ኮሮና ቫይረስ፡ ትርኢተ ምጾታት፡ ዝሓመሙ ክትበጽሕ ዝሓዘኑ ክትድብስ ዘይትኽእለሉ ተካል እዋን

- Author, ሳሙኤል ገብረሂወት
- Role, ኤዲተር ቢቢሲ ትግርኛ
ንነዊሕ እዋን ብጻዕቂ ስራሕ ተታሒዘ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘለዎ ዕረፍቲ ከሕልፍ ናይ ርሑቕ መገሻ ወጢነ። ቅድሚ ሽዑ በብግዚኡ ዝወስዶ ዝነበርኩ ናይ ስራሕ ዕረፍቲ፡ በቲ ግዜ ዘይህብ ባህሪ መደብ ዕዮይ ብስስዐ ስራሕ ተመሊሰ እጽመድ ብምንባረይ፡ ነዛ ናይ ሕጂ ዓመታዊ ዕርፍተይ ካብቲ ዝሰርሓሉን ካብቲ ብቀዋሚነት ዝነብረሉ ሃገራት፡ ኣብ ኣመሪካ ርሒቐ ከሕልፎ ንዓመታት ዘይርኣኹዎም ቤተሰብን መሓዙትን፡ ክርኢ ኣትላንቲክ ሰጊረ ኣመረካ ኣትየ።
በዚ ሕጂ ንዓለም ዘንቀጥቅጣ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ጎቦ ልበይ'ኳ እንተ ነበርኩ፡ ኣንፈተይ ንምዕራብ ስለዝነበረስ፡ ካብቲ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ዝተበገሰ ሕቡእ ኣራዊት ዝረሓቕኩ ኮይኑ ተሰሚዑኒ ነይሩ። እንተኾነ እቲ ሰራም ቫይረስ ቀዲሙኒ ክሳድ ሒዙ ጸኒሑኑ።
ኣይሓሰብኩሉን እምበር፡ ርሑቕ ምብራቕ ንምዕራባዊ ገማግም ኣመሪካ ዝቐረበ'ዩ። ናይ ራብዓይ ክፍሊ ካርታ ቤት ትምህርትና ኣብ ርእሰይ ተቐሪጹ ከምዝተረፈ ድሕሪ'ዩ ተረዲኡኒ።
ዕጽዋ ኣብ መገሻ
ናብታ ሃገር እትው ካብ ዝብል ኣትሒዙ፡ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ዘሻቐሎም መራሕትን ኣመሓደርትን፡ ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ንግድን ዓጻጽዮም፤ ንቡር ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣጊዶም፣ ምንቅስቓስ ሰባት ደሪቶም፣ ነብሲ ወከፍ ሰብ ክገብሮ ዝግባእ ጥንቃቐ ክሕብሩን ክመኽሩን ጸኒሖሙኒ።
እቲ ሕማም ኣብ ሁቤይ ቻይና ካብ ዝኽሰት ኣትሒዘ ክከታተሎን፡ ምስ መሳርሕተይ ጋዜጠኛታት ንምኽርን ርእይቶን ሞያውያን ዓለም፡ ኣብ መደብ ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ህዝቢ ከብጽሕ ክሰርሕ ጸኒሐ ክንሰይ ናህሪ ለበዳ እቲ ሕማምን ዝፈጠሮ ሻቕሎትን ግን ኣሰንቢዱኒ።
ዳርጋ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓታት ኣብ ሚድያታት እታ ሃገር ብቐጻሊ ዝምዕብል ሓበሬታ ነይሩን ኣሎን።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መዓልታዊ ዝዓርግ ለበዳን ሞትን ምስ ዘሕዝንን ዘሻቕልን ሰብኣዊ ዛንታታት መስኮት ተሌቪዥን ዝፍኖ እንኮ ዛዕባ እናኾነ ከደ።
ኣነ'ውን ከይተፈለጠኒ፡ ኣብ መገሻይ ተዓጽየ ንሸቐልቅል ዓለምን ነቲ በብእዋኑ ዝለዋወጥ ዝነበረ ኩነታት ናይቲ ለበዳ ንምክትታል ኣዒንተይ ኣብቲ ሃዲመሉ ዝብልኩ መሳኹቲ ተሌቪዥንን መርበባት ዜናን ተተኺለን ተረፋ።
ኩነታት ባህ ኣይበለንን፡ ዝኸፍአ ከይመጽአ በረራታት ከይተዓጽወን ናብ ስድራይን ስርሐይን ክምለስ ክሻቐል ጀሚረ።
ፕረዚደንት ትራምፕን መሳርሕቱን ኣብ ቅድሚ ተሌቪዥን ቀሪቦም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ካብ ኤውሮጳ ዝግበር በረራታት ምስ ኣገዱ "እምበር'ዶ ንቦታይ ክምለስ እየ" ዝብል ሻቕሎት ወረረኒ።
ካብታ ዝተወልድኩላን ዝዓበኹላን ዝተቓለስኩላን ሃገረይን፡ ካብታ ብስደት ዝነብረላ ካልኣይቲ ሃገረይን ወጺአ፡ ካብታ ዝሰርሓላ ሃገርን ርሒቐ፡ ኣብ ኣመሪካ ክዕገት ከምዝኽእል ምስ ሓሰብኩ፡ ድንጽዩኒ፡ 'ዳሕራዩ ይጥዓም' ኢለ።

ሕልሚድ'ዩ ጋህዲ!
ብመሰረት መደበይ ካብ ክፍለ-ሃገር ከንሳስ ናብ ዋሺንግተን ክኸይድ ስለ ዝነበረኒ በረራ ውሽጢ ሃገር እንተኣቋሪጹ፡ ካብ ዲሲን ከንሳስን ኣብ ፍርቂ መገዲ ብመኪና ዝቀባበሉለይ መቕርብ ኣሰላሲለ ነይረ።
መዓልታዊ ነፋሪተይ ምህላዋን ዘይምህላዋን ከረጋግጽ ኢመይል መገዲ ኣየር ዩናይትድ ክከታተል ኣብ ወጥሪ ቀንየ።
ዕድል ገይረ ግን ዩናይትድ ኤየር ኣየግድዐትንን። ኣብ ዕለተይን ሰዓተይን ካብ ከንሳስ-ሲቲ ናብ ዋሺንግተን ዲሲ በሪረ።
ኩሉ'ቲ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ዝግበር ንቡር መስርሕ መገሻ፡ ባልጃኻ ከተምዝን ኮነ ነብስኻን ኣቑሑትካን ክትፍተሽ ተፈናቲትካ'ዩ።
እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ምውቕ ዝነበረ ዝኣተኹሉ መገዲ ኣየር፡ ዝበዝሕ ዱኳናት ተዓጽዩ፡ ምንቅስቓስ ተደሪቱ ጸም-ጸም ኢሉ መልኣኹ ሃዲሙ ነበረ።
ኣብታ ኣስታት 120 ሰባት እትሕዝ ነፋሪት 20 ገያሾ ተረሓሒቕና ተረጋጊእና ንዋሺንግተን ዲሲ ኣቲና።
ድሮ፡ ካብ ኤውሮጳ ዝግበር ኩሉ ዓይነት በረራታት ተቛሪጹ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ጸምዩ ነበረ። ኣይደንጎኹን ባልጃይ ጠራኒፈ ንግዳም ወጺአ፡ ወደ-ኣኮይ ምስ መሓዝኡ ተቐቢሎሙኒ።
ካብ ንረአአ ዓሰርተ ዓመት ጌርና ከነብቅዕ ብኢድ ኣይተጨባበጥናን ኣይተሰዓዓምናን እውን። ኣራእስና ብምጥቃስ ሰላምታ ተለዋዊጥና ብመኪና ንገዛ ኬድና። ኣብኡ ንልዕሊ 20 ዓመት ዘይረኣኹዎም ስድራ ነይሮም። ግን ምሰኦም እውን ምጭብባጥ ኮነ ምስዕዓም ኣይነበረን።
ንገዛ ምስ ኣተና ቅድሚ ዝኣገረ፡ ጫማና ኣውጸኢና፡ ሸበጥ ጌርና አእዳውና ክንሕጸብ ትኽ ኢልና ናብ ሽንቲ ቤት ኣምሪሕና። ብድሕሪኡ ተፈናቲትና "እንቋዕ ደሓን መጻእካ! እንቋዕ ደሓን ጸናሕኩም!" ተበሃሂልና ብቓለት ጥራሕ፡ ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጥና።
ኣኮይ ቁሩብ ዕድመ ስለዝደፍአ ከማይ ዲያበቲክ እውን ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ገዛ ልዑል ጥንቃቐ'ዩ ጸኒሑኒ።
ንቤተሰበይ ሓቚፈ ክስዕሞም፡ ኣእዳዎም ክጭብጥ ዝነበረኒ ሃረርታ ብኮቪድ-19 ተደረተ። ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ኣሽሓት ኪሎ ሜትራት ምርሕሓቕ፡ ጠቕሊለ ኣሕጺረዮ ኣብ ዝበልኩሉ፡ ክልተ ሜትሮ ምስ ተረፎ ተዓጊቱ።
ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እናሃለዉ፡ ሓኒቐ ክስዕሞም ዘይምኽኣለይ ሕማቕ ተሰመዓኒ። እቲ ዕድመ ዝደፍአ ኣኮይ " ዋእ ካን ድዩ ኣኺሉና - ነዚ ሕማም ክሳዕ ክንድዚ ፈሪሕኩ'ሞ፡ ኩሉ እኮ ካብ ሕሳብ ፈጣሪ ኣይወጽእን እዩ!" ብማለት ክንሰዓዓም እኳ እንተዓደመ፡ " እቲ ሕማም ብዝያዳ ንዓበይቲ ስለዘጥቅዕ ቀንዲ ምእንታኻ ክንብል ኢና ንርሕቕ ዘሎና" ኢልና ከነረድኦ ፈቲንና። ግን ኣይተዋሕጠሉን። " ሕማቕ ግዜ ኣርኪብና፡ ብሕማማሲ ክንድዚ ፍርሂ!" እናበለ ዝበልናዮ ክንቅበል ተገደደ።
እቲ ኩነታት ክሳብ ሕጂ ሕልሚ 'ምበር ጋህዲ ኮይኑ ኣይስምዓኒን ዘሎ። ፈታዊኻ ዘይትስዕመሉ፡ ዝሓመመ ብጻይካን ሓውኻን ዘይትበጽሓሉ፡ ዝሓዘነ መቕርብ ዘይትድብሰሉ፡ ዝሞተ ዘይትቐብረሉ ፈታኒ እዋን!ኣብቲ ገዛ፡ ዝኾነ ነገር እንተሒዝካ፡ ተንሲእካ ኢድካ ክትሕጸብ ኣሎካ። ካብ ገዛ ንግዳም ምውጻእ የለን።
ኣብቲ ከባቢ አእጋርና ከነንቀሳቕስ እንተወጺእና እውን ዝኾነ ነገር ኣይንትንክፍን ኢና። ንገዛ ምስተመለስካ ከኣ አእዳውካ ብሳምና ተሓጺብካ ተፈናቲትካ ምዕላል እዩ።
እቲ ሕማም ብቕልጡፍ ይዓርግ ስለዝነበረ፡ ኩሉ ዕለታዊ ዜና ዘሰምብድ እዩ። እቶም ዓበይቲ ኣባላት እታ ስድራ "ኩሉ ካብ ኣምላኽ እዩ" ክብሉ እንከለው፡ እቶም ናእሽቱ ከኣ "ንኣምላኽ ብጽሬትን ጥንቃቐን ክሕገዝ ኣለዎ!" ብምባል ኣጥቢቖም ይከራኸሩ።
ኣብቲ ገዛ ጽሬት ቀዳማይ ዛዕባ'ዩ - ምሒር ዝበዝሐ እኳ እንተመሰለኒ ግን ርእይቶ ኣይሃብኩን። ካብ ኣካይዳኦም ከይወጽእ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ እጥንቀቕ ነበርኩ።
ዋላኳ ብዕረፍቲ እንተገሽኩ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ክጥቀመሉ ስለ ዝሓሰብኩ ምስ ብዙሓት ሞያውያን፡ ምሁራት ስነ-ጥበባውያን ቃለ-መሕትት ከካይድ መቕረጺ ድምጺን ካሜራታተይን ኣዋዲደ እየ ከይደ።
ምስ ገሊኦም እውን ቆጸራ ሒዘ ነይረ። ግን እትረፍ ንስራሕ ዝምልከት ርክብ፡ ንዝሓመመን ሓዘንተኛን ቤተሰብን መቕርብን እውን ብተሌፎን እንተዘይኮይኑ ብኣካል ክበጽሕ ኣይከኣልኩን።
ንብዙሓት ክረኽቦም ዝደሊ ዝነበርኩ ገዳይም አዕሩኽን ፈተውትን ከይረኸብኩዎም ምስ ገሊኦም ብስልኪ ጥራሕ ደሃይ ሓድሕድ ተለዋዊጥና ክምለስ ተቐሲበ።
እታ ዝምለሰላ ዕለት ክትቅልጥፈለይ'ሞ መዓልቦይ ክሕዝ ከም ሓራስ መዓልቲ ክጽብጽብ ተሸጊረ።
ብድሮኡ፡ ኣብታ ዝበረላ መዓልቲ ዝነበራ ክልተ በረራ ተሰሪዘን ምስረኣኹወን ምናልባት ኣብታ ኣነ ዝኸደላ ናይ ምሸት በረራ ጠራኒፎም ክወስዱና ከምዝኽእሉ ገመትኩ።
ተኣኻኺብካ ምኻድ፡ ንዝርገሐ ኮሮና ቫይረስ ዘጋድድ ብምዃኑ እቲ ዝከኣል ጥንቃቐ ንምግባር ዳርጋ ዝበዛሕና ማስኬራ ወዲና ጓንቲ ኣጥሊቕና ኢና ንወሳወስ ነይርና።
ብቕንያቱ፡ 'ማኒላ ማዕጾ ኣይትሓዝ፡ እንተሒዝካ ቀልጢፍካ ተሓጸብ ብዝተኻእለ ንደገ ኣይትውጻእ፣ እንተወጺእካ ነገራት ኣይትተናኽፍ፡ ዝኾነ ነገር እንተተንኪፍካ ብሳኒታይዘር ኢድካ ወልውል' እናተበሃልኩ፡ ኮፍ ንኪብል ወላዊለ፡ ገጸይ ወይ ዓይነይ ክሕዝ ተሓጺበ፡ ዋላ እውን ሳሕቲ እንተነበረ ደገ ወጺአ ተወሳዊሰ ክምለስ እሕጸብ ስለዝነበርኩ ነቲ ህይወት ተለማሚደዮ እየ።

ትርኢተ ምጾታት
ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ምስ ተኣኻኸብና ግን ዋላኳ ተፈናቲትና እንተተሰራዕና፡ ሕንጥሸው ንዘዝበለ ሰብ፡ ጥይት ከም ዝተኮሰልና ቁሊሕ ምሊሕ ክንብል ተሰቂቕና ነይርና። እቲ ዝሃንጠሰ ሰብ ከኣ "ይቕሬታ!" ክብል ከፊኡዎ ነይሩ።
እቶም በረረኦም ዝተሰረዞም ናይ ንግሆ ገያሾ ድሮ ባልጃታቶም ኣመዛዚኖም ተፈታቲሾም ምሳና ክኽዱ ኣብቲ ገይት ተኣኻኺቦም ጸኒሖሙኒ። እቲ ብዝሖም ምስረአኹ እቲ ነፋሪት ቅጽጽ ኢላ ከምእትኸይድ ተረደኣኒ።
ውሑዳት እንተዘይኮይኖም ዳርጋ ዝበዝሕ ሰብ ማስኬራን ጓንትን ወድዩ ተሸፋፊኑ እዩ ናብታ ነፋሪት ዝኣቱ ነይሩ። እተን ሆስቴስ ኣሳሰይቲ ናይታ ነፋሪት ግን ጓንቲ እምበር መሸፈኒ ኣፍ ማስኬራ ኣይወደያን። ንኹሉ ናብታ ነፋሪት ዘዝኣተወ ከኣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እናበላ የስተናግዳ ነበራ።
ኣብ ሚድያታት ተፈናተቱ ዝብል ቀጻልን ጽዑቕን ጎስጓስ ስለዝቐነየ፡ በቲ ብዝሒ፡ ኩሉ ሰብ ስክፍታን ሻቕሎትን ነይሩዎ። ድሕሪ ቑሩብ፡ ናይ መጨረሻ ናይ በረራ ግዜ ኣኺሉ በብቑጽርና ናብ ሰሰፈርና ክንኣቱ ተነግረና።
መቓምጦይ 46ቢ እዩ። ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ እታ ነፋሪት ካብ 10 መናብር ቑጽሪ ኣርብዓን ሽዱሽተን ኣብ መበል ካልኣይቲ መንበር እዩ ቦታይ።
ብጸጋመይ ኣብ 46ኤ ሓንቲ ማስኬራ ወድያ ክነሳ ገጻን ጸጉሪ ርእሳን ብሻርባ ዝተሸፋፈነት ማእከላይ ዝዕድመኣ ሰበይቲ ነቲ ክልተ መቓምጦ ቦርሳኣን ጃኬታን ኣቐሚጣትሉ ጸኒሓ፡ "ኣብዚ ካልአይቲ ወንበር እየ ሰፈረይ" ምስ በልኩዋ፡ "ኦ ማይ ጋድ!" ኢላ፡ ካልእ ሰድያ ክትደሊ ቑሊሕሊሕ በለት።
ገና ሰብ ይኣቱ ስለ ዝነበረ ከኣ እቲ ጃኬታ ናብ 46ሲ ኣስገረቶ። ኣይደንጎየን ሓደ ኩፍየት ዝወደየ ግሩም ኣቦ መጺኡ፡ ኣብ 46ሲ እዩ ሰፈረይ ብምባል እቲ ጃኬት ክንኣልየሉ ሓተተ። ጃኬታ ብምንባሩ ከይፈተወት ኣብቲ ባልጃታት እንሰቕለሉ ተዓጻዊ ከብሒ ኣቐመጠቶ።
በረራ ነፈርቲ ምስ ምእጋዱ፡ ነፈርትና ውሑዳት ሰባት ሒዘን ይኸዳ ይኾና እሞ ካብ ስግኣትን ሻቕሎትን ኮሮና ተረሓሒቕና ንቕመጥ ንኸውን ዝብል ትጽቢት ዘሕደርና ብዙሓት ዝነበርና ይመስለኒ።
ነብሲ ወከፍ ሰብ ነንሓድሕዱ ብጥርጣረ ዝጠማመት ዘሎ ኮይኑ እዩ ዝስመዓካ። ዝበዛሕና፡ ይጥቀም ኣይጥቀም ማስኬራ ወዲና ጓንቲ ኣጥሊቕና ነይርና።
ኣብ ዕዳጋ ሕጽረት ማስኬራን ጓንትን ብምንባሩ፡ ኣነ ነታ ካብ ካንሳስ ናብ ዲሲ ክመጽእ እንከለኹ ዝተጠቕምኩላ ካብ ስራሕ ዝተዋህበትኒ ማስኬራ ብኣልኮልን ዲቶልን ሓጺበ እየ ዳግማይ ተጠቒመላ።
እንተኾነ ከስተንፍስ እንከለኹ፡ እቲ ሽታ ኣልኮልን ዲቶልን ዓቕለይ ስለ ዘጽበበለይ፡ እቲ ንውሽጢ ዝስሕቦ ናይ ዲቶልን ኣልኮልን ገለ ዓይነት ኬሚካል ይልክመኒ እኳ ብምባል ተሻቂለ ንሓጺር ግዜ ምስ ገበርኩዎ 'ክላ ፈጣሪ ባዕሉ ይሓሉወና እምበር ከምዚ ገይርካስ ኣይውጻእን እዩ' ኢለ ብውሽጠይ ከይደንጎኹ ካብ ኣፈይን ኣፍንጫይን ኣልየዮ።
ግን ካብ ዝኾነ ኩርናዕ ዘሀንጥሱ ሰባት እናኽሰምዕ ከይተረደኣኒ ቑሊሕ ምባል ኣይገደፍኩን። ብዘይ ምግናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምህንጣስ ብዙሓት ካባና ናብቲ ድምጺ ዝሰማዕናሉ መኣዝን ቁሊሕ ክንብል በዒንትና ንራኸብ ነበርና።
እቶም ተሳፈርቲ ገሊኦም ማስኬራን ጓንትን ዝወደዩ፡ ገሊኦም ዘይነበሮም ገሊኦም ዝተሸፈኑ፡ ገሊኦም ዘይግድሶም ዓይነት ኮይኖም ተራእዮሙኒ።
ኣብቲ ጽቕጥቅጥ'ቲ፡ ዝኾነ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፍና ወይ ተሰከምቲ እንተሊና፡ ብእንህንጥሶ ህንጣሰ ምልብባድና ዘይተርፍ እዩ።
ከምቲ ብሊቃውንቲ ዝተነግረና እቲ ቫይረስ ንገሊኡ ኣብ ክዳኑ፡ ንገሊኡ ኣብ ጸጉሩ፡ ንገሊኡ እውን ምናልባት ኣብ ገጹ ክዓልቦ ይኽእል እኸውን። ስለዝስ ሓደ ሰብ ንበይኑ ዝገብሮ ጥንቃቐ ክሳዕ ክንድቲ ዘተኣማምን ኮይኑ ኣይተራእየንን።
"ምስ ዘውጽአ የውጽኣና እኳ" እንተበልኩ፡ በታ ዓቕመይ ብዝገብሮ ዝነበርኩ ጥንቃቐ ግን ጨሪሰ ተስፋ ኣይቆረጽኩን።
ነፋሪት ቅድሚ ምብራራ ልሙድ ናይ ድሕነት መምርሒ ክንገረና ጀመረ። 'መስመር ሰማይ ሓጎጽጎጽ እንተበለና ቁልፍና ክንዕጠቕ፡ ብቴክኒካዊ ጸገም ብሃንደት ክንዓልብ እንተተገደድና ከይንሽበር፡ ኣብ ባሕሪ ወይ ውቅያኖስ እንተዓለብና ላይፍ ጃኬትና ክንነፍሖ ከም ዘሎና፡ ሕጽረት ምስትንፋስ እንተጋጢሙና ብኸመይ ኦክሲጂን ከም እንረክብ፡ ጃንጥላ ክንጥቀም እንተተገደድና ከመይ ከምእንገብር' ንዝብል ልሙድ ዝርዝራት፡ ግዲ ዝገበረሉ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን።
ነቲ ብሰንኪ'ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክንገብሮ ዝግበኣና ጥንቃቐን ክንገር እንከሎ ግን ኩሉ ሰብ ጽን ክብል ኣስተውዓልኩ።
እቲ ምኽሪ ድሕሪ ምዕላብና ዝኾነ ምልክታት እንተተሰሚዑና ኣብ በቤትና ምስ ኣተና ነብስና ክንንጽል ከም ዘለና ዝነግር እዩ - ኩላትና ጸጥ ኢልና ዝሰማዕናዮ ከኣ ይመስለኒ። ብውሑዱ ምስቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ናይ ምጽርራይ ሸበድበድን ምሽፍፋንን ንዓይ ከምኡ ተሰሚዑኒ።

እታ ነፋሪት፡ ኣብቲ መሐምበቢ መስመር (ራን-ወይ) ከተኹድድ ጸኒሓ፡ ንሰማይ ከተንቃዕርር ፍጥነት ወሲኻ ክትሕምበብ ምስ ጀመረት እታ ብጸጋመይ ዝነበረት ኣደ፡ ሓንቲ ውዳሰ ማርያም እትመስል ንእሽቶ መጽሓፍ ጸሎት ኣውጺኣ ከተንብብ ጀመረት።
እቶም ብየማነይ ዝነበሩ ኣቦ እውን 'with the heart in mind' ዘርእስታ ብሚካኤል ኣሕመድ ስሚዝ ዝተደርሰት መጽሓፍ እምነት ከንብቡ ጀመሩ። ንምርግጋጽ ዝኣክል ነታ ኣደ "እዚ ጽሕፈት ናይ ሂብሩ ድዩ?" ክብል ሓቲተያ።
"እወ!" ክትብል ተቐላጢፋ መሊሻትለይ። ወይ ኣነ ወይ ንሳ ግን ዘረባ ኣይቀጸልናን። ኣፍና እውን ብማስኬራ እዩ ተሸፋፊኑ ነይሩ። እቶም ኣቦ ንዘንብቡዋ ዝነበሩ መጽሓፍ ብጎቦ ዓይነይ ምስረኣኹዋ ከኣ ብዛዕባ ነብይ መሓመድ ዝዛረብ ነገራት ርእየላ። ድሕሪ ቁሩብ እውን እታ ብጸጋመይ ዝነበረት ኣደ ኣብ ሞባይላ ብዛዕባ ሞትን ምጽንናዕን ዝምልከት ዓንቀጻት ተንብብ ነይራ።
እቲ ብየማነይ ዝነበረ ሰብኣይ፡-
"ንኣሜሪካ ድኣ ብደሓን መጺእካ?" ክብል ሓቲቱኒ
"ስድራ ቤት ክበጽሕ እየ ተንቀሳቂሰ"
"እሞ ኣብ መደብካ ዲኻ ትምለስ ዘለኻ ወይስ ትኬት ቀይርካ ኢኻ?"
"ኣይፋል ኣይቀየርኩን?"
" እሞ ዕድለኛ ኢኻ። ኣነ ሓደ ሚያዝያ እየ ክምለስ ነይሩኒ። ፍጹም ምቁራጽ በረራ ከይስዕብ ግን ትማል ምሸት እየ ሓዲሽ ትኬት ገዚአ። እንታይ እዩ'ኸ ሞያኻ?"
"ጋዜጠኛ እየ። ኦ… ኣብ ምንታይ ዓውዲ ኢኻ'ኸ ትጽሕፍ?"
"ዝበዝሕ ኣብ ፖለቲካ እየ?"
"ናይ ኣየናይ ዞባ?"
"ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ። ኦ… እሞ ቢዚይ ኢኻ!"
"ዋእ ኩሉ ጋዜጠኛ ቢዚይ እዩ። እቲ ዓውዲ ከምኡ እዩ"
"ካበይ ኢኻ'ኸ መበቆልካ?"
"ኤርትራዊ - ብሪጣንያዊ እየ"
"ኣነ ከኣ ፓኪስታንያዊ እየ"
"ገሚተ ኣለኹ!" ተበሃሂልና፡ ብዛዕባ እቲ ወሪዱ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ቁሩብ ኣዕሊልና ነናብ ዋኒንና ኣቲና። ንሱ ንባቡ ቀጺሉ ኣነ ኸኣ ሽዕኡ ዝተሰመዓንን ዝመሰለንን፦
"መልኣከ ሞት ከንጸላሉ እንከሎ ንፈጣሪ ክትልምን ንሰማይ ምንቅዕራር ልሙድ እዩ። ኣብ ሰማይ ግን ከምዚ ኸማይ ዘየምልኽ ሰብን፡ አዒንቱ ካብ መጽሓፍ ጸሎት ዘይፈሊ ኣማንን ዕጫና ሓደ እዩ።
ዝኾነ እንተመጽአ ከኣ ብኽልተ ኣመንቲ ማሚቔ ስለዘዘለኹስ ጸሎቶም ይሕልወኒ ግዲ ይኸውን" ኢለ ፈሊመ፡ ኣብ ኖት ቡከይ ክሓናጥጥ ጀሚረ።
ቁሩብ ሰዓታት ምስ በረርና መብዛሕትና ኣኣብ መናብርና ድቃስ ወሰደና። ክሸይን ምስተንሳእኩ ዳርጋ እቲ ዝበዝሕ ማስኬራ ወድዩ ዝነበረ፡ ኣነን እቶም ኣብ ጎድነይ ዝነበሩ ክልተ ደቂ ሰፈረይ ከይተረፍና ማስኬራና ካብ ገጽና ኣሊናዮ ነበርና።
ዕድል ክንገብር ካብ ሰለስተና ብሰዓል ዘህንጥስ ኣይነበረናን። ኣብ ንቡር ኩነታት ምህንጣስ ንቡር እዩ። ኣብ ዘበነ ኮሮና ቫይረስ ግን ዘሰምብድ ድምጺ እዩ። ኩሉ እዩ ቑሊሕ ምሊሕ ዝብል። እቲ ዘሀንጥስ ይስከፍ እቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ይስከፍ - ሕማቕ እዋን። ሽዑ ዝበልኩዎ እዩ።
ኣብ ቅድሜና ኣብ ዝነበረ መቓምጦ ዝነበረ ሓደ ተጓዓዛይ፡ ድምጹ ክብ ኣቢሉ ፡-
"ኣብ ቅድሚት ቦታ እንከሎ ስለምንታይ ምስ ሻቕሎት እዚ ሕማም ኣብዚ ጸቃቒጥኩሙና? ኣነ ኣብቲ ቅድሚት ከይደ ኮፍ ክብል እደሊ ኣለኹ። እዚ ፍትሒ ኣይኮነን" ኢሉ ከዕገርግር ስለዝጀመረ ኩሉ ሰብ ናባና ይጥምት ነይሩ።
ዳሕራይ ሓንቲ ካብተን ሆስቴስ መጺኣ፦
"ጸገም የሎን ዝያዳ ገንዘብ እንተኸፊልካ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። እቲ ቦታ ዝያዳ ገንዘብ ናይ ዝኸፈሉ እዩ። በቲ ዝኸፈልካዮ ገንዘብ ግን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ጥራሕ ኢኻ ኮፍ ክትብል ትኽእል" ኢላ መለሰትሉ። ግን ኣይለዘበን "ፍትሒ ኣይኮነን - ፍትሒ ኣይኮነን ኢሉ ምጭዳሩ ቐጸለ። ካብቲ ተሳፋራይ ግን ተጋጊኻ ወይ ሓቅኻ ዝበሎ ኣይነበረን።
"እቲ ኩነታት ሓደ ነገር አሕሲቡኒ። ሓቂ ይሓይሽ እቲ ቢዝነስ ክላስ ቅሩብ ርሁው ዝበለ እዩ ነይሩ። ግን ኣብኡ እውን ኮሮና ቫይረስ ክህሉ ይኽእል እዩ። እዚ ሕማም ሕብርን መልክዕን ዓድን ዓውድን ዓሌትን መበቆልን ቦታን ደረጃን እምነትን ሃይማኖትን ዝፈሊ ኣይኮነን። ወዲ ሰብ ዓቕሉ ምስ ኣጽበበ ግን ዘይገብሮ የብሉን" ኣብ ኖት ቡከይ ዘስፈርኩዎ እዩ።
እቲ በረራ ናይ ለይቲ ስለዝነበረ ኩሉ እቲ ብማስክን ጓንትን ነብሱ ክከላኸል ዝፍትን ዝነበረ፡ ድቃስ ምስ መጽኦ መብዛሕቱ ማስኬራኡ ኣውጺኡ ትንፋስ ሓድሕዱ ክቀባበል እዩ ሓዲሩ።
ሽዑ ሰብ እንተሀንጠሰ እንተሰዓለ ቁሊሕ ምሊሕ ዝብል ኣይነበረን። ኣብታ ነፋሪት ብኮሮና ዝተለኽፍና እንተነይርና እቲ ቫይረስ ኣብ እዋን ድቃስ ካብን ናብን ኣብ ኣየር ተዘሪኡ ኣሎ።
ሊቃውንቲ እዚ ሕማም፡ ነብሲ ወከፍ ሰብ'ዚ ሕማም ኸይለግቦን ተቐቢሉ ከይዝርገሖን ብዝከኣሎ ክጥንቀቕ ይመኽሩ ኣለው። ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ቫይረስ እንተስዒሩ ግን ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕምና እዩ ዝምክቶ።
ድኹም ዝሰብነትናን ዕድመ ዝደፍኡ ሽማግለታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም እቶም ብዝያዳ ዝጥቅዑ እዮም። ግን ከኣ ንናእሽቱ እውን ስለዘይንሕፍ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዓቢኡ ንእሽትኡ ንሓድሕዱ ከይለኻኸም ክጥንቀቕ ብቐጻሊ ዝወሃብ ምኽሪ እዩ።
ብሓፈሽኡ እዚ ዓለማዊ ወራር ብዓለማዊ ምትሕግጋዝ ስለዝምከት ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ስድራን ኮምን ሞያውያን ጥዕና ዝህቡዎ ምኽርን መንግስታት ዘመሓላልፉዎ ናይ ምክልኻል ኣዋጅን ክንትግብር ይግባእ። እዚ እውን ኣብ ኖት ቡከይ ዝበልኩዎ እዩ።
ሰዓት ሸውዓተ ናይ ንግሆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ሂትሮ፡ ኣብ ተርሚናል -2 ኣብ ለንደን ዓሊብና። እቲ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ጻዕቂ በረራታት ዘአንግድን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ገያሾ ዝመላለሱሉ ሂትሮ፡ ብጽምዋ ጽም-ጽም ክብል እዩ ጸኒሑና።


ሂትሮ ከምዚ'ሉ ክጽሙ ዝኽእል ይመስለንን'ዩ ነይሩ። እቲ ናይ ምጾታት ትርኢት፡ ነተን ብዊል ስሚዝ ዝተሰርሐት ''ዘ ለጀንድ'፡ ከምኡ'ውን ደንዘል ዋሽንግተ ዝዋሳኣላ 'መጽሓፈ ኢላይ' ዝብላ ፊልምታት ድማ ኣዘኻኸረኒ።
ከምዚ ኸማና ነናብ ቤቶም ዝምለሱ ውሑዳት ነበርቲ እንተዘይኮይኑ ካልእ በረራታት የአንግድ ኣይነበረን።
ነፋሪትና ኣብ ምዕላባ ፓይሎት እታ ነፋሪት፡ "እሞ ክቡራት ተጓዓዝቲ፡ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ዝግባእ ጥንቃቐ ክትገብሩ፡ ዝኾነ ምልክታት ሕማም እንተተራእይኩም ከኣ ኣኣብ ቤትኩም ነብስኹም ክትውሽቡ ኣጥቢቕና ንሕብር" ክብል መኺሩና። ኣብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ዝኾነ ካልእ ዝመርመረና ኮነ ዝተዳህየና ኣይነበረን።
ለንደን እውን ከም ከተማታት ኣመሪካ ኣብ ፍጹም ጸጥታ እያ ጸኒሓትኒ። ምንቅስቓስ መካይን ኣዝዩ ነክዩ እታ ኸተማ ኣብ ፍጹም ዕረፍቲ ዘላ ክሳብ ትመስል ሽዑን ሕጅን ሃዲኣ ነይራ። ታክሲ ወሲደ ገዛይ ኣትየ።
ኣብ ኣመሪካ ብሞያውያን ሕክምና መቕርብ ብጽኑዕ ከምዝተመኸርኩዎ፡ ንስድራይ ብምልክት ሰላምታ ሂበ፡ ባልጃታተይ ባዕለይ አእትየ፡ ተኸዲነዮ ዝነበርኩ ብምሉኡ ክዳውንተይ ኣብ ፕላስቲክ ዓሺገ ነብሰይ ተሓጺበ ናብ መዳቕሶይ ሓሊፈ።
ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ መገሻይ ኮሮና ቫይረስ ሒዘ መጺአ እንተኾይነ፡ ኣብቲ ገዛ፡ ገሊኦም ኣዝማ ዘለዎም ዝፈትዎምን ዘፍቅሮም ደቀይን ስድራይን ኣለዉ።
እተን ክልተ ናይ ውሸባ ሳምንታት ክሳብ ዝሓልፋ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሻቅሎት እየ ዘለኹ። እቲ ሕማም፡ ዓለማዊ ወራር ስለዝኾነ ዳርጋ ኣብ ብዙሕ ቤት ተመሳሳሊ ሻቕሎትን ስክፍታን ከምዘሎ ይርድኣኒ እዩ - ባህሪያዊ ከኣ'ዩ። ብዘይካ ምኽርን መምርሕን ሞያውያን ምኽታልን ምስዓብን ካልእ ምርጫ የሎን። እዚ ቀዛፊ ሕማም ግዜኡ ኣብቂዑ ኩሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስን ስክፍታን ሻቕሎትን አህዛብ ዓለም ብተስፋ ክድበስ ተስፋ እገብር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







