ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብድሆታት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል?

መመርመሪ ኮሮናቫይረስ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ኣፍሪቃ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ካብ 10,000 ከም ዝዛየደን፡ ልዕሊ 500 ሰባት ድማ ከም ዝሞቱን ጸብጻባት ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪቃ የመልኽት።

ቁጽሪ መዓልታዊ በቲ ቫይረስ ዝልከፉ ሰባት ኣብ ገለ ክፋል ዓለም እናጎደለ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ኣፍሪቃ ማእከል ለበዳ እቲ ሕማም ከይትኸውን ዝሰግኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።

ከተማታትን ሃገራትን ምንቅስቓሳት ይእግዳን፡ ቻይና'ውን ሓገዝ ዝተፈላለየ መከላኸሊ ንዋትን መተንፈሲ ቨንቲሌተርን ክትህብ እንተላ ሓደ ንጹር ዝኾነ ሓቂ ኣሎ፤ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ትቆጻጸሮ የላን።

'ስጉምቲ ኣብ ምወሳድ ምድንጓይ'

ሓላፊ ሕጹጽ ፐሮግራማት ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪቃ ሚሸል ያኦ፡ "ንርእዮ ከም ዘሎና እዚ ዕድል ደጊም ኣይክህሉን እዩ" ይብል።

"እቲ ዘሻቕል ጉዳይ ከኣ ሃገራት ነዚ ዝኣትውኦ ዘለዋ መድረኽ ክኣልይኦ ዘይኽእላ ምዃነን እዩ። ነዚ ኣተኩሮ ኣብ ምሃብ. . . ዓቕሚ ሰባ ኣብ ምውፋር፡ ዝያዳ ሰባት ኣብ ምስልጣን ምግምጋምን ምድንጓያት ከም ዘሎ ንርእይ ኣሎና" ኢሉ።

ዝተፈላለየ ባህሊ፡ ቁጠባ፡ ርክባት መገሻን ትሕተ ቅርጽን ዘለዎም ዞባታት ምውድዳር ኣጸጋሚ እኳ እንተኾነ፡ ገለ ስእሊ ግና ይህበና እዩ።

ኣብ ዙርያ ዓለም መዓልታዊ ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ኣሃዝ ምስ እነጽንዕ፡ ኣፍሪቃ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኣውሮጳን ብዝሓሸ መልክዕ ነቲ ምልባዕ ትቆጻጸሮ ዘላ ይመስል።

ምስቲ ኤሽያ ክወዳደር ከሎ ግና፡ ከምኡ ኣይኮነን፤ ገለ ሃገራት ኤሽያ ነቲ ምልባዕ ብቕልጡፍ እየን ከጉድልኦ ተራእየን።

ሸቃጣይ የሕምልቲ

ምንጪ ስእሊ, BADRU KATUMBA

ምናልባት ምስ ማእከላይ ምብራቕ ብምውድዳር እቲ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣብኡ ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ብቕልጡፍ እዩ ወሲኹ፤ ኣብዚ እዋን ድማ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ልዕሊ 78000 ከም ዝበጽሐ ውድብ ጥዕና ዓለም ይገልጽ።

እቲ ቫይረስ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ኣፍሪቃ ተራእዩ እዩ፤ መብዛሕትኡ ናብ ወጻኢ ሃገራት ገይሾም ብዝነበሩ ሰባት ዝጀመረ እኳ እንተኾነ ናብቶም ዘይገሹ'ውን ይላባዕ ኣሎ።

ቅኑዕ ግምታት ንምሃብ ኣጸጋሚ ዝገብሩ ዝተፈላለዩ ነገራት ኣለው። "መለከፍቲ ካብቲ ሕጂ ዝርከበሉ ቁጽሪ ብሰለስተ፡ ብዓሰርተ ዕጽፊ'ውን ክውስኽ ይኽእል እዩ" ይብል ዶክተር ያኦ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ክልተ ሰሙናት ናይ ወርሒ መጋቢት፡ ዝተረጋገጸ ቁጽሪ መልከፍቲ ብ 20%-ዕጽፊ እዩ ወሲኹ። ነዚ ንምግታእ ድማ ፕረዚደንት ሰሪል ራማፎሳ ኣብታ ሃገር ዝኾነ ምንቅስቓስ ክሳብ 27 መጋቢት ደው ከም ዝብል ጌይሩ።

መልከፍቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ቁጽሪ መልከፍቲ ክጎድል ምስተራእየ ነቲ እገዳ ምንቅስቓስ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣናዊሕዎ።

እቲ ኣብታ ሃገር ዝተርኣየ ዓቢይ ነገር ምውሳኽ ዓቕሚ መርመራ እዩ ነይሩ።

ዛጊት እታ ሃገር ከባቢ 60,000 መርመራታት ኮቪድ-19 ኣካይዳ ኣላ። ኣብዚ እዋን ድማ መዓልታዊ ከባቢ 5,000 መርመራታት እቲ ቫይረስ ተካይድ ምሃላዋ ሚኒስተር ጥዕና ዘውሊ ምኺዝ ይገልጽ።

ግና እዚ'ውን ምስታ ተመሳሳሊ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ጥልያን ክወዳደር ከሎ እኹል ኣይኮነን። ጥልያን ዛጊት ልዕሊ 700,000 መርመራታታት እያ ኣካዪዳ።

ኣብ ካልእ ክፋል ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ቁጽሪ መርመራታት ድማ ዝያዳ ኣሻቓሊ እዩ።

ናይጀርያን ኬንያን ነፍሲ ወከፈን 5,000 መርመራት እየን ኣካዪደን። እዚ ምስታ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ዝሓየለ ወፍሪ ከም ዘካየደት ዝንገረላ ደቡብ ኮርያ ዝገበረቶ 600,000 መርመራታት ክወዳደር ከሎ ኣሰካፊ እዩ።

ማሕንቖታት መርመራ

ሃገራት ኣፍሪቃ ዓቕሚ መመርመሪታተን ክብ ንምባል ሓያል ቃልሲ የካይዳ ኣለዋ።

ሚኒስተራት ጥዕና ናይ ብሕቲ ላቦራቶሪታት ናብ ማእከላት መርመራ ኮቪድ-19 ቀዪሮም እዮም።

እንተኾነ ግና እዚ እኹል ኣይኮነን። ኣብ ንመመርመሪ ኣብ ዘድልዩ ቀረብ ሕጽረት ኣሎ።

ኮሮና