ቻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ 2019፡ ናትናኤልን ብርሃነን ዳናይት ፍጹምን ተዓዊቶም

ምንጪ ስእሊ, Kei Tsuji
ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2019፡ ዕውት ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2015 ናትናኤል ብርሃነን ዳናይት ፍጹምን ቻምፕዮን ኮይኖም።
ኣብዚ ሎሚ ብዝናብ ተሰንዩ ዝተኻየደ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 160 ኪሎ ሜተር እዩ ተዳልይሎም ነይሩ።
ናትናኤል ብርሃነ ካብ መጀመርታ ጉጅለ ብምምስራት ኣብ ቅድሚት ብምውዓል'ዩ ነዚ ናይ'ዚ ዓመት ውድድር ክዕወተሉ ክኢሉ።
ናትናኤል ብርሃነ ነዚ ናይዚ ዓመት ውድድር፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ምኳኑ ዘርኢ ብባንዴራ ኤርትራ ዘጌጸ ማልያ ብምልባስ'ዩ ኩሉ ውድድራቱ ከካይድ።
ንናትናኤል ብርሃነ ብምስዓብ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካልኣይ ሮቤል ተወልደ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸለምቲ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ክኾኑ ክኢሎም ኣለዉ።
ኣብ ናይ ደቂ ኣንስተዮ ቻምፕዮን ቅደድም ብሽክለታ 2019 ዳናይት ፍጹም ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ደሴት ኪዳነን ሞሳን ደበሳይን ንዳናይት ተኸቲለን ክልኣይትን ሳልሰይትን ወጽየን።
ዳናይት ፍጹም'ውን ከም ናትናኤል ብርሃን ክሳብ ቻምፕዮን ብሽክለታ 2020 ዝካየድ ባንዴራ ኤርትራ ዘለዎ ማልያ ገይራ'ያ ንዓመት ምሉእ ውድድራ ከተካይድ።

ተዓወተትቲ ናይ ዝሓለፈ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ
2008፡ ዳንኤል ተኸለሃይማኖትቀዳማይ በረኸት የማነ ካልኣይ፡ ሜሮን ርእሶም ሳልሳይ
2011፡ ፍረቃልሲ ደበሳይ ቀዳማይ፡ ሄኖክ ኣብርሃ ካልኣይ ሰመረ መንግስ ሳልሳይ
2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይሞኖትቀዳማይ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ካልኣይ ኣድሃ ደበሳይ ሳልሳይ
2013፡ ሜሮን ተሾመ ቀዳማይ፡ ሜሮን ኣማንኤል ካልኣይ ክንዲሽሕ ደበሳይ ሳልሳይ
2014፡ ኣማንኤል ገብርዘግኣብሄር ቀዳማይ፡ ኣሮን ደብረጽዮን ካልኣይ ዮናስ ተኸስተ ሳልሳይ
2015፡ ናትናኤል ብርሃነ ቀዳማይ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ካልኣይ ኣማንኤል ገብርዘግኣብሄር ሳልሳይ
2016፡ ዳንኤል ተክለሃይማኖት ቀዳማይ፡ መትከል እዮብ ካልኣይ ምክኤል ሃብቶም ሳልሳይ
2017፡ ሜሮን ብርሃነ ቀዳማይ ኤልያስ ኣፈወርቂ ካልኣይ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ
2018፡ መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ኣማንኤል ገብርዘግኣብሄር ካልኣይ መትከል እዮብ ሳልሳይ

ናብ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን 2019
ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣማንኤል ገብረዝግኣቢሄር ንዝተዳለወሉ 36 ኪሎ ሜተር ብ42 ደቒቕን 29 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ሲራክ ተስፎምን መርሃዊ ቅዱስን ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ውድድም ዛዚሞም።
ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ተቂ ተባዕትዮ ናይ ግዜ ውድድር'ውን ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ያቆብ ደበሳይን ዳንኤል ሃብተሚካኤልን ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ተሸለምቲ መዳልያ ኮይኖም።
ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዩ መትከል ምስጉን ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ ፈሊሞንን ዩውሃንስ ዘርአይን ካልኣይን ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ ዝተካየደ ናይ ውልቂ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ናይ ግዜ ውድድር፡ ደሴት ኪዳነ ቀዳመይቲ፡ ኣድያመ ተስፋኣለም ካልኣይቲ ሞሳና ደበሳይ ሳልሰይቲ ብምዃን ተዓወትቲ ወርቂ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኮይነን።
ኣብ ናይ 23 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ግዜ ውድድር ደሴት ኪዳነ ቀዳመይቲ፡ ኣድያም ተስፋኣለም ካልኣይቲ ዳናይት ፍጹም ሳልሰይቲ ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።
ኣብ ናይ ጁኔር ደቂ ኣንስትዪ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሚለና ያፌት ቀዳይቲ ዳናይት ጸጋይ ካልኣይቲ ቤቴልሄም ፍጹምብርሃን ሳልሰይቲ ብምዃን ተዓወትቲ ወርቂ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኮይነን ኣለዋ።

ተዓወትቲ ናይ ግዜ ውድድር ናይ ዝሓለፈ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ
2011፡ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ፈረቃልሲ ደበሳይ ካልኣይ ጃኒ ተወልደ ሳልሳይ
2012፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ሜሮን ርእሶም ካልኣይ ጃኒ ተወልደ ሳልሳይ
2013፡ መትከል ክፍላይ ቀዳማይ፡ ሜሮን ርእሶም ካልአይ ተስፎም ዑቕበማርያም ሳልሳይ
2014፡ናትናኤል ብርሃነ ቀዳማይ፡ መኽሰብ ደበሳይ ካልኣይ ሜሮን ተሾመ ሳልሳይ
2015፡ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ ናትናኤል ብርሃነ ሳልሳይ
2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ
2017፡መኽሰብ ደበሳይ ቀዳማይ፡ ናትናኤል ብርሃነ ካልኣይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሳልሳይ
2018፡ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ዘመንፈስ ሶሎሞን ካልኣይ ኣሮን ደብረጽዮን ሳልሳይ







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







