ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ ኣብ ትግራይ ብዝተፈጸመ ቅትለት ሰራሕተኛታቱ ከምዝሰምበደ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም (ኤምኤስኤፍ) በቲ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ቅትለት ከምዝሰምበደ ገሊጹ፡፡
ሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ምስቲ ኣብ ጉዕዞ ዝነበረ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህብ ጉጅልኡ ዝነበሮ ርክብ ከምዝተቛረጸ እዩ እቲ ትካል ዝገልጽ፡፡
ዓርቢ ንጉሆ ድማ ሬሳ ናይቶም ክልተ ኢትዮጵያውያንን ሓንቲ ስፔናዊትን ሰራሕተኛታቱ፡ ካብታ ጥርሓ ዝተረኸበት መኪነኦም ቁሩብ ሜትራት ርሒቑ ተረኺቡ፡፡
እቶም ግዳያት ማርያ ሀርናንዴዝ ዝተባህለት ጓል 34 ዓመት ኣተሓባባሪት ህጹጽ ረድኤት፣ ዮሃንስ ሓለፎም ረዳ ዝተባህለ ወዲ 31 ዓመት ሓጋዚ ምትሕብባር ህጹጽ ረድኤትን ቴድሮስ ገብረማርያም ገብረሚካልኤል ዝተባህለ ወዲ 31 ዓመት መራሒ መኪናን ከምዝኾኑ እቲ ትካል ገሊጹ፡፡
‘‘በዚ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ዝበጸሐና ሓዘን፣ ድንጋጸን ቁጠዐን ክገልጽ ዝኽእል ቃላት የለን’’ ዝበለ ትካል ዶብ ኣልቦ ሓካይም፡ እቶም ሰራሕተኛታት ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ የቕርቡ ከምዝነበሩን፡ በዚ ስራሕ ህይወቶም ምኽፋሎም ከምዘሕዘኖን ገሊጹ፡፡
ነቲ መጥቃዕቲ መን ከምዝፈጸሞ ዘረጋገጸ ዘይሻራዊ ኣካል የለን፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ግና ነቲ ‘‘ዘይሓላፍነታዊ ጉጅለ’’ ክብል ዝጸወዖን ካብ ሕዳር ጀሚሩ ዝዋገኦ ዘሎን ሓይሊ ተሓታቲ ገይሩ ኣሎ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቲ መጥቃዕቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብወታሃደራዊ ዕጀባ ክካየድ ኣለዎ ንዝብል ሓሳበይ መረጋገጺ እዩ ክብል እቲ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ከይበጽሕ ይኽልክል ኣሎ ተባሂሉ ዝውቀስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ፡፡
ኣብቲ ንሸሞንተ ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ጎንጺ ኩሎም ተዋጋእቲ ሓይሊታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ገበን ብምፍጻም ክኽሰሱ ጸኒሖም እዮም፡፡
ኣብዚ ሰሙን ድማ እቲ ኲናት ተጎሃሂሩ ኣሎ፡፡
ወታሃደራት እቲ ንርእሱ ሓይሊታት ምክልኻል ትግራይ (ሓምት) ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ገለ ከተማታት ከምዝተቖጻጸረ እንትገልጽ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ህዝቢ ዝተኣከበሉ ዕዳጋ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣየር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ተባሂሉ ይኽሰስ፡፡
ሰብኣዊ ቅልውላው ክልል ትግራይ
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፍሊፖ ግራንዲ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ነቶም ኣብ ትግራይ ሓገዝ ዘድልዮም ሚልዮናት ሰባት ክበጽሓሎም ብዘይምኽኣሉ ሓላፍነቱ የጉድል ኣሎ ኢሉ።
ሓልሓሊፉ'ውን፡ እቲ ስራሓት ሰብኣዊ ሓገዝ ብብዝሒ ክተዓናቀፍ ከም ዝርኣየ'ውን ተዛሪቡ።
ዋና ጸሓፊ ናይቲ ትካል 'ኖርዌጅያን ረፊዩጂ ካውንስል' ጃን ኢገላንድ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ቃለ-መሕተት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ሰባት ክንበጽሕ ብተደጋጋሚ ሕቶ እንተኣቕረብና'ውን ነቶም ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ግን ክንበጽሓሎም ኣይክኣልናን ኢሉ።
"ብተደጋጋሚ ሕቶ ኣቕሪብና ኢና። ኣብ ፌደራል ሓልሓሊፉ፤ ገለ ሻዕ ድማ ብክልል ፍቓድ ዘይረኸብናሎም እዋናት ኣለው። ብዝሒ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ክኸውን ይኽእል'ዩ፤ ድኽነት ዝበዝሖን ረድኤት ዝደልን ከባቢ'ዩ" ኢሉ።
ቅድም ኢሉ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ረድኤት ዘድልዮም ሰባት 2.5 ሚልዮን ከም ዝኾኑን ኣድላዪ ዘበለ ሓገዛት ይገብር ምህላው'ውን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኮሚሽን ኣመራርሓ ብሄራዊ ስግኣት ሓደጋ'ውን ነቲ ህዝቢ ንምሕጋዝ መንግስቲ እኹል ምድላዋት ገይሩ ኣሎ ኢሉ። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቶም ሓገዛት ዘድልዮም ሰባት ንምብጻሕ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ብጥምረት ይሰርሕ ምህላዉ ጠቒሱ።
ጃን ኢገላንድ ግን "ውሑዳት ረድኤት ዝሓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ንርኢ ኢና። እዚ ግን ነቶም ብሚልናት ዝቑጸሩ እኹል ኣይኮነን" ይብል።
ወሲኹ "ወሃብቲ ሓገዝን መንግስትን ብሓባር ብዝገበሩዎ ገምጋም ናብ ደቡብን ምብራቕን ትግራይ ተጓዒዞም እዮም። ብዙሕ ረድኤት ዘድልዮ ህዝቢ ከም ዘሎ'ውን ርእዮም። ካውንስል ስደተኛ ኖርወጂያን ሓዊሱ ካልኦት ወሃብቲ ትካላት ሓገዝ ክገብሩ ይደልዩ'ዮም። ቅድሚ እቲ ጎንጺ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ረድኤት ሂብና ኢና። ሕጂ'ውን ልዕሊኡ ንምግባር ድሉዋት ኢና" ኢሉ።
እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲን ትግራይን ንልዕሊ ክልተ ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ኣብቲ ክልል ዓቢ ሰባዊ ቅልውላዉ ኣስዒቡ ምህላዉ ይግለጽ።
ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ክኣትዉ እንከለዉ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ተፈናቒሎም ኣለዉ። ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት'ውን ህጹጽ ረዲኤት ከምዘድልዮም ሰብመዚን ሕቡራት ሃገራትን ሓቢሮም።
ኣመዓባብላ እቲ ጎንጺ
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነበረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚ መጀመርታ ሕዳር 2020 ኣብ ዝነበረ ግዜ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







