ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይ መርማሪ ኮሚሽን መዚዙ

ብኲናት ዝዓነወ ገዛ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ንምምርማር ኣጻራዪ ኣካል ንምቛም ዝወሰዶ "በይናዊ" ውሳነ ከምዘሕዘኖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ውሳነ ቅኑዕ ኣገባብ ዝሓለወ ኣይኮነን ክብል ነቒፉ'ሎ።

"ኮሚሽን ሰባዊን ህዝባውን መሰላት ኣፍሪቃ፡ ካብቲ መንግስቲ ዘፍቀደሉ ወጻኢ፡ ሕጋዊነት ዘይብሉ ሓደ 'ኣጻራዪ ኮሚሽን' ከምዝምስርት በይናዊ መግለጺ ምሃቡ ዘሕዝን'ዩ" ይብል እቲ ሚኒስትሪ።

እቲ ኮሚሽን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓደ ኣጻራዪ ኣካል ብምቛም ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሩ ነቶም ክወጹ ዝጸንሑ ክስታት ምግሃስ መሰላት ክምርምር ምዃኑ ብምፍላጥ፡ ኩሎም ኣብቲ ግጭት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ክተሓባበርዎ ጸዊዑ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መንግስቲ ሓባራዊ መርመራ ንምክያድ ነቲ ኮሚሽን ከምዝዓደመ ዝጠቐሰ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት፡ እቲ ኮሚሽን ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፎ መልሲ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ዝቐረበሉ ዕድመ ተቐቢልዎ ነይሩ ኢሉ።

በዚ መንጽር እቲ ኮሚሽን ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ "ነቲ ናይ ምትሕግጋዝ መንፈስ ዝሃሲ" እዩ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቒፉ።

እቲ መርመራ ንሰለስተ ወርሒ ዝካየድ ምዃኑን ከምኣድላይነቱ ክናዋሕ ከምዝኽእልን እቲ ኮሚሽን ገሊጹ'ሎ።

ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተውሃበ መግለጺ፡ "እቲ መርማሪ ኮሚሽን ነቶም ክሲታት ናይ ምጽራይ ስልጣን ክህልዎ እዩ" ዝበለ ኾይኑ፡ እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ግፍዕታት ምስ ገበናት ሰብኣዊ መሰላት ዝዳረግ እንተኾይኑ ንምጽራይ ኣድላይ ዘበለ ሓበሬታ ክእክብ ምዃኑ ሓቢሩ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ'ዚ ናይ ምጽራይ ስርሑ ካልኦት ተዳረግቲ ኣካላት ምትሕብባር ክገብርሉ ሓቲቱ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ሻውዓይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ኲናት ስዒቡ፡ ኣዝዮም ሰፋሕቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸሙ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እዚ ድማ፡ ነቲ ክልል ይመርሕ ዝነበረ ህወሓት ካብ ስልጣን ንምእላይ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ወተሃደራዊ ወፍሪ ምእዋጁ ስዒቡ ዝመጽአ እዩ።

ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኢትዮጵያ ወጊኖም ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወተሃደራት ኤርትራ ብዝተፈላለዩ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሱ ኾይኖም፡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ካብቲ ክልል ክወጽኡ ጸቕጢ ይገብር ኣሎ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መጀመርታ፡ እቲ ጎንጺ ብሰላመዊ መገድን ብዘተን ክፍታሕ ጻውዒት ገይሩ ነይሩ።

እንተኾነ ጽንሕ ኢሉ፡ ኣብ ወርሒ ትሕሳስ፡ ኣቦ ወንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋኪ፡ ኣብ ጁቡቲ ኣብ ዝተኻየደ መበል 38 ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ኢጋድ፡ 'መንግስቲ ኢትዮጵያ ተባዕ ስጉምቲ እዩ ወሲዱ' ኢሉ ምዝራቡ ኣዘራረቢ ኮይኑ እዩ።

ብዚ ምኽንያት፡ ዝተፈላላዩ ተወለድትን ሲቪክ ማህበራትን ትግራይ፡ በዚ ርእይትኡ ዝተልዓለ ቅረተኦም ክገልጹ ጸኒሖም ኣለዉ።

ክልል ትግራይ: በቲ ካብ ዝሓለፈ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ከቢድ ዕንወት በጺሕዋ ኣሎ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለው ከባቢ 1.7 ሚልዮን ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ይርከቡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 350 ሽሕ ሰባት ንዓጸቦ ከምዝተቃልዑ ዝገለጸ ኾይኑ፡ ጥሜትን ዓጸቦን ከም መሳርሒ ኲናት ይውዕል ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብቲ ልዕሊ ሸውዓተ ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ወገናት፡ ጾታዊ ዓመጽን ጅምላዊ መቕተልትን ዝርከብዎም ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝፈጸሙ ይግለጽ።