ሓይልታት ትግራይ ‘ሰብኣውነት ዝጎደሎ ተግባራት’ ፈጺሞም ይብል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም

ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

መግለጺ ስእሊ, ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም

ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን መሻርኽትን ነቲ ሓይልታት ትግራይ ዝፍጽምዎ ዘለዉ "እከይን ሰብኣውነት ዝጎደሎ ዘስካሕክሕ ተግባራት" ክኹንኑ ብፈደራል መንግስቲ ዝተመዘዘ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ጸዊዑ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020፡ ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወተሃደራዊ ስጉምቲ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ነቲ ክልል ብግዝያዊነት ዘመሓድር ኣካል ምቛሙ ይዝከር።

እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለን ሰፋሕቲ ከባቢታትን ትግራይ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፡ እቲ ብዶ/ር ኣብራሃም በላይ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብቲ ክልል ምውጽኡ ይፍለጥ።

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይድግፉ'ዮም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ነበርቲ ራያ፣ መቐለን ዓዲ-ግራትን ከምኡ'ውን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዒላማ ኮይኖም "ብጃምላ ይቕተሉ ኣለዉ" ክብል ከሲሱ።

ኣፈኛ ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ስልጣን ንምሓዝ ወይ ዘይናትና መሬት ንምሓዝ ድሌት የብልናን" ክብል ተዛሪቡ።

ንርእሰ ከተማ ናይቲ ክልል ዝኾነት መቐለ ካብ ዝቆጻጸሩዋ ክልተ ሳምንቲ ከም ዘሕለፉ'ውን ኣቶ ጌታቸው ሓቢሩ።

"ብፍሉይ ዒላማ ንገብሮ ሰብን መሬትን የለን። ክንጠራጠረሉ ዘይብልና ግን፡ ንህዝብና ንምክልኻል ዘይንገብሮ ኣይክህሉን'ዩ" ኢሉ።

ህወሓት ነቲ መንግስቲ ፈደራል ዝኣወጆ በይንኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ትርጉም ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ሓያሎ ቅድመ-ኩነታት ጠሊቡ'ሎ።

ገለ ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ ቅድመ-ኩነት፡ ኣብቲ ዝሓለፈ 8 ኣዋርሕ ኣብ ዝነበረ ኲናት ዝተፈጸመ ግፍዕታትን ምግሃስ መሰላትን ብናጻ ኣካል ክምርመርን፡ ፈጸምቶም ናብ ፍትሒ ክቐርቡን ዝብል'ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተጣበቕቲ መሰላት፡ ኣብቲ ኲናት ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ከም ዝተፈጸሙ ይገልጹ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ሰራዊት ፈደራል ካብ መቐለን፡ ካልኦት ከባቢታት ትግራይን ወጺኡ ከምዘ ሎ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ምስቶም ንምዕራብ ትግራይን ገለ ካባቢታት ደቡባዊ ክፋል ናይቲ ክልልን ተቖጻጺሮም ምህላዎም ዝንገረሎም ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ንምውጋእ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብቲ ከባቢ ክግስግሱ ከም ዝተራእዩ ጸብጻባት ሓቢሮም ኣለዉ።