እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣስመራ፡ ጻዕቒ መኪና ዘይብላ ኣፍሪቃዊት ርእሰ ከተማ
ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ማለት ካብ ጎነጽ ክሳብ ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎ፡ ንርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ብዘይ ልባ ናብ 'ገነት ብሽክለታ' ቐይርዋ።
እታ ካብ 500,000 ዘይበዝሕ ነባሪ ዘለዋ ኣስመራ፡ ውሑድ ዶሞዝን፡ ልዑል ቀረጽ መእተዊ ንብረትን ሕጽረት ነዳዲን ተደማሚሩ ነታ ኸተማ ኣዝየን ውሑዳት መኻይን ከም ዝህልወኣ ይገብራ።
እተን ዘለዋ ውሑዳት ከኣ ግዚኤን ዘሕለፋ ኢየን።
ብተዛማዲ ጽርግያታት ካብ መኻይን ነጻ ኢዩ። መኻይን ጥራይ ዘይኮነ እዛ ኸተማ ሰባ'ውን ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብሰሪ ኲናትን ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ሃጽ ኢሉ ተሰዲዱ እዩ።
ብሰንኪ ውሁብ ኩነታታ፡ ኣስመራ ዘይከምተን ብጻዕቂ መኻይን ዝዘቕበባ ከተማታት ንዜጋታታ ካልእ ኣማራጺ ቀሪባ ኢያ።
እዚ ምስቲ ዘለዋ ተባሃጊ ኩነታት ኣየር ተደሚሩ ንሰብ ብሽክለታ ተወናውን ከተማ ኮይና'ላ። "ብሽክለታ ኣካል ባህልና ኢዩ" ይብል ወዲ 25 መንእሰይ።
ሓድጊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጥልያን ዝኾነ ስነ ህንጻ 'ኣርት ዴኮ' እታ ኸተማ ኣዝዩ መሳጢ ውርሻ ኮይኑ፡ ኣብ መዝገብ ትካል ትምህርቲን ስነ-ፍልጠትን ባህሊን ዉድብ ሕቡራት ሃገራት (ዩኔስኮ) ተመዝጊቡ ኣሎ።
መጸገኒ ብሽክለታ (እንዳ ቺኽሊስታ) ኣብ ፈቐድኡ እዩ ዘሎ።
ኤርትራ ኣብ ግዜ ናይ 30 ዓመት ኲናት ንሓርነት ብዘማዕበለቶ መትከል 'ርእስኻ ምኽኣል' ትፍለጥ ኮይና ብዝገጠማ ኣህጉራዊ ተነጽሎ ከም መኪናን መቀያየሪ ኣቕሑን ካብ ወጻኢ ሃገር ምምጻእ ኣዝዩ ኽቡር ዋጋ ዝሓትት ኢዩ።
ኤርትራውያን ኩሉ ዓይነት ብሽክለታ ኢዮም ዝዝውሩ።
መንእሰያትን ዓበይትን፡ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ስፖርተኛታትን ኣንስቲ ሓዳርን ኮታ ኣብታ ሃገር ብሽኽለታ ዘይዝውር የለን።
እቶም ኣውቶቡሳት ህዝባዊ መጓዓዝያ ዝጥቀሙ፡ ነዊሕ ተጸብዮም ኣብ ዝተጨናነቐት ኣውቶቡሰ ኢዮም ዝሳፈሩ።
"ኣውቶቡሳት ኣረግቶትን ውሑዳትን ኢየን" ትብል መንእሰይ ሰላም። ንሳ ብተወሳኺ "ኣብዚ ብሽክለታ ክትህልወካ ነፍስኻ ከም ምድሓን ኢዩ" ትብል።
ምዕቃብ ኣከባቢ፡ ብመንግስቲ ካብ ዝጉስጎሰሉ ነዊሕ እዩ ገይሩ።
እዚ ድማ ድሩት ምፍራይን ምጥቃምን ፕላሰቲክ፡ ወፈራ ምግራብ፡ ምዕቃብ ሓምላይ ከባብን፡ ምዕዳል ካብ ዱባይን ቻይናን ዝመጻ ብሽክለታታትን የጠቓልል።
ንብዙሓት ኤርትራውያን፡ ገንዘብ ዘይርከብ ነገር እዩ። ዋላ'ውን ገለ ተሽከርከርቲ እንተሃለዋ፡ እታ ኣዋጻኢት ናይ መጓዓዝያ መሳለጥያ ግና ሕጂ'ውን ብሽክለታ ኢያ።
ብዙሓት መካይን ኣውቶቡሳት ሓዊስካ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ተዓሺገን ኣለዋ። ስለዚ ሰባት ዘለዎም ኣማራጺ ወይ ብኣግሪ ምጉዓዝ ወይ ብሽክለታ ምጥቃም ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ቅድድም ብሸክለታ ኣዝዩ ፍቱው ኢዩ።
እዚ ብኢጣልያውያን ዝተኣታተወ ዓይነት ስፖርት፡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝሕበንሉ ኾይኑ፡ ሞሳና ደበሳይ (ኣብ ስእሊ ትርኤ ዘላ) ትርከባ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክለታ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ብዙሕ ዓወት ዝተጓናጸፈት ኢያ።
እዚ ኣብ ቀረባ ግዜ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ዕርቂ፡ ቁጠባዊ ምዕባለ ብምምጻእ መዓልታዊ ህይወቶም ቀሊል ክገብረሎም ብዙሓት ኤርትራውያን ይምነዩ።