"የለን ዘይፈልጡ ቘልዑ ሒዝና ንጠሚ ኣለና” ናብ ሱዳን ዝሰገሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት መዓልታዊ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።
በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣስታት 36,000 ሰባት ካብቲ ናይ ኵናት ዞባ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሱዳን ሓቢራ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ከባቢ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራትን ኣወሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዛትን ጅንስ ላርክ “ኣብ ትግራይን’ውን ዓቢ ውሽጣዊ ምፍንቓል ኣሎ፡ ንሕና ድማ ብዝከኣላና ንዳሎ ኣለና” ኢሉ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ዕጽፍታት ናይቶም ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ። ናብ ትግራይ ከእትዎም ዝኽእል መስመራት ስለዝተዓጽወ እቲ ተጻባይ ረድኤት ስደተኛን ህዝብን ኣብ ጸገም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።
እታ ምስ ክልል ትግራይ፡ ብሸነኽ ምብራቕ እትዳወብ ሱዳን ድሕሪ ምኽሳት እዚ ኵናት መዓልታዊ ኣሽሓት ሰባት ናብታ ሃገር ይሰግሩ ምህላዎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ይሕብር።
ካብ ሑመራ ምስ ኣርባዕተ ደቃን በዓል ቤታን ንሩባ ተከዘ ሰጊራ፡ ሓምዳይት ዝብሃል መሬት ሱዳን እትርከብ ሓንቲ ኣደ፡ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለዉ ንቢቢሲ ሓቢራ።
“ደብዳብ ምስ ጀመረ ነዛ ክዳንና ከየልዓልና ካብ ሑመራ ናብ ሓምዳይት ዝብሃል ናይ ሱዳን መሬት ሰጊርና፡ ደብዳብ ምስ በዝሓና ኣብ ቢንቶታት ተሓቢእና፡ እቲ ደብዳብ ኣብ ጥቃና እዩ ዝዓለብ ነይሩ” ትብል።
ንሳ ብምቅጻል “ናብዚ ምስ በጻሕና እውን ኣዚና ኢና ተሸጊርና ዘለና” ትብል።
እዛ ኣደ ኣርባዕተ ቆልዑ ናብ ሱዳን ምስ ኣተዉ፡ ሱዳናውያን ዝከኣሎም ክሕግዝዎም ከምዝፈተኑ እንተኾነ ምስ ምብዛሕ ሰብ ልዕሊ ዓቕሞም ከምዝኾኖም ትሕብር “ሱዳን ጽቡቕ ተቐቢሎሙና ፊኖን ዓደስን ሂቦሙና። ሰብ ስለዝበዝሐ ግን ልዕሊ ዓቕሞም ኮይንዎም፡ ንሶም ተመዝጊብኩም ናብ ውሽጢ ሱዳን እትዉ እዮም ዝብሉና። ንሕና ግን ኣረግቶት ኣብ ገዛ ገዲፍና ሃዲምና ስለዝመጻእና ኣብ ሓምዳይት ኣለና” ትብል።
እዛ ወይዘሮ ኣብቲ ንሳ ዘላቶ ቦታ ብገምጋማ “ዓሰርተ ሽሕ ንኸውን ሰባት ኣለና” ትብል።
ካብ ሑመራ ወጺኦም ክሳብ ሓምዳይት ዝበጽሑ ብዙሕ ጸገማት ከምዘጋጠሞም ከኣ ትሕብር “ኣብ መንገዲ ብዘይ ሓኪም ማናቱ ዝወለዳ ኣለዋና፡ ከይተጠመቓ ምሳና ዝመጽኣ ኣንስቲ እውን ኣለዋ፡ ህጻናት ኣረግቶት ጥዕና ዘይብሎም ምሳና ኣለዉ፡ ስለዚ ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ወሪድና ዘሎ ጸገማት ርእዩ እጃሙ ክዋሳእ መልእኽተይ ከሕልፍ ይደሊ” ትብል።
ካልእ ሓሙሻይ ርእሳ ካብ ሑመራ ናብ ሓምዳይት ዝሰገረት ወላዲት’ውን “ዓሰርተ መዓልትና ኣብ በረኻ ኢና ዘለና፡ ካብ ገዛና ዝኾነ ከይሓዝና ኢና ወጺእና፡ ፈቀዶ ጽላል ናይ ገረብ ኢና ፋሕ ኢልና ዘለና” ትብል።
ንሳ ብምስዓብ “የለን ዘይፈልጡ ቘልዑ ሒዝና ኣብ ፈቐድኡ ንጠሚ ኣለና” ኢላ።
ካብ ትግራይ ናብ ሱዳን ሰብ ብዘይምቁራጽ ይሰግር ምህላዉ ዝግልጽ ካልእ ወላዲ፡ ኩሉ ሰብ፡ ዝኾነ ከይሓዘ ስለዝወጽአ ምስ ምብዛሕ ሰብ እቲ ክውሃብ ዝኽእል ሓገዛት’ውን ስለዘይኣክል ሰብ ተሸጊሩ ከምዘሎ ብምጥቃስ “ብፍላይ ህጻናት ይጠምዩና ኣለዉ” ኢሉ።
ኣማኢት ሰባት ጥራይ ክቕበሉ ተባሂሎም ዝተሰርሑ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ዓቕሉ ጸቢብዎ ከምዘሎ እዩ ውድብ ሕቡራት ዝሕበር።
ሰብኣዊ ቅልውላው
ብሰንኪ'ቲ ልዕሊ ክልተ ሰሙን ዘቑጸረ ኲናት መንግስታት ክልል ትግራይን ፌዴራልን፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ምምዝባሎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-አር ይገልጽ።
ኣብ መዓልቲ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት፡ ካብ'ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኲናት እናሃደሙ ናብ ሱዳን ይሰግሩ ኣለዉ።
ኣማኢት ሰባት ጥራይ ክቕበሉ ተባሂሎም ዝተሰርሑ መዕቆቢ ስደተኛታት ሱዳን ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣጻቢቦምዎም ኣለዉ።
ኣመዓባብላ እቲ ኵናት
መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብፍልልይ ስነ-ሓሳብ፡ ክረሓሓቑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንዝነበሮም ልፍንታዊ ኪዳን ኣፍሪሶም ብልጽግናን ህወሓትን ኮይኖም ተፈላልዮም።
ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ምርጫ ምስተናውሐ ድማ፡ ዝያዳ ተሰሓሒቦም።
ባይቶ ፈደሬሸን ኢትዮጵያ፡ እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረፃ፡ ኮቪድ-19 ድሕሪ ምህድኡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘሎ ግዜ ክፍጸም ወሲኑ።
መንግስቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነቲ ውሳነ ብምንጻግ ናይ ርእሱ መረፃ ኣካይዱ።
ኣቢዪ ኣሕመድ፡ እቲ መረፃ ዘይሕጋዊ እዩ ክብል ክነጽጎ እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ መስከረም 25 ስልጣኑ ስለዘብቀዐ ፡ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል መርገጺ ሒዙ።
ብድሕሪ'ዚ ክልቲኦም መንግስታት ነንሓድሕዶም "ዘይሕጋዊ" እናተበሃሃሉ ክካሰሱ ጸኒሖም፡ ርክባቶም ድማ በቲኾም።
ብ 03 ሕዳር ከኣ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ'ታ ክልል ዓስኪሩ ምስ ዝጸንሐ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ (እዚ ሰሜን) ከምዝተጓነጹ ተገሊጹ።
ኣብዪ ኣሕመድ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ተፈጺሙ ዝበሎ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ 'ሕጊ ንምኽባር' ብዝብል ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ልዕሊ ትግራይ ድማ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።
መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።
ነቲ ሕዚ ተወሊዑ ዘሎ ኵናት "ወራር መንግስቲ ፌደራል" እናበሉ ዝገልጽዎ መራሕቲ ትግራይ፡ ንክልተ ሰሙናት ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ምስ ፍሉይ ሓይልን ምልሻታትን ክልል ኣምሓራን ይዋግኡ ኣለዉ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







