ቅልውላዉ ትግራይ፡ ኣመሪካ ዝተዓጽወ መስመራት ርክብ ትግራይ ክኽፈት ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, POOL
ነቲ ግጭት ደው ንምባል ዝሕግዝ እንተድኣ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰኖ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ እወታዊ ስጉምቲ ክኸውን ከምዝኽእል ኣመሪካ ገሊጻ።
ኩሎም ወገናት ናይቲ ኲናት፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክበጽሕ ከፍቅዱን፡ ምዕዳል መግቢ ክቀላጠፍን ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ተሓማሕጺኑ'ሎ።
ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፡ በይናዊ ተዂሲ ደው ናይ ምባል "ሰብኣዊ" ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሰራዊት መንግስቲ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ኣንጻር ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ትግራይ ወተሃደራዊ ስርሒታት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ቀረባ ድሕሪ ዝተኻየደ ከቢድ ውግኣት ብሰኑይ ጠቕሊሉ ካብቲ ክልል ከምዝወጸ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝርከብዎም ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣረጋጊጾም።
መራሕቲ ህወሓት ግን፡ እቲ "ብፖለቲካዊ ውሰነ" ከምዝወጸ ዝገልጽ ሰራዊት፡ ብሓይሊ ተገዲዱ ከምዝወጸ ብምግላጽ፡ መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ሓይልታት ህወሓት ብሰኑይ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ መስመራት ቴለፎን፡ ኢንተርነት፡ ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ብምቁራጹ፡ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ክልል ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻእለን።
ሰብመዚ ኣመሪካ፡ እቶም መስመራት ርክብ ብህጹጽ ናብ ንቡር ተመሊሶም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ምብጽጻሕ ብዘይጸገም ክሳለጥ ጸዊዖም ኣለዉ።
መግለጺ ኣመሪካ ወሲኹ፡ ነቶም ተቐያየርቲ ምዕባለታት ብቐጻሊ ይከታተልዎም ምህላዎም'ውን ጠቒሱ'ሎ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምርግጋእ ሰፊኑ፡ ሓድነትን ልኡላዊነትን ኢትዮጵያ ዘኽብር፡ ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድ ኣለዎ ኢላ።
ነቶም ኣብቲ ኲናት ተፈጺሞም ዝብሃሉ ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ዝጻረይሉ ናጻ ኣገባብ ተፈጢሩ፡ ፈጸምቱ ንሕጊ ዝቐርብሉ ኩነታት ክፍጠር'ውን ኣመሪካ ትመክር።
ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ኩሎም ሓይልታት ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ዝምታን ዝርከብዎም ግፍዕታት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።
ኣብቲ ክልል ሰብኣዊ ረዲኤት ብቕልጡፍ ንምብጻሕ ምስ መራሕቲ ትግራይ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትካላት ረዲኤትን ክትተሓባበር ቅርብቲ ከምዘላ'ውን ኣመሪካ ኣፍሊጣ'ላ።
ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ እቲ ክልል ዓጸቦ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ጸብጻባት ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።
'ኢንተርናሽናል ክራይስ ግሩብ' ዝተባህለ፡ ንሓደጋታት ግጭት ዝከታተል ትካል ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ኣብ መስመር ከተማታት ሽረን ማይጸብርን ዘሎ ድልድል ተከዘ ከምዝፈረሰ ጸብጻባት ከምዝበጽሖ ብምሕባር፡ ህጹጽ ረዲኤት ከይኣቱ ዕንቅፋት ክኸውን ከምዝኽል ገሊጹ።
ምፍራስ ናይቲ ድልድል ኣጋጢሙ ከምዘሎን፡ ኣብቲ ከባቢ ውግእ ይካየድ ከምዘሎን ገለ ምንጭታት ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







