘለዋ ተባሃጊ ኩነታት ኣየር ተደሚሩ ንሰብ ብሽክለታ ተወናውን ከተማ ኮይና'ላ። "ብሽክለታ ኣካል ባህልና ኢዩ" ይብል ወዲ 25 መንእሰይ።

ብሽክለታ ዝተወጥሐ ሰብኣይ ብጎደናታት ኣሰመራ እናሓለፈ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ሓድጊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን ዝኾነ ስነ ህንጻ 'ኣርት ዴኮ' እታ ኸተማ ኣዝዩ መሳጢ ውርሻ ኮይኑ፡ ኣብ መዝገብ ትካል ትምህርቲን ስነ-ፍልጠትን ባህሊን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ ኣሎ።

ጎደና ኣብ ኣስመራ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

መጸገኒ ብሽክለታ (እንዳ ቺኽሊስታ) ኣብ ፈቐድኡ እዩ ዘሎ።

ኤርትራ ኣብ ግዜ ናይ 30 ዓመት ኲናት ንሓርነት ብዘማዕበለቶ መትከል 'ርእስኻ ምኽኣል' ትፍለጥ ኮይና ብዝገጠማ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ከም መኪናን መቀያየሪ ኣቕሑን ካብ ወጻኢ ሃገር ምምጻእ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ዝሓትት ኢዩ።

እንዳ መዐረዪ ብሽኽለታ (ቺክሊስታ) ኣብ ኣሰመራ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ኤርትራውያን ኩሉ ዓይነት ብሽክለታ ኢዮም ዝዝውሩ።

መንእሰያትን ዓበይትን፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ስፖርተኛታትን ኣንስቲ ሓዳርን ኮታ ኣብታ ሃገር ብሽኽለታ ዘይዝውር የለን።

ሓደ ሰብኣይ ብሽክለታ እናዘወረ ብኣፍደገ ዓራዪ ብሽክለታ ይሓልፍ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

እቶም ኣውቶቡሳት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝጥቀሙ፡ ነዊሕ ተጸብዮም ኣብ ዝተጨናነቐት ኣውቶቡሰ ኢዮም ዝሳፈሩ።

"ኣውቶቡሳት ኣረግቶትን ውሑዳትን ኢየን" ትብል መንእሰይ ሰላም። ንሳ ብተወሳኺ "ኣብዚ ብሽክለታ ክትህልወካ ነፍስኻ ከም ምድሓን ኢዩ" ትብል።

ምዕቃብ ኣከባቢ፡ ብመንግስቲ ካብ ዝጉስጎሰሉ ነዊሕ እዩ ገይሩ።

እዚ ድማ ድሩት ምፍራይን ምጥቃምን ፕላሰቲክ፡ ወፈራ ምግራብ፡ ምዕቃብ ሓምላይ ከባብን፡ ምዕዳል ካብ ዱባይን ቻይናን ዝመጻ ብሽክለታታትን የጠቓልል።

ሓደ መንእሰይ ብሽክለታ እናዘወረ ብጎደና ይሓልፍ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ ገንዘብ ዘይርከብ ነገር እዩ። ዋላ'ውን ገለ ተሽከርከርቲ እንተሃለዋ፡ እታ ኣዋጻኢት ናይ መጓዓዝያ መሳለጥያ ግና ሕጂ'ውን ብሽክለታ ኢያ።

ብዙሓት መካይን ኣውቶቡሳት ሓዊስካ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ተዓሺገን ኣለዋ። ስለዚ ሰባት ዘለዎም ኣማራጺ ወይ ብኣግሪ ምጉዓዝ ወይ ብሽክለታ ምጥቃም ኢዩ።

ኣድግን ብዙሓት ብሽክለታን ኣብ ኣሰመራ ኣብ ጎደና ይርኣዩ

ምንጪ ስእሊ, Milena Belloni

ኣብ ኤርትራ ቅድድም ብሸክለታ ኣዝዩ ፍቱው ኢዩ።

እዚ ብኢጣልያውያን ዝተኣታተወ ዓይነት ስፖርት፡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝሕበንሉ ኾይኑ፡ ሞሳና ደበሳይ (ኣብ ስእሊ ትርኤ ዘላ) ትርከባ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ብዙሕ ዓወት ዝተጓናጸፈት ኢያ።

ተቐዳዳሚት ብሽክለታ ሞሳና ደበሳይ ኣብ ኣውሰትራልያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕርቂ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ብምምጻእ መዓልታዊ ህይወቶም ቀሊል ክገብረሎም ብዙሓት ኤርትራውያን ይምነዩ።