ቅልውላዉ ትግራይ: ስለምንታይ ኢትዮጵያ ብናህሪ ናብ ኲናት ሕድሕድ ተንቆልቁል ኣላ

ዕጡቕ ሓረስታይ

ምንጪ ስእሊ, AFP

    • Author, ኣሌክስ ዴ ዋል
    • Role, ኪኢላ ጉዳያት ኣፍሪቃ

ኢትዮጵያ ብናህሪ ናብ ኲናት ሕድሕድ ተምርሕ ዘላ ትመስል። ኣብ መንጎ ብኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ ፌዴራል መንግስትን ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ህይወቶም እንትስእኑ እታ ሃገር ድማ ከይትበታተን ተስግእ ኣላ።

ኲናት ይቕጽል እዩ ዘሎ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ድማ ናይ ቃላት ኲናት’ውን ቀጺሉ ኣሎ። ነፍሲ ወከፎም፡ ህዝቢ ኣብ ጎድኖም ከሰልፉ ይፍትኑ ኣለዉ። ነናቶም ምኽንያት ንማሕበረሰብ ዓለም ከእምኑ ድማ ይጽዕሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ መንግስትን ህወሓትን፡ እቲ ኲናት መን እዩ ጀሚሩዎ ኣብ ዝብል ነንሓድሕዶም ይካሰሱ ኣለዉ።

ኣብዪ፡ ሰራዊቱ ብለይቲ ከምዝተቐትሉ እዩ ዝገልጽ። መራሒ ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ድማ፡ ብሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተወደበ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸሞም ይዛረብ።

ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ኣብ ምርኢት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ክልቲኦም ወገናት ናይ ሞራል ልዕልና ንምርካብ ይቀዳደሙ ኣለዉ

ዘይሻራዊ መርመራ ተኻይዱ እቲ ሓቂ ክሳብ ዝፍለጥ፡ እዞም ክስታት ጭብጢ ዘይብሎም ጠቐነታት ካብ ምዃን ኣይሓልፉን። እንተኾነ፡ ጽልኢ ንምልዕዓል ግን፡ ኣብ ተግባር ይውዕሉ ኣለዉ።

‘ዘበነልማት’

ክልቲኦም ንታሪኽ ኢትዮጵያ ዝርእይሉ መነጽር ዝተፈለየ እዩ። ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ 1974 ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ዙፋን ምስተኣለዩ፡ ወተሃደወራዊ ‘ጁንታ’ ደርጊ ስልጣን ሒዙ።

ደርጊ ድማ፡ ብሕማቕ ዝዝከር ‘ቀይሕ ራዕዲ’ ብዝብል ኣሻሓት መናእሰይ ኢትዮጵውያን ክሃልቁ ገይሩ። ካብኡ ድማ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ነዊሕ ኲናት ሕድሕድ ቀጺሉ።

ህወሓት ነዚ ‘ቀይሕ ራዕዲ’ ዝኣወጀ ስርዓት ካብ ስልጣን ንምውራድ ዘካየዶ ኲናት ዝርሳዕ ኣይኮነን።

ኣብቲ እዋን፡ ብሰንኪ መዓልታዊ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ብለይቲ ጥራሕ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተጋሩ፡ ነቲ እዋን ‘ዘበነ ጸልማት’ ኢሎም እዮም ዝዝክርዎ።

ኣብ 1988 ኣብ ከተማ ሓውዜን ጥራይ፡ ዘሰንብድ ደብዳብ ኣብ ዕዳጋ ደብዳብ ነፈርቲ ተኻይዱ። ኣብ’ዛ ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ዝተቐተሉላ መዓልቲ፡ ብሕሱም ትክን ባርዕን፡ እቲ ብሩህ ቐትሪ ናብ ናይ ጸልማት ከውታ ለይቲ ተቐይሩ ውዒሉ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ብህወሓት ዝምራሕ ግንባር፡ ኢህወዴግ፡ ኣብ 1991 ንወተሃደራዊ ስርዓት ደርጊ ስዒሩ ካብ ስልጣን ኣልዩዎ።

ኣብ’ታ ስልጣን ዝተረከቡላ መዓልቲ፡ ናይ’ቲ ግንባር መራሒ ዝነበረ ትግራዋይ መለስ ዜናዊ፡ ቀዳማይ ዕላማኦም ኢትዮጵያውያን ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ግዜ ክምገቡ ምኽኣል ከምዝኾነ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ዝሓለፉ 27 ዓመታት፡ ነቲ ሓደ ካብ ሓሙሽተ ዘጋጥም ዝነበረ ሞት ህጻናት፡ ናብ ሓደ ካብ 20 ትሕት ከም ዝጎድል ገይሩ።

ጥሜት ተቦንቊሩ። ከቢድ ዝበሃል ኲናት ሕድሕድ ኣብቂዑ።

ስእሊ ስውኣት ዝሓዛ ተጋሩ ደቂኣንስትዮ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ህወሓት ነቲ ኣንጻር "ቀይሕ ራዕዲ" ዝገበሮ ተጋድሎ ብቐሊሉ ኣይክርስዖን'ዩ

እንተኾነ፡ ኢትዮጵያ ጨና ዲሞክራሲ ስኢና ነይራ። ኣብዪ ኣሕመድን ሰዓብቱን ብወገኖም፡ ነዚ ዘመን ‘ናይ ጸልማት ዘበን’ እዮም ዝብልዎ።

ሓድሽ ወለዶ ኣፉ ክዓብስ ተገይሩ። ካብ ተሳትፎ ፖለቲካ ድማ ተገሊሉ።

ሓደ ንኡስ ጉጅለ ህወሓት ነቲ ሃገራዊ ፖለቲካ፣ ሰራዊትን ቁጠባን ተቖጻጺሩ ንረብሕኡ ኣውዒሉዎ፡ ኢሎም ዝምጉቱ ኣለዉ።

ነዚ ስዒቡ ብዝመጽአ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ካብ ኦሮሞያ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ወጺኡ። ኢህወዴግ፡ ኣቦ መንበሩ ገይሩ ምስ መረጾ ብኡ ኣቢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ።

ነቲ ተዓቢሱ ዝነበረ ፖለቲካ ንፋስ ሂብዎ። ነቲ ግንባር ኣፍሪሱ ድማ፡ ሓድሽ ፓርቲ ብልጽግና መስሪቱ። እዚ ስጉምቲ፡ ህዝባዊ ናእዳ ክረክብ ገይርዎ ነይሩ።

ነቐፍቱ ግና፡ ‘ምፍራስ፡ ምህናጽ ማለት ኣይኮነን’ ኢሎም ኣናኢሶምዎ።

ደም እናተለገሰ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ብኣማኢት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ደም ይልግሱ ኣለዉ

ኣብዪ ምስ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ፈጢሩ። ብሰንኩ ድማ፡ ናይ ኖቤል ሽልማት ተዓዊቱ። ናይ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናይ ቀረባ መሓዛ ድማ ኾይኑ። ርግጽ፡ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሰራዊታን ሓዊሱ ‘ክትፈርስ ኣለዋ’ ዝብል ጽኑዕ ቅዋም እዩ ዘለዎ።

ኣብዪ ሰዓቢ እምነት ፕሮቴስታንት ኮይኑ፡ ክዛረብ እንተሎ እቲ ስልጣን ካብ ፈጣሪ ከምዝረኸቦ ገይሩ እዩ ዝዘራብ።

ናይ ትምህርቲ መመረቒ ጽሑፉ ሓዊሱ፡ ዝጽሕፎም ነገራት፡ ነቶም ‘መነቓቓሕቲ’ ዝብሃሉ ናይ ንግዳዊ ትምህርቲ ጽሑፋት እዮም ዝመስሉ።

ንሱ፡ ‘ንጡፍ መሪሕነት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓቅነት ይፈጥር እዩ’ ዝብል ልዑል ርእሰ ምትእምማን ኣለዎ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኮነ ኣብ ኣበባ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ኣምሓሩ ከምዝድግፍዎ ኣየጠራጥርን።

ይኹን’ምበር፤ ንሱ ኮነ ውድቡ ብልጽግና፡ ዛጊድ ብመረጻ ኣይተፈቱን።

‘ሕገ መንግስቲ ክጓሓፍ ኣለዎ

ብባንዴራን ኣፍራስን ዝተዓጀቡ ተወላዶ ብሄር ኦሮሞ ኣብ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ዋላ'ኳ ንፖለቲካ እታ ሃገር እንተኸፈቶ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ግን ጠሊሙና ዝብል ስምዒት ኣሕዲሩ'ሎ

ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ መረጻ፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድን ካልእን፡ ንዘይተወሰነ ግዜ ምስ ኣሰጋገረቶ፡ ህወሓት ኣይተቐበሎን። ትግራይ፡ ብዘይ ፍታው ናይ ፌደራላዊ መንግስትን፡ ሰልፊ ብልጽግና ዘይተሳተፎን መረጻ ኣካዪዳ።

እቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብተደጋጋሚ ብምስግጋሩ፤ ህወሓት፡ ዘመነ ስልጣን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዘብቅዐ ብምግላጽ፡ ሕጋውነት ከም ዘይህልዎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፌደራላዊ ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ እታ መረጻ ዘካየደት ክልል ትግራይ ጥራይ፡ ሕጋዊ መንግስቲ ከም ዘለዋ’ውን ገሊጾም።

እቲ ፖለቲካዊ ዓውደ ኲናት፡ ኣብ ዙርያ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ ዘተኩር።

እታ ሃገር ብፌደራላዊ ስርዓት እትመሓደር ኮይና፡ እቶም ዓበይቲ ብሄራት ከክልሎም ከመሓድሩ ዝገብር እዩ። እዚ፡ ኢህወዴግ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ማለት ኣብ 1994 ዝተኣታተወ ስርዓት እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ግና ነዚ ስርዓት ክኣልዮ እዩ ዝደልይ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ (ጸጋም) ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ንሓይልታት ትግራይ ንምጥቃዕ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ተሻሪኹ ዝብሉ ኣለዉ

ብመሰረት እቲ ሕገ-መንግስቲ፡ ክልላት ኢትዮጵያ መሰል ርእሰ-ውሳነ (self-determination) ኣለወን። እዚ ማለት፡ ኣብ ማእከላይ መንግስቲ ናይ ደሞክራሲ ጸገም እንተልዩ፡ ዝደለየት ክልል ብናታ መገዲ ክትከይድ ትኽእል እያ።

እዚ ብተጋሩ ጥራይ ኣይኮነን ዝጥለብ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ብሄር ኦሮሞ ዝርከቦም፡ መራሕቲ ናይቶም ብታሪኽ ዝተጓነዩ ጉጅለታት እውን ዝጠልብዎ እዩ።

ህወሓት፡ ንምግንጻል ጠለብ ኣየቕረበን። እቲ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ግና ናብኡ እዩ ዝደፍኦ ዘሎ።

ፖለቲካዊ ዕብለላ ህውሓት፡ ንብዙሓት ተወለድቲ ኦሮሞን ካልኦት ብሄራት ደቡብ ኢትዮጵያን ኣቖጢዑ ይኸውን።

እንተኾነ ግና፡ ኩላቶም፡ ነቲ ‘ንርእስኻ ምምሕዳር’ ዝብል ዓንቀጽ ናይ’ቲ ሕገ መንግስቲ ክዕቀብ ይደልይዎ።

ሓደ ካብዞም ብሄራት ዝኾነ ህዝቢ ሲዳማ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ገዛእ ርእሱ ፌደራላዊ ክልል ክህልዎ ኣድሚጹ እዩ።

“ንሕና ተዘይመሪሕናያ ትፍረስ”

ኣብ’ዚ ዓመት እዚ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ኣንጻር እቶም ብተቓውሞ ናብ ስልጣን ዘምጽእዎ መናእሰይ ኦሮሞ ስጉምትታት ወሲዱ እዩ።

ድሕሪ ቅትለት ውሩይ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ዝተልዓለ ናዕቢ፡ ኣስታት 150 ሰባት ሞይቶም፤ ልዕሊ 10,000 ሰተት ድማ ተኣሲሮም። እዚ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ብወዝሰሶ ስጉምቲ እዩ።

ካብቶም ዝተኣሰሩ ድማ፡ መስራቲ ‘ኦሮሞ ሚድያ ኔትዎርክ’ ጃዋር መሓመድ ይርከቦም። ንሱ ብክሲ ሽበራ እዩ ተኣሲሩ ዘሎ። ካልእ ምኩር ተቓዋሚ ልደቱ ኣያሌው እውን፡ ቤት ፍርዲ ‘ይፈታሕ’ ኢሉ’ኳ እንተወሰነ፡ ካብ ማእሰርቲ ኣይተፈትሐን።

ንርእሶም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሎም ዝጽውዑ ዕጡቓት፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኦሮሚያ ወለጋ ኣብ ዝበለል ቦታ፡ ሓምሳ ተወለድቲ ኣምሓራ ከምዝቐተሉ ይግለጽ።

ኣብዪ ኣሕመድ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ክዛረብ እንከሎ፡ “ንሕና እንተዘይመሪሕናያ ትፍረስ” ብዝብሉ “ናይ ኢትዮጵያ ጸላእቲ” ዝተፈጸመ እዩ ክብል ብተዘዋዋሪ ንህወሓት ክነቅፍ ተሰሚዑ።

መብዛሕተኦም ደገፍቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ እቲ ሕዚ ዘሎ ፌደራላዊ ስርዓት ፈሪሱ ብኣሃዳዊ ስርዓት መንግስቲ ክልወጥ ዝደልዩ ፖለቲከኛታት ኣምሓራ እዮም።

ናብ ሱዳን ዝሃደማ ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ብሰንኪ እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ድሮ ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ሱዳን ሃዲሞም

እቲ ኣብ ብሄር ዝተደረኸ ስርዓት ፌደራሊዝም ክንቀፈሉ ዝኽእል ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎ። እንተኾነ፡ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዝተዓጠቑን ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘለዎምን ዝተፈላለዩ ጉጅለታት፡ ብዘይ ድልየቶም ክግዝኡ ከምዘይክእሉ ብንጹር ገሊጾም እዮም።

ካብ’ቲ ኩናት ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ዝወጹ ሓበሬታታት ኣብ ንጹሃን ተወለድቲ ኣምሓራ ቅትለት ከምዝተፈጸመ ይገልጹ። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ኢትዮጵያን ድማ፡ ተጋሩ ይግፈፉን ይእሰሩን ምህላዎም ይግለጽ።

ሓይልታት መንግስቲ፡ ንትግራይ ካብ መራኸብታት በቲኾምዋ ኣለዉ። ብተወሳኺ ድማ፡ ናብ’ታ ክልል ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ዓጊቶምዎ ይርከቡ።

ህወሓት ንትግራይ ክወርሩ መጺኦም ዝበሎም ወተሃደራት ኤርትራ ከምዝማረኸ እዩ ዝገልጽ።

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነታ ክልል ክቆጻጸር እዩ ኲናት ኣዊጁ ዘሎ። ንጉዳያት ኢትዮጵያ ዝከታተሉ ተዓዘብቲ፡ እዚ ክኸውን ከምዘይክእል እዮም ዝኣምኑ።

ገለ ሰባት፡ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ተፈጺሙ ንዘሎ ወራር ኣብ ምትላም፡ ኢዱ ሓዊሱ ክኸውን ከምዝኽእል እዮም ዝገልጹ። ንሱ ግን ኣይተዛረበን።

ጎንጺ ኢትዮጵያ ኣዝዩ እዩ ዝዓርግ ዘሎ።

እዚ ድማ፡ ህይወት ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከጥፍእ ይኽእል።፟ኢትዮጵያ ክትፈርስ ኣይትኽእልን እያ’ ኢልካ ምድምዳም’ውን ዝኸብድ እዩ።