መንግስቲ ክልል ትግራይ ንኣስመራ ብሚሳይል ደብዲቡ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣፈኛ መንግስቲ ክልል ትግራይ ንከተማ ኣስመራ ከምዝደብደቡ ገሊጹ። ትማሊ ምሸት ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ሓያል ነትጒ ከምዝተሰምዐ ሓያሎ ነበርቲ እታ ከተማ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ትግራይ ናብ ኣስመራ ሚሳይል ከምዝተኮሱ ብትዊተር ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ምላሽ የሎን።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ትማሊ 14 ሕዳር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕትታት ከምዝፈነወ ብምኽሳስ፡ ኣብ ኤርትራ'ውን "ዝተመርጹ ዒላማታት" ክሃርሙ ምዃኖም ኣጠንቂቖም ነይሮም።
ብኻልእ ወገን ምስ ትግራይ ኣብ ዘዳውብ ዝተፈላለየ ግንባራት ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ምንጭታት ንቢበሲ ኣረጋጊጾም።
ብሰሉስ 10 ሕዳር፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኤርትራ "ኣብ ውሽጣዊ ግጭት [ኢትዮጵያ]" ከምዘይትኣቱ ተዛሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ'ዚ ሎሚ ኣብ ኣስመራ ዝተሰምዐ ነትጒ ግን ዛጊት ብወገ ንኤርትራ ዝተገልጸ የለን።
ኣፈኛ ማእከላይ እዚ ትግራይ ንማዕከናት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣብ ምሩጻት ዒላማታት ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ" ከምዘካይዱ ጠቒሱ ነይሩ።
ናብ ቀዳም ዘውግሐ ለይቲ ድማ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ኣብ ከተማታት ባህርዳርን ጎንደርን ኣብ ዝርከብ መዕርፎ ነፈርቲ ናይ ሚሳይል ደብዳብ ከምዘካየዱ ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም።
ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ቅድሚ ሓደ ሰሙን ዝተወለዐ ግጭት፡ ዛጊት ብዙሕ ሞትን፡ ምፍንቓል ኣስዒቡ ይርከብ።
እዚ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት፡ መጻኢ ዕብየት እታ ሃገር ክዕንቅፍን ሰላም ጎረባብቲ ክዘርግ ይኽእል እዩ ዝብል ሻቕሎት ክግለጽ ምንጽንሑ ይፍለጥ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጎተረስ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ግጭት ኣብ ምህዳእ፡ ''ርግኣት ኢትዮጵያ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
እዚ ኵናት ኣብታ ልዕሊ 110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋን ከምኡ'ውን ኣብ ኣፍሪቃ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ቁጠባ እትውንን ኢትዮጵያ ዘይተርፍ ሰፊሕ ጽልዋ ኣሎዎ።
ይኹን እምበር መንግስቲ ፈደራል፡ ምስቲ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓት ኣጋጢሙዎ ዘሎ ኵናት ብዲፖሎማስያዊ ዘተ ንክፍታሕ ዝቐርብ ዘሎ ምሕጽንታ ነጺጉ፡ "ውሽጣዊ ጉዳይ'ዩ" ብምባል መጥቃዕቲ ከፊቱ ኣሎ።
እቲ መንግስቲ፡ ነቲ ዘሎ ኩናት "ልዕልና ሕጊ ንምርግጋጽ እንገብሮ ዘለና ጻዕሪ'ዩ'' ብምባል፡ ናይ ኢትዮጵያ ቁዋማዊ ስርዓት ንምዕናው ዝሕልኑ "ኣንጻር ውሑድ ጉጅለ" ዝግበር ቃልሲ ምዃኑ ይገልጾ።
እቲ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት ውጽኢት ናይ ነዊሕ እዋን ኣብ ምትፍናን ዝነበሩ ህወሓትን ፈደራል መንግስትን እዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ንሱዳን ይሰግሩ ከምዘለውን፡ እዚ ድማ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ዘርኢ ምልክት እዩ።

ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብለበዳ ኮቪድ-19 ብዝተናውሐ ምርጫ እውን ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ ምርጫ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ምርጫ ኣካይዱ።
ዶ/ር ኣቢይ እቲ ምርጫ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕር'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም። ብ03 ሕዳር ከኣ ኣብ ትግራይ ዓስኪሩ ምስ ዝነበረ ናይ ሰሜን እዝ ጎንጺ ተኸሲቱ።
ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ።
ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ። ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ እውን ንመንግስቲ ህወሓት ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዝሸይም ሓቢሩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







