'ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኢዶም ዝህብሉ መዓልቲ ገደብ ኣብቂዑ'- ኣቢዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, SIMONA GRANATI - CORBIS
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ትግራይ ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢዶም ብምሃብ ነብሶም ከድሕኑ ዝተዋህቦም መዓልታት ከምዘብቀዐ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጠቀዖ ጽሑፍ ገሊጹ።
''ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ሕጊ ናይ ምኽባር ወሳኒ ስራሕ ክፍጸም እዩ'' ድማ ኢሉ፡፡
ኣቢዪ፡ ነቲ ናይ ድሕነት ጻውዒት ዝተቐበሉ፡ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ትግራይ ንዝወሰድዎ ሓላፊነት ዝመልኦ ተግባር ከምስገኑ ይግባእ ኢሉ።
ዛጊት ክንደይ ዝኣኽሉ ኣባላት ሚልሻን ፍሉይ ሓይልን ትግራይ ኢዶም ከምዝሃቡ ዝተገልጸ የለን።
ይኹን እምበር መራኸብቲ ውሽጢ ዓዲ ኢትዮጵያ ኢዶም ሂቦም ንዝተባህሉ ሰባት ኣቕሪበን ነይረን።
እቲ ምስ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ጎንጺ ኣትዩ ዘሎ መራሒ መንግስቲ ትግራይ ዶ/ር ደብረጽን ገ/ሚካኤል ብወገኑ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሚድያ ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኸየደ ውግእ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብዎም 10 ሽሕ ወተሃደራት ፈደራል ከምዝተማረኹ ተዛሪቡ ነይሩ።
ገለ ኤርትራውያን ምሩኻት ንዝበሎም እውን ኣብ ማዕከናት ዜና ትግራይ ቀሪቦም ነይሮም። ብወገን ኤርትራ ይኹን ካልእ ናጻ ኣካል ግን ዝተባህለ የለን።
ኣመዓባብላ እቲ ኩናትን ህሉው ኩነታትን
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሰሜን እዝ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ድሕሪ ምግላጹ፡ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ክውሰድ ብዝሃቦ ትእዛዝ መሰረት ዝተወለዐ ኲናት ዳርጋ ክልተ ሰሙን ገይሩ ኣሎ፡፡
በቲ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ካልኦት ኣንፈታት እውን ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ቁጽሩ እኳ እንተዘይተገለጸ፡ ብኽልቲኡ ወገን ብዙሕ ሞትን ጉድኣትን ከምዝበጽሐ እዩ ዝንገር፡፡
ሓያል ጎንጺ ኣብ ዝተኻየደሉ ከባቢ ምዕራብ ትግራይ ዝነብሩ ሰባት ድማ ካብቲ ኲናት ሃዲሞም ናብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን ይስደዱ ከምዘለዉን እቲ ቑጽሪ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ይውስኽ ከምዘሎን ካብታ ሃገር ዝወጽኡ ጽብጻባት ይሕብሩ፡፡
በቲ ኣብ መንጎ ሓይሊታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ዝተጀመረ ኲናት፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፈአ ኲናት ሓድሕድን ሰብኣዊ ቅልውላውን ከይተምርሕ ዝሰግኡ ኣህጉራዊ ትካላትን መንግስታትን እቲ ጎንጺ ክሃድእ ጸዊዖም።
ትካላት ረድኤትን ሰብኣዊ መሰላትን ድማ፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሐገዝ ንምብጻሕ መገዲ ክኽፈትን ኣገልግሎታት ስልኪ ክኽፈትን ይጽውዑ ኣለዉ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ዝጀመሮ ''ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ'' ኣብ ሓጺር እዋን ዝውዳእ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ንሰላማዊ ዘተ ዝቐረበሉ ጻውዒት ብተደጋጋሚ ክነጽጎ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ፌደራል መረጻ እታ ሃገር ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምንውሑ፡ መንግስቲ ትግራይ ካብ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራል ወጻኢ ናይ ባዕሉ መረጻ ኣካይዱ ሓድሽ ክልላዊ መንግስቲ ድሕሪ ምክያዱ እዩ እቲ ነገር ተባሊሑ።
በዚ ድማ ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ፌደራልን ዝነበረ ምትፍናን ናብ ዝለዓለ ብራኸ በጺሑ ባይቶ ፌደሬሽን፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዘይሕጋዊ ብምባል መንግስቲ ፌደራል ምስቲ ክልል ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይገብር ወሲኑ፡፡
መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ድሕሪ 30 መስከረም፡ እቲ ኣብ ፌደራል ዘሎ ሓይሊ ዘይቅቡል እዩ ብምባል ተወከልቱ ካብቲ ቤት ምኽሪ ስሒቡ፡፡
ባጀት እቲ ክልል ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ከይወሃብ ዝተወሰደ ስጉምቲ ድማ ነቲ ወጥሪ ሰማይ ኣዕሪጉዎ፡፡
ድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተወለዐ ኲናት ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ተዓጽዮም እዮም፡፡








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







