ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ዝተሰንዑ ምስልታት

ባንዴራ ኢትዮጵያ ዝሓዙ ህዝቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ወታሃደራት መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይሊታት ትግራይን ተወሊዑ ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ፡፡

እቲ ጎንጺ እናተጓሃሃረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ ነቲ ኲናት ዝምልከቱ ሓቀኛ ዘይኮኑ ምስሊታትን ስኑዓት ሓበሬታታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ይዘዋወሩ ኣለዉ፡፡

ገለ ካብቶም ሓቀኛ ዘይኮኑ ምስሊታትን ስኑዓት ሓበሬታታትን ክነካፍለኩም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዓውደ ኲናት ኣትዩ ዘር ምስሊ

ስኑዕ ስእሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ

ኣብዪ ኣሕመድ፡ ወታሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብቴሌፎን እናተዛረበ ዘርኢ ምስሊ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ዝድግፉ ኣብ ፌስቡክ ዝተለጠፈ እዩ፡፡

ሰለስተ ስእልታት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዉ ኮይኑ፡ እቲ ዝተለጠፈ ምስሊ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ዘርጊሖምዎ፡፡

እቲ ምስሊ ታዬ ደንደኣ ኣረዶ ብዝተባህለ ወሃቢ ቃል ውድብ ብልጽግና ኦሮምያ ዝተለጠፈ ኮይኑ፡ እቲ ስእሊ ግና ዝተወሃሃደ እምበር ሓቀኛ ኣይኮነን፡፡

ሓቀኛ ምስሊ እቲ ወታሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብቴሌፎን ዝዛረብ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓቀኛ ምስሊ እቲ ወታሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ብቴሌፎን ዝዛረብ ሰብ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ዝምልከት ካብ ዝሓተሙ ዛንታታት ዝተወሰደ እዩ፡፡

እታ ሓቀኛ ምስሊ አብ ‘ጌቲ ኢሜጅስ’ ኣብ ዝተባህለ መኽዘን ስእሊታት ረኺብናያ፡፡

እቲ ምስሊ ኣብ 2017 ኣብ ዩክሬይን ዝተወሰደ ኮይኑ፡ እቲ ወተሃደር ኣብዪ ኣሕመድ ንክመስል ጭሕሚ ተወሲኽዎ፡፡

ነቲ ዝተወሃሃደ ስእሊ ንዝለጠፈ ኣቶ ታዬ ደንደኣ ኣራዶ ቢቢሲ ኣዘራሪብዎ ነይሩ፡፡ ንሱ ነቲ ስእሊ ከምዘይለጠፈ እዩ ተዛሪቡ፡ ኮይኑ ግና ብኸመይ ኣብ ናይ ባዕሉ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ከምዝተረኸበ ኣየብረሀን፡፡

ስኑዕ ምስሊ ዝወደቐት ነፋሪት ውግእ ኢትዮጵያ

ኣብ ትግራይ ክትድብድብ ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት ብዝብል ዝተሓተመ ቪድዮ ብዙሕ ሰብ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዘርጊሕዎ እዩ፡፡

ኮይኑ ግና እቲ ቪድዮ፡ ኣርማ ካብ ዝበሃል ወተሃደራዊ ምስሊ ጸወታ ‘ሲሙሌሽን ጌም’ ዝተወሰደ እምበር ሓቀኛ ቪድዮ ኣይኮነን፡፡

ስኑዕ ስእሊ

ተፈጥሮኣዊ ዘይኮነ ሰማያዊ ሕብሪ እቲ ክንዮ እታ ነፋሪት ዘሎ ምስልን፡ ቅድሚ ምውዳቓ ካብታ ነፋሪት ዝወጽእ ትኪ ኣብ ገሊኡ ቐልጢፉ ዝጠፍእ ምዃኑን እቲ ቪድዮ ዝተወሃሃደ ከምዝኾነ ዘአንፍቱ እዮም፡፡

እቲ ፈላማይ ሓቀኛ ቪድዮ ኣብ ሓደ ጃፓናዊ ናይ ዩ ትዩብ ቻነል ኣብ ዘሎ መጻወቲ ቪድዮ ረኺብናዮ፡፡

ኣብቲ ዝተወቐዐት ነፋሪት ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ቪድዮ ናይ ብሓቂ ከምዘይኮነ ኣብ መእተዊኡን መወዳእታን ብቋንቋ ጃፓን ዝተጽሓፈ ጽሑፍ ክእለ ተገይሩ፡፡

ኣብ ላዕለዋይ ኣካላ ሓዊ እናነደደ እትርአ ካልኣይቲ ነፋሪት ቪድዮ'ውን ኣብ ማሕራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ ነይሩ፤ እቲ ምስሊ ሓቀኛ እኳ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጓነፈ ግን ኣይኮነን፡፡

እቲ ምስሊ ኣብ 2016 ብምኽንያት ቴክኒካዊ ጸገም ናይ ዝተሓምሸሸት ኤፍ-16 ዝዓይነታ ነፋሪት ዮርዳኖስ እዩ፡፡

ካብ ካልእ ከባቢ ዝተወሰዱ ምስሊታት

ኣብዚ እዋን ብዙሕ ዘጋጊ ስኑዕ ሓበሬታት ምስልን ይዝርጋሕ አሎ። ገሊኦም ምስሊታት ኣብ ካልእ ቦታን ቅድሚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ጎንጺ ዝተወሰዱን እዮም፡፡

1.ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ዝድግፍ ሓደ ገጽ፡ ነዚ ካብ ኡዝበኪስታን ዝተወሰደ ስእሊ ተጠቒሙ፡፡

ካብ ወተሃደራዊ ስርሒት ኡበኪስታን ዝተወስደ

ምንጪ ስእሊ, Huw Evans picture agency

እዚ እታ ነፋሪት ሮኬት ክትኩስ ካብ ልዕሊኣ ዝተወሰደ ምስሊ፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንምግላጽ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተዘርጊሑ፡፡

ኮይኑ ግና ነታ ነፋሪት ኣቕሪብካ ምስ እትርእያ ናይ ኡዝበኪስታንን፡ እቲ ሰኣላይ ድማ ኣንቶኒ ፒቺ ምዃኑን ዝገልጽ "Uz Air Force A. Pecchi" ዝብል ጽሑፍ ኣለዋ፡፡

2. እዚ ምስሊ ድማ ብዙሓት ናይቲ ኣብ ባህርዳር፡ ካልኦት ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሮኬት፡ ከምዝኾነ ዝገልጽ ግጉይ ሓበሬታ ዘርጊሖም፡፡

እዚ ምስሊ እዚ፡ ኣብ ወደባዊት ከተማ ቻይና ታንጂን ኣብ 2015 ካብ ዘጋጠመ ባርዕ ኬሚካል ዝሓዘ መኽዘን ዝተወሰደ እዩ፡፡

ካብ ቻይና ዝተወስደ

3. ሓደ ናይ ፈይስቡክ ገጽ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኣስመራ ብሓይሊታት ትግራይ ዝተፈጸመ ደብዳብ ሮኬት ከምዝኾነ ዝገልጽ ቪድዮ ለጢፉ፡፡

ኣብ ቀረባ እዋናት ብሓይልታ ትግራይ ኣብ ኣስመራ መጥቃዕቲ ሮኬት ከምዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት እኳ እንተሃለዉ፡ እዚ ምስሊ ግን ነቲ ክስተት ዘርኢ ኣይኮነን፡፡

ካብ ዒራቐ ዝተወስደ

ዋና እቲ ገጽ ነቲ ቪድዮ እናተደጋገመ ንኽልተ ሰዓታት ክመሓላፍ ብምግባር፡ ቀጥታ ዝመሓላለፍ ዘሎ ከምስሎ ፈቲኑ እዩ፡፡

እንተኾነ እዚ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ዝዘርግሕዎ ቪድዮ ናይ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ወታሃደራዊ ማእከል ዝፈጸመቶ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕቲ እዩ፡፡