ቅልውላው ኢትዮጵያ ትግራይ፡ ሶማልያ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢኣ ሰጉጓ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ኣሕመድ ኢሴ ኣዋድ

ምንጪ ስእሊ, AHMED ISSA AWAD

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል መሓመድ ሑሴን ሮብለ፡ ብጉዳይ መርገጽ ሶማል፡ ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ምስሕሓብ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣሕመድ ኢሴ ኣዋድ ካብ መዝነቱ ሰጒጉዎ።

ኣብ ክንድኡ መሓመድ ዓብዱረዛቅ መሓሙድ ኣቡበከር ከምዝተተከአ፡ ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ሶማልያ ዝወጽአ ጽሑፍ የረድእ።

እቲ ካብ መዝነቱ ዝተሶገ ሚኒስተር፡ ኣምባሳደር ከምዝኾነ እውን እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ፡፡ እንተኾነ፡ ነቲ ዝተዋህቦ ሓዲሽ መዝነት ነጺግዎ።

ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል፡ ኣሕመድ ኣዋድ ንምንታይ ከምዝተሰጎገ ኣይሓበረን።

ኣሕመድ ኣዋድ፡ ነቲ ሶማልያ ኣብ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ሂባቶ ዝተባህለ መግለጺ ሓቂ ከምዘይኮነ፡ ትማሊ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ፡፡

ኣቐድም ኣቢሉሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ''ሓድነት ኢትዮጵያ ንድግፍ'' ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ እኳ እንተነበረ፤ ጸኒሑ ግና ነቲ ''ሶማልያ ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝመርሖ መንግስቲ፡ ዘካይዶ ሕገ መንግስትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ናይ ምኽባር ተግባር ትድግፍ'' ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ መግለጺ ኣልዩዎ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሰሜን እዚ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ወተሃደራቱ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ንዝበሎም መራሕቲ ክልል ትግራይ ካብ ስልጣኖም ንምእላይ ብ04 ሕዳር ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ ወተሃደራዊ ወፍሪ ካብ ዝጅምር ድሮ ክልተ ሰሙን አሕሊፉ ኣሎ።

ኣብ ሶማል፡ ብዙሓት ዓቀብቲ ሰላም ወተሃደራት ዘለውዋ ኢትዮጵያ፡ ንኣስታት ሰለስተ ሽሕ ወተሃደራታ ካብታ ሃገር ከምእተውጽእ ዳልሳን ዝተባህለት ሬድዮ ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጺባ ነይራ።