ሩስያ፡ ስለምንታይ ዕልዋ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ኣሐጕስዋ?

ባንዴራ ሩስያ ዘንበልብሉ መንእሰያት ቡርኪናፋሶ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ባንዴራ ሩስያ ዘንበልብሉ መንእሰያት ቡርኪናፋሶ

ኣብ ቡርኪናፋሶ ድሕሪ ዝተኻየደ ዳሕረዋይ ዕልዋ መንግስቲ፡ መንእሰያት ኣብ ጐደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር - ዋጋዱጉ ባንዴራታት ሩስያ ከንበልብሉ ተራእዮም፤ እዚ ድማ ንክረምሊን ልቢ ዘመውቕ ተረኽቦ ኰይኑ ኣሎ።

ዋላ’ኳ ብቝጽሪ ኣመና ውሑድ እንተዀነ፡ ኣብታ እናዓበየ ብዝኸይድ ዘሎ ጅሃዳዊ ዓመጽ ዝተዳህከት ሃገር፡ ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ስልጣን ዝሓዘሉ ፍጻመ፡ ገለ ኢድ ሩስያ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ግምታት ኣልዒሉ ኣሎ።

የቭገኒ ፕሪጎዚን ዝተባህለ መቓርብቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝዀነ ሃብታምን መስራቲ ናይቲ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝንቀሳቐስን ጽላሎቱ ኣንቢሩ ዘሎን ወተሃደራዊ ጕጅለ ዋግነር፡ ነቲ መንእሰይ መራሒ ዕልዋ፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ብምባል፡ "ብሓቂ ብቝዕን ተባዕን ሃገራዊ" ክብል ገሊጽዎ።

"ህዝቢ ቡርኪናፋሶ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ እዩ ጸኒሑ፣ ገዛእቲ ነቲ ህዝቢ ክዘምቱን ብርኹስ ተግባሮም ክጻወቱ፡ ሸፋቱን ባንዳታትን ከሰልጥኑን ክድግፉን ንህዝቢ ኣብ ሕሰም ሸሚሞምዎ።"

ኣብዚ ብህሎ’ዚ፡ መግዛእታዊ ሓይሊ ተባሂላ ትጥቀስ ዘላ ፈረንሳ እያ፣ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ቡርኪና ዝተፈጸመ ዕልዋ ዝዀኑ መንእሰያት ድማ፡ ባንዴራ ሩስያ ምንብልባል ጥራይ ዘይኮነ፡ ንትካላትን ቤት ጽሕፈት ኤምባሲን ፈረንሳ ኣጥቂዖም እዮም።

እቲ ዝተኻየደ ዓመጽ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ስንባደ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ንዘሎ ጸረ-ፈረንሳዊ ቅርሕንቲ ዘርኢ እዩ።

ፈረንሳ፡ ንገለ ካብቶም ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ዝበሃሉ ጅሃዳውያን ምንቅስቓሳት ንምምካት ብዝብል፡ ኣብ ዞባ ሳሕል - ንቡርኪናፋሶ ዘጠቓለለ ካብ በረኻታት ሰሃራ ንደቡብ ዝርከብ ሓውሲ ደረቕ መሬት - ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ወተሃደራዊ ሓገዛት ክትገብር ጸኒሓ እያ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን፡ ካብታ ግዝኣታ ዝነበረት ማሊ ኣንሳሒባ’ላ። ኣብ ማሊ ምስ ዘሎ ወተሃደራዊ ጁንታ ዝነበራ ዝምድና ድሕሪ ምብታኽ፡ እቲ ወተሃደራዊ መሪሕነት፡ ዕጡቓት ንምምካት ምስ ሩስያ ከም ዘሻረወ ኸኣ ይኽሰስ።

ኣብ ክረምሊን ኣማኻሪ ዝነበረ ሰርገይ ማርኮቭ፡ "ህዝብና ነቲ ሓድሽ መራሒ [ቡርኪናፋሶ] ሓጊዙ እዩ፡" ክብል ትዕዝብቱ ብንጹር ኣቐሚጡ’ሎ። 

"ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ ካብ ምትሕብባር ምስ ፈረንሳ ናብ ኪዳን ምስ ሩስያ ክትሰጋገር እያ" ኢሉ።

እዚ፡ ንተንታኒ ጂኦፖለቲካ እቲ ከባቢ - ዶክተር ሳሙኤል ራማኒ፡ ሩስያ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ እትህቦ ልሙድ ግብረመልሲ ዝሓልፍ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

"ኣብ ዝሓለፉ ዕልዋታት ኣፍሪቃ፡ ሩስያ ተጠቃሚት ናይቲ ዝኽሰት ለውጢ ስርዓታት ክትከውን ፈቲና እያ" ይብል ዶክተር ራማኒ ካብ ሮያል ዩናይትድ ሰርቪስስ ኢንስቲትዩትን ደራሲ መጽሓፍ ‘Russia in Africa’ን [ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ]።

"ሩስያ ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ምድጋፍ ንጥፍቲ እያ ዘላ፣ እዚ ድማ ሩስያ ናይ ምውህሃድ ተራ ተጻዊታ'ያ ዝብል ግምታት ኣስዒቡ'ሎ።"

ሩስያውያን ወተሃደራት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ህላወ ሩስያውያን ወተሃደራት ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ካብ 2018 ጸኒሑ እዩ

እዚ ንጕጅለ ዋግነር ዘመልክት’ኳ እንተዀነ፡ እቲ ጕጅለ ምስ መንግስቲ ዝዀነ ርክብ ከምዘይብሉ እያ ሩስያ ብቐጻሊ ትኽሕድ፣ ብርግጽ፡ ቀጥታዊ ተሳትፎ ሩስያ ከምዘሎ ዘርኢ መርትዖ ከኣ የለን።

ካፕተን ኢብራሂም ትራኦረ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ዝበሎ፡ ነቲ ካብ 2015 ኣትሒዙ ኣብታ ሃገር ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ንምምካት ምስ ሓደስቲ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ምስራሕ ከም ዘድሊ ኣነጺሩ እዩ።

ብዙሓት፡ ኣበሃህላኡ ንሩስያ ከም ዘመልክት ይግምቱ።

እንተዀነ ኣተኵሮኡ ስዕረት ጅሃዳውያን ስለዝዀነ ምስ ኣሜሪካ ይዅን ካልኦት ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ጸጥታ ንምምሕያሽ ክሕግዛ ፍቓደኛታት ዝዀና ሃገራት ንምስራሕ ክፉት እዩ።

ኣሜሪካ፡ ዓመታዊ ዓቢይ ስልጠና ጸረ-ግብረሽበራ ንሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ትውድብ’ኳ እንተዀነት፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ክልቲአን ማሊን ቡርኪናፋሶን ካብ ስርሒት ‘ፍሊንትሎክ’ በዅረን እየን።

ኣብ ማሊ ዘሎ ጁንታ፡ ካብቲ ኣብ 2020 ስልጣን ዝሓዘሉ ግዜ ንደሓር፡ ኣንጻር ኣውሮጳውያንን ኣሜሪካውያንን ኣዝዩ ተጻባኢ መርገጺ ምሓዙ ብምጥቃስ፡ "ቡርኪናፋሶ ካብቲ ማሊ ዝኣተወቶ መጻወድያ ክትሃድም ትደሊ እመስለኒ" ክብል ዶክተር ራማኒ ግምቱ የቐመጥ።

"ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ጽግዕተኛታትን ትሑዛት መንግስቲ ሩስያን ኰይኖም ኣለዉ" ይብል።

"ልክዕ ከምቲ ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ፡ ሩስያውያን ሓንሳእ ኣብዚ ትያትራት’ዚ ምስ ኣተዉ ከውጽእዎም ኣይክኽእሉን እዮም።"

ጅሃዳውያን ጉጅለታት ዝንቀሳቐሱሉ ዞባ ሳሕል
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ጕጅለ ዋግነር ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ንጡፍ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ብጃምላዊ ቅትለት፡ ምስቓይ፡ ኣገዲድካ ምስዋርን ዓመጽን ዝኣመሰሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይኽሰስ እዩ።

ንከም ዋግነር ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ተሓተትቲ ምግባር ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ትብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮፐንሃገን ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰርን ኣደ መንበር ጕጅለ ስራሕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ ዕሱባትን ዶክተር ሶርቻ ማክሊዮድ።

ህላወኦም ከኣ ኣሉታዊ ውጽኢት ክህልዎም ከም ዝኽእል ትገልጽ።

"ኣብ ዕጥቃዊ ግጭታት እንተ ተሳቲፎም፡ ግጭታት ክናውሑን ገበናት ኲናት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ሓደጋ ክበጽሑን እዮም።"

"እቲ ክውንነት፡ እዘን ትካላት ግጭት ክፍታሕ እንከሎ ዝዀነ ረብሓ ዘይብለን ምዃኑ እዩ፤ ገንዘባዊ ድርኺት እዩ ዘለወን።"

ሩስያውያን ዕሱባት፡ ነቲ ኣብ ዩክረን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሩስያ ንምምዋል ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ማሊን ሱዳንን ዝርከብ ባህሪያዊ ሃብቲ ይዘምቱ ከምዘለዉ ኣሜሪካ ትገልጽ።

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ ተሪር መግለጺ፡ ኣፍሪካ እትኸፍሎ ከቢድ ዋጋ እዩ ኢላ።

"ዋግነር፡ ኣክንዲ ቅኑዕ መሻርኽቲ ዝኸውንን ጸጥታ ዘመሓይሽን፡ ነተን ኣምሳያ ናይ ዝህበን ጸጥታዊ ኣገልግሎት ብወርቂ፡ ኣልማዝ፡ ዕንጸይትን ካልእ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝኸፍላ ዓማዊል ሃገራት ይምዝምዘን ኣሎ፤ እዚ ኣካል ንግዳዊ ሞዴል ጕጅለ ዋግነር’ዩ" ትብል፡ ሊንዳ ቶማስ-ግሪንፊልድ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ።

"እዚ ብሕማቕ ዝተረኽበ መኽሰብ፡ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዩክረይንን ንዘሎ ውግእ ሞስኮ ንምምዋል ከም ዝውዕል ንፈልጥ ኢና።"

እዚታት ድማ፡ ካፕተን ትራኦረ ንዅለን እንቋቝሖኡ ኣብ ሓደ ሰኪዐት ከየቐምጠን ንኽጥንቀቕ ገይርዎ ዘሎ ምዃኑ ዘረድእ እዩ።

ዶክተር ራማኒ፡ "ትራኦረ ንዝህሉ ፈተናታት ንምክልኻልን ንዅሉ ወገን ብሚዛን ክርኢ ክጽዕር ከም ዝኽእልን እግምት፡" ይብል።

"ብርግጽ ግን፡ ዝዀነ ምስ ሩስያ ዝግበሮ ምትሕብባር ንፈረንሳን ንምዕራባውያንን ቀታሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣሜሪካን ፈረንሳን ምስ ሩስያ ብሓባር ክነብራ ዝኽእላ ኣይኰናን።"

"እዚ’ዩ ኸኣ ንትራኦረ ላንጋላንጋ ገይርዎ ዘሎ! ምሉእ ብምሉእ ምስ ሩስያ ምውጋን ዶ? ወይስ ደገፋት ወጻኢ ምኽልካል? ከምኡ ምግባር ዝህልዎ ሓደጋ ኸ?"

ቍጥዐ ቡርኪናውያን መንእሰያት፡ ጅሃዳዊ ስግኣታት ምቕልባስ ቀዳምነት እቲ ሓድሽ መራሒ ክኸውን ከም ዘለዎ ዘርኢ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓደ መራሒ ዞባ፡ ብሰንኪ ‘ቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ጸጥታ፡ ቡርኪናፋሶ "ኣብ ኣፍደገ ውድቀት" ከም ዝነበረት ገሊጹ።

ዝዀነ ኰይኑ ጕጅለ ዋግነር ኣብ ቡርኪናፋሶ ክሳብ ክንደይ ውጽኢታውያን ምዀኑ ዝብል ሕቶታት ኣሎ።

እዚ ጕጅለ ኣብ ማሊ ንሓደ ዓመት ዘይመልእ ንጡፍ ስርሒታት ከካይድ’ኳ እንተጸንሐ፡ መጥቃዕትታት ጅሃዳውያን ግን እናወሰኹ እዮም ክመጽኡ ጸኒሖም። ኣብ ርእሲኡ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰሱ ስለዝጸንሑ፡ ብኣጋኡ ዝረኣዩ ዘለው ምልክታት ጽቡቕ ኣይመስሉን።

እታ ሃገር፡ ኣብዚ ዓመተ 2022 ክሳብ ሕጂ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ዝለዓለ ቝጽሪ ሞት ዘመዝገበት ማእከል ቅልውላው ሃገራት ሳሕል ዝዀነት ትመስል።

ኣብ ርእሲኡ፡ እዛ ዓመት - 2022 እቲ ናዕቢ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንኽልቲአን ሃገራት ቡርኪናፋሶን ማሊን ቅትለት ዝበዝሓ ዓመት ትመስል።

"ዋግነር፡ ህውከት ኣብ ምፍጣር ሓያል እዩ። ከም ተዋጋኢ ሓይሊ ግን ብፍላይ ኣብ ሓድሽን ተጻባእን መሬት እዩ ዝቃለስ ዘሎ" ይብል ዶክተር ራማኒ።

ፈረንሳ ንምስፍሕፋሕ እቲ ዓመጽ ደው ከተብሎ ዘይምኽኣላ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ስልጣን ሒዞም ዘለዉ ወተሃደራውያን ጕጅለታት ምስ ሩስያ ክሰርሑ ክመርጹ ክድርዀም ከምዝኽእል ይኣምን።

ኣብ ርእሲኡ፡ ሩስያ ኣዝያ ውሑድ ጠለብ ዘለዋ ናይ ወጻኢ መሻርኽቲ እያ።

ዶክተር ራማኒ፡ "ሩስያ ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላትን ዲሞክራስን ኢዳ ዘይተእቱ መሻርኽቲ እያ ትረአ፡" ይብል።

"ኣገባብ ኣነባብራኣ’ውን ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ክትጽዕን ኣይትፍትንን እያ - እዚ ድማ በቶም ምልካውያንን ‘ክለፕቶክራትን’ ኣመና ተደላዪ ባህሪ እዩ።"