ኩዕሶ እግሪ፡ ሰራሌናዊ ሙሳ ካማራ ብሰንኪ ቁሪ ናይ ሰለስተ ዓመት ውዕሉ ሰሪዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራሌዮናዊ ኣጥቃዓይ ኩዕሶ እግሪ፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ዛሕሊ ምስ ስዊድናዊት ክለብ ዝፈረሞ ውዕል ሰሪዝዎ።
ሙሳ ኖዋ ካማራ፡ ንሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ውዕል ምስታ ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትርከብ ክለብ ትረለቦርግስ ፈሪሙ ናብ ስዊድን ድሕሪ ምእታዉ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን'ዩ ቁሪ ኣካኣልኩዎን ኢሉ ናብ ሃገሩ ክምለስ ወሲኑ።
እታ ክለብ ኣብ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ እቲ ወዲ 19 ነቲ ንሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝጸንሕ ውዕል "ብውልቃዊ ምኽንያት"ሰሪዝዎ ኢላ።
"ብውልቃዊ ምኽንያት ናብ ሃገሩ ክምለስ መሪጹ" ክትብል ክለብ ትረለቦርግስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ጽሒፉ።
ካማራ ብወገኑ፡ ናብ ርእሰከተማ ፍሪታውን ክምለስ ዝተገደደሉ ምኽንያት ናይ ስዊድን ቁሪ ስለዘይከኣሎ ምዃኑ ገሊጹ።
እቲ ኣጥቃዓይ፡ ብዘመዝገበን 15 ሸቶታት ናይ ሰራልዮን ፕሪሜርሊግ ናይ 2019 ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ብምዃን፡ ንጋንትኡ፡ ኢስት ኢንድ ዋንጫ ክትዓትር ኣኽኢሉዋ'ዩ።
ዋላ'ኳ እዚ ዘለናዮ ወርሒ ነሓሰ፡ ዝሓሸ ምዉቕ ኩነታት ኣየር ዝራኣየሉ ናይ ክረምቲ ወቕቲ እንተኾነ፡ ካማራ ግን "ካብ ሕጂ ዝነቀወ ዝብኢ ኣየሕድረኒን'ዩ" ዝበለ'ዩ ዝመስል።
ኣብ እዋን ሓጋይ ኩነታት ኣየር እናዘሓለ ምስ ከደ፡ ከም በዓል ስዊድን ዝበላ ሃገራት ስካንዳኔቭያ ወርጪ ቀዝሕን ከአንግዳ ይግደዳ'የን።
ጌና ብክረምቱ ስለዘዝለቐ ግን፡ ካማራ ካብቲ ቀዝሒ ኣምሊጡ ኣሎ። ዋላኳ ቀጺሉ ናበይ ከም ዘብል እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሞያኡ ግን ንጊዚኡ ምኹላፉ ኣይተረፎን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







