ቅልውላው ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ ዓዲ ግራት ከምዝተቖጻጸረ ሓቢሩ

ሰራዊት ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንከተማ ዓዲ ግራት ከምዝተቖጻጸረ ሎሚ ኣብ ዘውጽሖ መግለጺ ኣፍሊጢ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ፡ ንከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ከምዝተቖጻጸረን አፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብማዕከን ዜና እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ዓዲ ግራት ሓያል ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝነበረን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረደን ሓቢሩ።

በቲ ደብዳብ ከቢድ ብረት ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ትሸዓተ ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ'ውን እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፡ ኣብ ክልል ትግራይ መራኸብታት ተዓጽዩ ብምህላዉ፡ ናይ ክልቲኡ ወገን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ገብረ ገብረጻዲቕ፡ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ክልል ትግራይ ውግእ ክካየድ ከምዝወዓለን ኣብ ግንባራት መኾኒን ዛላምበሳን ዓወት ከምዘመዝገቡን ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ሰራዊቱ ንከተማታት ኣኽሱም ዓድዋን ዓዲ ግራትን ተቖጻጺሩ ናብ መቐለ ገጹ ይግስግስ ከምዘሎ አፍሊጡ።

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ዝርከባ ከተማታት ኣክሱምን ዓድዋን ካብ ሞንጎ እተን ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ እየን።

ኣፈኛ ሓይልታት ትግራይ ገብረ ገብረጻዲቕ ትማሊ አብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ንወተሃደራዊ ዒላማ ዝገበረ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከተማ ባህርዳር መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ብቴለቪዥን ትግራይ ሓቢሩ።

ይኹን እምበር ማዕከናት ዜና ክልል ኣምሓራ፡ ዝወረደ ጉድኣት ከምዘየለ ገሊጸን ነይረን።

ኣብ ባህርዳር ሓሙስ ለይቲ ዳግማይ ናይ ሮኬት መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ነበርትን ምምሕዳር እቲ ክልልን ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ስፍራ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ፡ ሰዓት 1፡30 ናይ ለይቲ ኣብታ ከተማ ብርቱዕ ድምጺ ከም እተሰምዐ ኣረጋጊጹ። እንተኾነ እቲ መጥቃዕቲ ሮኬት ኣበየናይ ዕላማ ከምዘነጻጸረን እንታይ ጉድኣት ከምዘጋጠመን ቢቢሲ ከረጋግጽ ኣይከኣለን።

ማዕከናት ዜና ፈደራላዊ መንግስቲ'ውን ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ መጥቃዕትታቱ ቀጺሉ ከምዘሎ ኣቃሊሐን ኣለዋ።

ዝሓለፈ ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ'ውን ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፋሪት ኲናት ከም እተኻየደ ምንጭታት ንቢቢሲ ገሊጾም።

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣበቲ ደብዳብ ቆሲሎም ናይ ዝበሎም ተምሃሮ ስእልታት ኣቕሪቡ ነይሩ። መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባቲ ደብዳብ ነፈርቲ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ብናጻ ኣካል እውን ኣይተረጋገጸን።

ቅድሚኡ እውን ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዝተኻየደን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተሃርሙን ሪፖርተር ቢቢሲ ኣረጋጊጹ ነይሩ።

እቲ ግጭት ካብ ዘጋጥም ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ደብዳብ ነፈርቲ ይካየድ ምህላውን ሰላማውያን ሰባት ከምዝተጎድኡን መራሕቲ ትግራይ ይገልጹ።

መንግስቲ ፌደራል ግን፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንወተሃደራዊ ነቑጣታት ዘነጻጸረ እዩ ይብል።

ብተመሳሳሊ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ንዝርከቡ መዕርፎ ነፈርቲ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ሮኬት ተኻይዱ ምንባሩ ይዝከር።

ባሕር ዳር ከተማ

ብቀዳም 14 ሕዳር'ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ናብ ኣስመራ ተኻዪዱ ነይሩ። መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ኣይተዛረበን።

ኣባል መሪሕነት ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ እቲ ኣብዘን ከተማታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ከም እተኻየደ ኣረጋጊጹ።

ኣብ መንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ኲናት ካብ ዝጅመር ልዕሊ ክልተ ሰሙናት ገይሩ'ሎ።

ሰብኣዊ ቅልውላው

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት መዓልታዊ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።

በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣስታት 36,000 ሰባት ካብቲ ናይ ኵናት ዞባ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሱዳን ሓቢራ ኣላ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ከባቢ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ዕጽፍታት ናይቶም ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ።

ናብ ትግራይ ከእትዎም ዝኽእል መስመራት ስለዝተዓጽወ እቲ ተጻባይ ረድኤት ስደተኛን ህዝብን ኣብ ጸገም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - ዩኒሴፍ፡ ኣብ ትግራይ 2.3 ሚልዮን ህጻናት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮም ሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ብሰንኪ'ቲ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ነቶም ህጻናት ዝወሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከብጽሖም ከምዘይከኣለ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ፈደራል ንከተማታት ዓድዋን ኣኽሱምን ከምዝተቐጻጸረ ገሊጹ

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።

ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።

ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።፡፡

ቅልውላው ትግራይ ኢትዮጵያ