ቅልውላው ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ 76 ጀነራላት ዝርከብዎም ላዕለዎት መኮነናት ክእሰሩ ኣዚዙ

ቅልውላው ትግራይ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህውሓት ቀጥታዊ ርክብ ኣለዎም ዝበሎም ጀነራላት ዝርከብዎም 76 ወተሃደራውያን መኮንናት ኣብ ዝተታሕዝዎ ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ትግራይ ኣብ መንጎ ሓይልታት እታ ብህወሓት እትምራሕ ዘላ ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓያል ኵናት ይካየድ ምህላው ይግለጽ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ብወገኑ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነታ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት ከተማ መቐለ ንምቁጽጻር ይግስግስ ምህላዉ እዩ ዝሕብር።

ብሰንኪ እዞም ክልተ ሓይልታት ዘካይድዎ ዘለዉ ኵናት፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣማኢት ሰባት ከምዝሞቱን ብኣሕሻት ዝቁጸሩ ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቂሎም ከምዘለዉ እዩ ዝሕበር።

ኣብ ትግራይ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኵናት ኣትሒዙ መሰመር ቴሌፎንን ኢንተርኔትን ስለዘቋረጸ ብዛዕባ ዝካየድ ዘሎ ኵናት እኹል ሓበሬታ ንኸይርከብ ማሕለኻ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ንትግራይ ዝመርሓ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ወጥሪ እዩ ናብ ኵናት ዓሪጉ ዘሎ።

ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።

ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።

መንግስቲ ኢትዩጵያ ብወገኑ ህወሓት ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፌደራል መጥቓዕቲ ብምፍጻም ወተሃደራዊ ብረት ሰሊቦም ኢሉ ብምኽሳስ ኣብ ልዕሊኦም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ፡ ህወሓት ግን እቲ ኣብይ ኣሕመድ ዝበሎ ከምዘይውዓልዎ እዮም ዝገልጹ።

ኣመዓባብላ እቲ ኩናት

እንታይ ሓዲሽ ምዕባለ ኣሎ?

ትማሊ ረቡዕ ፖሊስ ፈደራል፡ ጀነራላት ዝርከብዎም 76 ወተሃደራውያን መኮንናት ኣብ ዝተታሕዝዎ ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ፤ ካብኣቶም ገሊኦም ጥሮታ ዝወጽኡ እዮም።

ፖሊስ ፈደራል ነዞም 76 መኮነናት ምስ ህወሓት ቀጥታዊ ርከብ ብምግባር ‘ክሕደት ፈጺሞም’ ብምባል እቲ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ኤኤፍፒ ጠቒሱ።

ውሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስተር ቢሌነ ስዩም፡ ተጋሩ ብሰንኪ ዓሌቶም ይእሰሩ ኣለዉ ድዮም ዝብል ካብ ቢቢሲ ዝቐረበላ ሕቶ ጌጋ ጸብጻብ እዩ ዝብል መልሲ ሂባትሉ።

እንተኾነ፡ ምስቲ ንሳ ‘ገበናዊ መርበብ’ ዝበለቶ ርክብ ዝነበሮም ዝተኣሰሩ ከምዘለዉ ሓቢራ።

ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ ንሰራዊት ትግራይ ኢዶም ክህቡ ሂብዎም ዝነበረ ናይ ሰለስተ መዓልታት መጸዋዕታን መጠንቀቕታን ብሰሉስ ድሕሪ ምእኻሉ፡ መጥቃዕቲ ብምውሳድ ከተማ ሽረ ከምዝተቆጻጸሩ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እዚ ናይዞም ጀነራልት ይተኣሰሩ ዝብል ትእዛዝ መጺኡ።

ፕረዚደንት ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ እታ መበቆል ዓዱ ከተማ ሽረ ብሓይልታት ፈደራል ከምዝተተሓዘት ኣብ ተለቪዥን ቀሩቡ ተዛሪቡ እዩ። እንተኾነ እቲ ዓወት ግዝያዊ ምዃኑን ንሰራዊት ኣብይ ከምዝስዕርዎን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ።

በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣስታት 36,000 ሰባት ካብቲ ናይ ኵናት ዞባ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሱዳን ሓቢራ ኣላ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ከባቢ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ ኣሎ።

ውሃቢ ቃለ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ጅንስ ላርክ “ኣብ ትግራይን’ውን ዓቢ ውሽጣዊ ምፍንቓል ኣሎ፡ ንሕና ድማ ብዝካኣላና ንዳሎ ኣለና” ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ዕጽፍታት ናይቶም ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ብምስጋእ ናብ ትግራይ ከእትዎም ዝኽእል መስመራት ስለዝተዓጽወ ይሕበር።

መራሕቲ ሃገራት ኬንያን ኡጓንዳን እቲ ኵናት ብዘተ ሰለማዊ መዕለቢ ክግበረሉ ተማሕጺኖም ኣለዉ።

እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት ንዝግብር ዝኾነ ዓይነት ዘተ ቅሩብ ከምዘይኮነ እዩ ዝገልጽ።

ኣክሱማዊ ንግስነት ማእከል እቲ ዞባ እዩ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓሙሽተ ነገራት ብዛዕባ ትግራይ:

  • ኣክሱማዊ ንግስነት ማእከል እቲ ዞባ እዩ ነይሩ፡ ሓደ ካብ ጥንታውያን ምዕባለታት እዛ ዓለም ዝቁጸር ኣክሱማዊ ንግስነት፡ ካብ ንግስነት ሮማን ፐርሽያን ዝሓየለ ከምዝነበረ እዩ ዝግለጽ።
  • ኣብ ኣከሱም ዘለዉ ሓወልትታት ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ኣትዮም'ዮም። እቲ ካብ ቀዳማይ ክሳብ 13 ክፍለ ዘመን ከምዝተሃንጹ ዝንገረሎም ሓወልትታት ቅርስታትን ሓድግታትን ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ውርሻ ኣትዮም።
  • ዝበዝሐ ህዝቢ ትግራይ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ክርስትያ እዮም። እቲ ክልል ካብ ቅድሚ 1600 ዓመታት ኣትሒዙ ንእምነት ኦርቶክስ ክርስትያን ክኽተሎ ከምዝጀመረ መዛግብቲ ይሕብሩ።
  • ቀንዲ ቋንቋ እቲ ክልል ትግርኛ እዩ፡ ብደረጃ ዓለም (ኤርትራን ኢትዮጵያን) ብውሑዱ ሸውዓት ሚልዮን ተዛረብቲ ትግርኛ ከምዘለዉ ይግመት።
  • ኣብቲ ክልል ስምስም ብብዝሒ እዩ ዝፈሪ፡ ኣብዚ ክልል ዝፈሪ ስምስም ናብ ኣመሪካን ቻይናን ካልኦት ሃገራትን ብሰደድ ይልኣኽ እዩ።