መርሃዊ ቅዱስ ምስ ጋንታ ኣስታና ዘጽንሖ ውዕል ፈሪሙ

ምንጪ ስእሊ, Luc Claessen
ኤርትራዊ ተቀዳዳማይ ብሽክለታ መርሃዊ ቅዱስ፡ ምስ ጋንታ ኣስታና ክሳብ 2021 ዘጽንሖ ውዕል ከምዝተፈራረመ ጋንትኡ ብትዊተር ገሊጻ።
እዚ ዉዕል ንዝመጽእ ክልተ ናይ ውድድር ወቕቲ ምስታ ጋንታ ተሰሊፉ ክወዳደር ዘኽእል ኮይኑ፡ መርሃዊ ቅዱስ ነታ ጋንታ ኣብ ዝሃቦ ቃል ዝዓበየ ዕላምኡ ኣብ ቱር ዲ ፈራንስ ንክምረጽ ከምዝኾነን፡ ምስታ ጋንታ ዘቀጽል ውዕል ምፍራሙ ሓጎስ ከም ዝተሰመዖ ሓቢሩ።
ወዲ 25 ዓመት መርሃዊ ቅዱስ፡ ምስዛ ካዛኪስታናዊት ጋንታ ኮይኑ ኣብ ዝተወዳደረሉ ዓበይቲ ውድድራት፡ ኣብ ምሕዃር ዓቐበት ዘለዎ ክእለትን ደቂ ጋንትኡ ንኽዕወቱ ዘበርክቶ ሓገዝን ቀሊል ዘይምንባሩ ኣመስኪሩ እዩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ዝተሳተፈ መርሃዊ ቅዱስ ኣብ ክልተ መድረኽ ብምዕዋትን ብሉጽ ብቕዓት ብምንጽብራቕ ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ናይቲ ውድድር ክኸውን ክኢሉ እዩ።
--------------------------------------------
ኣብ 2013 ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ብሽክለታ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸበ መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ 2014 ምስ ጋንታ ኤምቲኤን ኩቤካ ብምጽንባር፡ እታ ጋንታ ኣብ 2016 ስማ ናብ ዳይመንሽን ዳታ ምስ ቀየረትን'ውን ክሳብ 2018 ምስኣ ድሕሪ ብምጽናሕ'ዩ ኣብ 2019 ናብ ጋንታ ኣስታና ተጸንቢሩ።
2012 ኣብ ዙር ርዋንዳ ሻድሻይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ተዓዊቱ።
2013 ዕዉት ናይ ዓቐብ ውድድር ላ ትሮፒካለ ኣሚሳ ባንጎ፡ ኣብ ዙር ኤርትራ ካልኣይ ኮይኑ ተዓዊቱ።
2014 ካልእ ደረጃ ኣብ ዙር ላንግካዊ
2015 ኣብ ኣምፕዮን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ
2018 ቻምፕዮን ኤርትራ
2019 ተዓዋቲ ብጫ ማልያ ዙር ርዋንዳ
--------------------------------------------------
እቲ ካልእ ዓወት መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ዝተኻየደ ዙር ቱርኪ ኣብ ሓፈሻ ውድድር ሳልሳይ ኮይኑ ውድድሩ ምዝዛሙ እዩ።
መርሃዊ ቅዱስ፡ ኣብ ቮልታ ላ ኮሚኒታ ቫለንሽያን ቮልታ ቺክሊስታ ካቶሎንያ ደቂ ጋንትኡ ሎን ኢዛጊረን ኣንገል ሎፐዝን ነዚ ውድድር ክዕወትሉ ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮ ተቐዳዳማይ እዩ።
ጀነራል ማናጀር ጋንታ ኣስታና ኣሌክሳንደር ቪኖክሮቭ "ንመርሃዊ ክእለቱን ናይ ምሕኳር ዓቕሙን ርኢና ኢና ናብዛ ጋንታ ዓዲምናዮ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ወቕቲ ናይ ውድድራት ከኣ 100 ሚእታዊት ኣመስኪሩ'ዩ፡ " ከም ዝበለ እታ ጋንታ ኣብ ትዊተራ ኣስፊራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







