ቅልውላዉ ትግራይ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

እቲ ግጭት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እቲ ግጭት ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዘስዓበ ይፍለጥ

ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ መቐለ ከም ዝተቖጻጸሩ ክገልጹ እንከለው መንግስቲ ኢትዮጵያ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ ከም ዝገበረ ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ፡ ብመሰረት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘቕረቦ ጠለብ ከም ዝተወስደ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ዝወጽአ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ትማሊ ምውጻእ ሰራዊት ፌደራል ምኽንያት ብምግባር ነበርቲ ከተማ መቐለ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ባንዴራታትን ርችትን ሒዞም ናብ ጎደናታት ወጺኦም ታሕጓሶም ከም ዝገለጹ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብታ ከተማ ዝነበሮ ምቁጽጻር ከም ዝስኣነ ኣየረጋገጸን ዘሎ።

እቲ ግጭት ኣብቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ'ዩ።

ልዕሊ ሓሙሽተ ሚሊየን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮን 350 ሽሕ ሰባት ኣብ ሓደጋ ጥምየት ከም ዝርከቡን ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣንጻር መሪሕነት ህወሓት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ከም ዝጀመረ'ውን ይዝከር።

እቲ ውድብ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ምስ ዝመርሖ ፌደራዊ መንግስቲ ዘለዎ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ሓይልታት ትግራይ ንወተሃደራዊ መዓስከር እዚ ሰሜን ተቖጻጺሮም ምስ ተባህለ ናብ ቅሉዕ ኲናት ከም ዘምርሑ ይፍለጥ።

ኣብዚ ኩሎም ወገናት ከበድቲ ገበናት ቅትለትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከም ዝፈጸሙ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣሽሓት ሰባት ተቐቲሎም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ወገናት ካብ መቐለ ውጽእ ኢለን ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ጽዑቕ ውግእ ከካይዱ'ኳ እንተቐነዩ፡ ትማሊ መንግስቲ ተጻብኦታት ደው ከም ዘበለ ኣፍሊጡ።

ኣብ ትግራይ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክግበር ሓላፊ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብራሃም በላይ ጸዊዑ ክብል መንግስታዊ ማዕከን ዜና ኢቢሲ ኣፍሊጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ምስ ሓይልታት ህወሓት ኣይዛተን ብምባል ንፖለቲካውን ሰላማውን ክፍታሕ ተሓሲሙ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል መቐለ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሰራዊቱ ከም ዝኾነ ኣረጋጊጹ።

ክልተ መሰኻኽር ዓይኒ'ውን ሰራዊት ትግራይ ኣብ መቐለ ከም ዝተራእዩ ንሮይተርስ ክገልጹ እንከለው፡ ካልእ መንነቱ ክጥቀስ ዘይደለ ምንጪ'ውን "ኩሎም" ኣባላት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብታ ከተማ ወጺኦም ኣለው ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ሓይልታት ትግራይ "ብኹሎም ከባቢታት ናብ መቐለ እናተጸግዑ ምስ መጽኡ እቶም ኣመራርሓ ወጺኦም፤ ሕጂ እታ ክልል መንግስቲ የብላን" ክብል እቲ መንነቱ ክጥቀስ ዘይደለየ በዓል ስልጣን ገሊጹ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ድማ ሰራዊት ፌደራል ካብታ ከተማ ብምውጽኡ ታሕጓሶም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ከም ዝወጽኡ ሓቢሮም።

"ኩሉ ሰብ ካብ ገዝኡ ወጺኡ ኣሎ። ኩሉ ተሓጒሱ፣ ኣብ ጎደናታት ሙዚቃ ከፊቱ ኣሎ። ኩሉ'ውን ባንዴርኡ ሒዙ ሙዚቃ ከፊቱ ይርከብ" ክብል ሓደ መሰኻኽር ዓይኒ ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊቱ ዝሃቦ ርኢይቶ የለን።

ሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መግለጺ ግን እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ "እቲ ናይ ሕርሻ እዋን ክሳብ ዝሓልፍ" ዝጸንሕ'ዩ ብምባል እቲ ውሳነ ሓገዝ ንምብጻሕን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምንዳይ ዕድል ንምሃብን ዝዓለመ እዩ ኢሉ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ብስልኪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ብምግላጽ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግባራዊ ክኸውን'ውን "ተስፋ ይገብር" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

"ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ክበጽሖምን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክመጽእን ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ሓቢሩ።

ብሪጣኒያ፣ ኣመሪካን ኣየርላንድን ድማ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ጸዊዐን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር እቲ ግጭት ከም ዝተወድአ'ኳ እንተገለጸ ክሳብ ሕጂ ቀጺሉ'ዩ።

ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶም።

ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ክልል ሓደጋ ዓጸቦ ከም ዘንጸላለወ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

መንግስቲ ግን ኣብቲ ክልል ዓጸቦ ይኹን ጥምየት የለን እዩ ዝብል።