ቻምፕዮን ብሽክለታ ኤርትራ 2019፡ ናትናኤልን ብርሃነን ዳናይት ፍጹምን ተዓዊቶም

ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2016 ኣብ መበል 89 ውድድድር ቻምፕዮን ዓለም

ምንጪ ስእሊ, Kei Tsuji

መግለጺ ስእሊ, ናትናኤል ብርሃነ ኣብ 2016 ኣብ መበል 89 ውድድድር ቻምፕዮን ዓለም

ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2019፡ ዕውት ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 2015 ናትናኤል ብርሃነን ዳናይት ፍጹምን ቻምፕዮን ኮይኖም።

ኣብዚ ሎሚ ብዝናብ ተሰንዩ ዝተኻየደ ውድድር ደቂ ተባዕትዮ 160 ኪሎ ሜተር እዩ ተዳልይሎም ነይሩ።

ናትናኤል ብርሃነ ካብ መጀመርታ ጉጅለ ብምምስራት ኣብ ቅድሚት ብምውዓል'ዩ ነዚ ናይ'ዚ ዓመት ውድድር ክዕወተሉ ክኢሉ።

ናትናኤል ብርሃነ ነዚ ናይዚ ዓመት ውድድር፡ ቻምፕዮን ኤርትራ ምኳኑ ዘርኢ ብባንዴራ ኤርትራ ዘጌጸ ማልያ ብምልባስ'ዩ ኩሉ ውድድራቱ ከካይድ።

ንናትናኤል ብርሃነ ብምስዓብ ናትናኤል ተስፋጽዮን ካልኣይ ሮቤል ተወልደ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸለምቲ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ክኾኑ ክኢሎም ኣለዉ።

ኣብ ናይ ደቂ ኣንስተዮ ቻምፕዮን ቅደድም ብሽክለታ 2019 ዳናይት ፍጹም ቀዳመይቲ ክትወጽእ እንከላ፡ ደሴት ኪዳነን ሞሳን ደበሳይን ንዳናይት ተኸቲለን ክልኣይትን ሳልሰይትን ወጽየን።

ዳናይት ፍጹም'ውን ከም ናትናኤል ብርሃን ክሳብ ቻምፕዮን ብሽክለታ 2020 ዝካየድ ባንዴራ ኤርትራ ዘለዎ ማልያ ገይራ'ያ ንዓመት ምሉእ ውድድራ ከተካይድ።

line

ተዓወተትቲ ናይ ዝሓለፈ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

2008ዳንኤል ተኸለሃይማኖትቀዳማይ በረኸት የማነ ካልኣይ፡ ሜሮን ርእሶም ሳልሳይ

2011ፍረቃልሲ ደበሳይ ቀዳማይ፡ ሄኖክ ኣብርሃ ካልኣይ ሰመረ መንግስ ሳልሳይ

2012ዳንኤል ተኽለሃይሞኖትቀዳማይተስፎም ዑቕባማርያም ካልኣይ ኣድሃ ደበሳይ ሳልሳይ

2013ሜሮን ተሾመ ቀዳማይ፡ ሜሮን ኣማንኤል ካልኣይ ክንዲሽሕ ደበሳይ ሳልሳይ

2014ኣማንኤል ገብርዘግኣብሄር ቀዳማይ፡ ኣሮን ደብረጽዮን ካልኣይ ዮናስ ተኸስተ ሳልሳይ

2015ናትናኤል ብርሃነ ቀዳማይ፡ ተስፎም ዑቕባማርያም ካልኣይ ኣማንኤል ገብርዘግኣብሄር ሳልሳይ

2016ዳንኤል ተክለሃይማኖት ቀዳማይ፡ መትከል እዮብ ካልኣይ ምክኤል ሃብቶም ሳልሳይ

2017ሜሮን ብርሃነ ቀዳማይ ኤልያስ ኣፈወርቂ ካልኣይ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ

2018መርሃዊ ቅዱስ ቀዳማይ ኣማንኤል ገብርዘግኣብሄር ካልኣይ መትከል እዮብ ሳልሳይ

line

ናብ ናይ ግዜ ውድድር ቻምፕዮን 2019

ብዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ኣብ ናይ ዓበይቲ ደቂ ተባዕትዮ ኣማንኤል ገብረዝግኣቢሄር ንዝተዳለወሉ 36 ኪሎ ሜተር ብ42 ደቒቕን 29 ካልኢትን ብምዝዛም ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ ሲራክ ተስፎምን መርሃዊ ቅዱስን ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ውድድም ዛዚሞም።

ኣብ ናይ ትሕቲ 23 ተቂ ተባዕትዮ ናይ ግዜ ውድድር'ውን ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ክወጽእ እንከሎ፡ ያቆብ ደበሳይን ዳንኤል ሃብተሚካኤልን ካልኣይን ሳልሳይን ብምኳን ተሸለምቲ መዳልያ ኮይኖም።

ኣብ ጁንየር ደቂ ተባዕትዩ መትከል ምስጉን ተሸላሚ ወርቂ መዳልያ ክኸውን እንከሎ ፈሊሞንን ዩውሃንስ ዘርአይን ካልኣይን ሳልሳይ ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ፡ ኣብ ዝተካየደ ናይ ውልቂ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ናይ ግዜ ውድድር፡ ደሴት ኪዳነ ቀዳመይቲ፡ ኣድያመ ተስፋኣለም ካልኣይቲ ሞሳና ደበሳይ ሳልሰይቲ ብምዃን ተዓወትቲ ወርቂ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኮይነን።

ኣብ ናይ 23 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ግዜ ውድድር ደሴት ኪዳነ ቀዳመይቲ፡ ኣድያም ተስፋኣለም ካልኣይቲ ዳናይት ፍጹም ሳልሰይቲ ኮይነን ውድድረን ዛዚመን።

ኣብ ናይ ጁኔር ደቂ ኣንስትዪ ናይ ግዜ ውድድር፡ ሚለና ያፌት ቀዳይቲ ዳናይት ጸጋይ ካልኣይቲ ቤቴልሄም ፍጹምብርሃን ሳልሰይቲ ብምዃን ተዓወትቲ ወርቂ ብሩርን ነሓስን መዳልያ ኮይነን ኣለዋ።

line

ተዓወትቲ ናይ ግዜ ውድድር ናይ ዝሓለፈ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ

2011፡ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ፈረቃልሲ ደበሳይ ካልኣይ ጃኒ ተወልደ ሳልሳይ

2012ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ሜሮን ርእሶም ካልኣይ ጃኒ ተወልደ ሳልሳይ

2013መትከል ክፍላይ ቀዳማይ፡ ሜሮን ርእሶም ካልአይ ተስፎም ዑቕበማርያም ሳልሳይ

2014፡ናትናኤል ብርሃነ ቀዳማይ፡ መኽሰብ ደበሳይ ካልኣይ ሜሮን ተሾመ ሳልሳይ

2015፡ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ ናትናኤል ብርሃነ ሳልሳይ

2016፡ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ሜሮን ተሾመ ካልኣይ መርሃዊ ቅዱስ ሳልሳይ

2017፡መኽሰብ ደበሳይ ቀዳማይ፡ ናትናኤል ብርሃነ ካልኣይ ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ሳልሳይ

2018፡ዳንኤል ተኽለሃይማኖት ቀዳማይ፡ ዘመንፈስ ሶሎሞን ካልኣይ ኣሮን ደብረጽዮን ሳልሳይ

line